እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖል ፓግባ ዒላማ ውዱባት ወረበላታት ኰይኑ ምህላዉ ገሊጹ
ፈረንሳዊ ተጻዋታይ ጋንታ ጁቬንቱስ ፖል ፖግባ፡ ብውዱባት ወረበላታት ዝምታን ምፍርራሕን ይወርዶ ምህላዉ ገሊጹ።
እዚ ዉሩይ ተጻዋታይ ማእከል ሜዳ፡ ትማሊ ሰንበት ብመንገዲ ጠበቃታቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ጉዳይ ናብ ሰብ መዚ ከምዝሓበረ ኣፍሊጡ።
ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንገለ ምንጭታቱ ብምጥቃስ፡ ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ ጉዳይ ክምርምርዎ ጀሚሮም ምህላዎም ዝገለጽ ዜና ኣቃሊሑ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ንፖል ፖግባ ዓቢ ሓዉ ዝኾነ ማትያስ ፖግባ ብቪድዮ፡ ብዛዕባ ሓዉ [ፖል ፖግባ] “ዓቢ ምቅላዕ” ኢሉ ዝገለጾ ምስጢር ከቃልዕ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ማትያስ ፖግባ፡ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከይሃበ፡ እቲ ብዛዕባ ፖል ፖግባ ከቃልዖ ሓሲቡ ዘሎ ምስጢር ኣዝዩ ተኣፋፊ ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ይዝክር።
እቲ ብጠበቓታት ፖል ፖግባ ዝወጽአ መግለጺ “እቲ ኣብ ልዕሊ ፖል ፖግባ ዝፍጸም ዘሎ ምፍርራሕን ዝምታን ብዝተወደቡ ወረበላታት’ዩ ዝካየድ ዘሎ” ይብል።
እቲ መግለጺ ብምስዓብ “ኣብ ፈረንሳን ዓዲ ጣልያንን ዝርከቡ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ’ዩ ተሓቢርዎም፡ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራታት ግን ሕጂ እንህቦ ተወሳኺ ሓበሬታ የለን” ይብል።
ኣብ 2018 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ብምዃን ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተ ፖል ፖግባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ካብ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ናብ ክለብ ጁቬንቱስ ብነጻ ምስግጋሩ ይዝከር።
ዓቢ ሓዉ ንፖል ፖግባ፡ ማትያስ ፖግባ “ዓለም፡ ደገፍቲ ሓወይ፡ ኣባላት ጋንታ ጁቬንቱስን ፈረንሳን ብዓቢኡ መወልቱ ብዛዕባ ፖል ፖግባ ክፈልጠዎ ዘለዎም ነገር’የ ክሕብሮም” ድሕሪ ምባል እቲ ከቃልዖ’የ ዝበሎ ምስጢር ወኪል ፖል ፖግባን ካልኦት ውሩያት ተጻወትትን ንዝኾነ ራፋኤል ፒምነታ’ውን ዝትንክፍ ከምዝኾነ ተዛሪቡ ነይሩ።