ኢትዮጵያ፡ 'ብሰንኪ ኣብ ቲክቶክ ዝተለጠፈ ቪድዮ ካብ ሞት ንቑሩብ ተሪፈ'

ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ መንእሰያት እናሳዕስዑ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ቲክቶክ ምስተለጠፈ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ሕደ ጾታውያን ጽልኣት ዘለዎ ግብረመልሲታት ኣስዒቡ፤ በዚ ግን ኣየብቀዐን፡ እቲ ሓደ መንእሰይ ሃገሩ ገዲፉ ክስደድ ተገዲዱ፡፡
እቶም ጽምዲ ቪድዮ ይቕረጹ ምህላዎም ኣይፈለጡን፡፡
እቲ ቪድዮ መጀመርታ ኣብ ኢንስታግራም እዩ ተለጢፉ፤ ካልእ ሰብ ካብቲ ቪድዮ ፎቶ ስኢሉ ኣብ ቲክቶክ ምስዘርገሖ ግና ኣብ ሓጺር እዋን ኣዘራራቢ ኮይኑ፡፡
‘‘ሕደ ጾታዊ ምዃነይ ዕላዊ ክገብር ኣይደለኹን ነይረ፤ ማሕበራዊ ሚድያ ግን ጎቲቱ ኣቃሊዑኒ’’ ይብል ንድሕነቱ ክበሃል ኣርኖልድ ኢልና እንጽወዖ መንእሰይ፡፡
‘‘ሕዚ ኩሉ ሰብ መን ከምዝኾንኩን ጾታዊ መንነተይን ይፈልጥ እዩ’’ ክብል ይገልጽ እቲ ወዲ 20 ዓመት ኢትዮጵያዊ ተምሃራይ፡፡
ርክብ ሕደጾታ (ግብረ ሰዶም) ኣብ ኢትዮጵያ ዘይሕጋውን ካብ 10 መዓልቲ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዘእስርን ከምዝኾነ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ፡፡
ነቲ ሕጊ ከም ናይ ውልቀ ዋኒኖም ናይ ምውሳድ ባህሊ ኣብ ዘለዎም ጎረባብቲ፡ ብዛዕባ ጾታዊ መንነትካ ብግልጺ ምዝራብ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዘለዎ ኣርኖርድ ይዛረብ፡፡
እቲ ንህይወቱ ዝለወጠ ሳዕስዒት ኣብ ወርሒ ጉንበት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ስነ-ጥበብን ሙዚቃን ማሕበራዊ መደብ እዩ ተፈጢሩ፡፡
‘‘ንሰቲ፣ ንጻወት ኔርና፡፡ ንሕጐስ ነይርና’’ ይብል ኣርኖርድ፡፡
ሓደ ነቲ ዝመጽእ ሓደጋ ዘይተገንዘበ ሰብ ነቲ ቪድዮ ኣብ ማሕራዊ ሚድያ ከምዝለጠፎ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እዩ ፈሊጡ፡፡
‘‘ብዙሓት ሰባት ኣብ ቲክቶክ ርእዮምዎ’’ ይብል፡፡ ‘‘ኣዝየ ፈሪሐን ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቕኩ ተሰሚዑኒን፡፡’’
እቲ ዝፈረሖ ኣይተረፈን፡፡ ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ንምሳሕ ኣብ ዝወጸሉ፡ ኣርኖልድ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ፡፡
‘‘ካብቲ ሬስቶራንት ምስወጻእኩ መንእሰያት ተኣኪቦም መጺኦም ኣብቲ ቪድዮ ከምዝረኣዩንን፡ ከምኡ ድማ ሕደጾታዊ ምዃነይ ክኣምንን ነጊሮምኒ፡፡
"12 ሰባት ከቢቦምኒ ነይሮም፡፡ ሽዑ ክልቲኦም ክወቕዑኒ ጀሚሮም፤ ክሃድም ፈቲነ ነይረ፡፡ ግን ድማ ደጊሞም ሒዞምኒ፤ ገጸይ ረጊጾም ምንጋጋይ ሰይሮምዎ፡፡’’
እቲ ኩነታት ክሃድእን ክርሳዕን ተስፋ ገይሩ ነይሩ፤ ኣብ ወርሒ ሓምለ ግን ካልእ ንኣማኢት ኣሻሓት ዘዘራረበ ቪድዮ ኣብ ቲክቶክ ተራእዩ፡፡
እቲ ስእሊታት ዝሓዘ ቪድዮ ኣርኖልድ ናይ ዝርከቦም ኣብቲ መዘናግዒ መደብ ዝተረኸቡ ሰባት ኮይኑ ‘‘እዚኦም ኣብ ኢትዮጵያ ብናጽነት ዝነብሩ ግብረሰዶማውያን እዮም’’ ዝብል መግለጺ ተጻሒፍዎ፡፡
ከቋርጽ ዘይእኽእል ባርዕ ሓዊ ዝነደደ እዩ ዝመስል ይብል፡፡
‘‘ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ፤ ሽመይን ኣድራሻይን ብደቂቕ ንምርካብ ፈቲኖም፡፡
‘‘ኣብ ኩሉ ማሕራዊ ሚድያ ተዘርጊሐ፤ ካብ ገዛይ ሃዲመ፡፡ ኣብ ህይወተይ ዘሕለፍክወን እተን ኣዝየን ዘፍርሓ መዓልቲታት ነይረን፤ እንተዝረኽቡኒ ከምዝቐትሉኒ ርግፀኛ ነይረ’’።
ድሕሪ ሓደ ወርሒ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ድሕትን ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ሆቴላትን ባራትን ኣብ ዝፍጸሙ ሕደጾታዊ ተግባራት ስጉምቲ ከምዝወስድን ሰባት ነቲ ‘‘ፅዩፍ ተግባር’’ ክብል ዝገለፆ ዝፍፅሙ እንተርእዮም ሓበሬታ ዝህቡሉ ናፃ ናይ ስልኪ መስመር ዕላዊ ገይሩን፡፡

ኣርኖልድ ኣብ ናይ መሓዝኡ ገዛ ዝተወሰነ እዋን ምስ ኣሕለፈ፡ ኣብ ኣውሮጳ ምስ ዝነበሩ ንኸምኡ ዝኣመሰሉ ሰባት ዝሕግዙ ሓሙሽተ ኢትዮጵውያን ወለንተኛታት ክራኸብ ተገይሩ፡፡
እቶም ብ ገዛ ጉራማይለ (ሃውስ ኦፍ ጉራማይለ) ዝፅውዑ ጉጅለ ንኣባላት ጉጅለ ሕደ ጾታውያን ገንዘባዊ ሓገዝን መሕለፊ ፍቓድን ክረኽቡ ዝሕግዙ ኮይኖም፡ ኣርኖልድ ካብታ ሃገር ክወፅእ ሓጊዞምዎ፡፡
‘‘ኣቱም’’ ብዝብል ክንዲ ስም ዝፅዋዕ ፋሪስ ኩቺ ገዛሀኝ፡ ተሓባባሪ መስራቲ ገዛ ጉራማይለ ኮይኑ፡ እቲ ንኣርኖልድ ዘጋጠሞ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ምቅላዕ ተግባር ኣብ ካልኦት ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ዘጋጥም እዩ ይብል፡፡
‘‘ንባዕልና ዕላዊ ምግባር፡ መብዛሕትኡ ግዘ ምርጫና ኣይኮነን’’ ይብል ኣብ ቬና ዝነብር ፋሪስ፡፡ ኣብ ዙርያ ሕደጾታውነት ዝገብሩዎ ዝነበሩ ጎስጓስ ኣብ ሓደጋ ምስ ኣእተዎም ናብ ኦስትርያ ካብ ዝሃደሙ ሓደ እዩ፡፡
ፋሪስ፡ ኣርኖልድ ዝተቓለዐሉ ሓዊሱ፡ ኣስታት 110 ካብ ማሕራዊ ሚድያ ዝተደምሰሱ ቪድዮታት ከምዘለዉዎም ይገልፅ፡፡
ገሊኦም እቶም ሰባት ኣብ ኣደባባይ ክውቅዑን ክጋፍዑን ዘርእዩ እዮም፡፡
ሓደ እዋን ሓደ ናይ ኢቫንጀሊካል ክርስትና ፓተስር ኣባላት ማሕበረሰብ ሕደ ጾታውያን ኣብ ኣደባባይ ጥራሕ ዝባኖም ወጺኦም ክግረፉ ክጽውዕ ተራእዩ፡፡
እቶም ቪድዮታት ቅድሚ ክድምሰሱ ምግባሮም፡ ንሰሙናት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ስለዝጸንሑ ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ርእዮምዎም እዮም፡፡
ገዛ ጉራማይለ፡ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ትግርኛን ኦሮምኛን ኣንጻር ሕደጾታውያን ዝውዝዑ ሓበሬታታት ኣብ ምጥቋም ምስ ትካላት ማሕራዊ ሚድያ ይሰርሕ ኣሎ፡፡
ቲክቶክ ኣብዚ ዛዕባ መብርሂ ክህብ ዝቐረበሉ ሕቶ ዘይተቐበለ ኮይኑ፡ ኣብ መትከላት ፍትሓውነት ከምዝሰርሕ ንዝገለጽ መተሓደደሪኡ ክንርእይ ገሊጹልና፡፡

እቲ ኣብ ቲክቶክ ዘጋጠመ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝተፈጠረ ኣይኮነን፡፡
ሰይላ ብዝብል፡ ሓቀኛ ሽማ ዘይኮነ፡ ክንጽወዓ ዝመረጸት ዩጋንዳዊት ሕደጾታዊት እውን ተመሳሳሊ ነገር ከምዘጋጠማ ትዛረብ፡፡
ዩጋንዳ ኣብ 1962 ናፅነታ ካብ እትእውጅ ጀሚሩ ርክብ ሕደፆታ ዘይሕጋዊ ገይራ እያ፡፡
ኣብዚ ዓመት ድማ መንግስቲ ካልእ ከቢድ ሕጊ ኣውጺኡ፡፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ርክብ ሕደ ጾታውነት ዝረኸበ ሰብ ካብ ማእሰርቲ ዕደመ ልክዕ ክሳብ ሞት ይፍረዶ፡፡
ሰይላ ሓደ ጎረቤታ ኣብ ካምፓላ ንፖሊስ ምስጠቆማ ንሳን ኣፍቃሪታን ተኣሲረን ነይረን፡፡
‘‘ እቶም ፖሊስ ‘ሕደጾታውያን ከምዝኾንክን እንተፈሊጥና፡ ን 20 ዓመት ክትእሰራ ኢኽን’ ኢሎምኒ፡፡’’
እተን ደቂ ኣንስትዮ ንኽልተ መዓልቲ ተኣሲረን፡፡ እቲ ዝተኸሰሳሉ መዝገብ ግን 'ናርኮቲክስ' ዝተባህለ መዐወኒ እጽ ሒዘን ተረኺበን ዝብል ነይሩ፡፡
‘‘ሕደ ጾታዊት ምዃነይ መረጋገጺ ስለዘይረኸቡ ኣብቲ መዝገብ ከምኡ ኢሎም መሊኦም፡ ፈቲሖምኒ’’ትብል ሰይላ፡፡
ድሕሪ ቤት ማእሰርቲ እተን ኣብ ቲክቶክ ፍሉጣት ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ፀርፍን ምፍርራሕን በፂሕወን፡፡ ንድሕነተን ብምስጋእ ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ ኬንያ ሃዲመን፡፡
ኣብ ኣፍሪቃ ቲክቶክ ኣዐርዩ ፍሉጥ እናኾነ ምስመፀ ብዙሓት ሃገራት ቁጽጽር ክግበረሉ ወይ ክእገድ ክጽወዓ ጀሚረን፡፡
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሰኔጋልን ሶማልያን ቲክቶክ ኣጊደን፡፡
ሰኔጋል፡ ተቓወምቲ ሰልፊ ንምውዳብ ይጠቅሙሉ ኣለዉ ዝበለት ኮይና፡ ሶማልያ እውን ግብረሽበራውያንን ካብ ስነ-ምግባር ዝወጹን ይጥቀሙሉ ዝብል ምኽያት ኣቕሪበን፡፡
ኣብ ኬንያ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝፅውዑ ዓቃባውያን ኣለዉ፡፡
ኣባላት ሕደጾታውያን ኣብ ቲክቶክ መግፋዕቲ ዝበጽሖም እኳ እንተኾነ፡ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክዕጾ ግን ኣይደልዩዎን፡፡
‘‘ኣብዚ ብዙሕ ጸገም የጋጥመና እዩ፤ ግን ድማ ብዛዕባ መንነትናን ሰብ ክንጎድእ ከምዘይንደልይን ንካልኦት ንምምሃርን ጽቡቕ መራኸቢ እዩ’’ ትብል ሰልያ፡፡
ኣርኖልድ እውን በዚ ይሰማማዕ፤ ሓደ መዓልቲ ናብ ሃገሩ ኢትዮጵያ ክምለስ ይደሊ፡፡ ነቲ ዘጋጠሞ እውን ብኣወንታ ክጥቀመሉ ይፍትን ኣሎ፡፡
‘‘ስነ ኣእምሮን ሰብኣዊ መሰላትን ከፅንዕ ይደሊ፤ ምኽንያቱ ንማሕረሰበይ ክሕግዝ ስለዘለዓዕለኒ’’ ይብል፡፡
‘‘ዝኾነ ሰብ በቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡’’




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







