ናብ ጫፍ እምባ ኤቨረስት ቀዲሙ ዝደየበ ሰብ ዓሪፉ

ካንቻ ሸርፓ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ብህይወት ዝተረፈ ኣባል ናይታ ንፈለማ እዋን ናብ ጫፍ እምባ ኤቨረስት ብዓወት ዝደየበት ጋንታ ኣብ መበል 92 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኔፓል ካትማንዱ ዝርከቡ ስድርኡ ኣብ ቀረባ እዋን ክሓምም ከም ዝጀመረ ተዛሪቦም።

ካንቻ ሸርፓ ኣብ 1953 ነታ ብኤድሙንድ ሂላሪን ተንዚንግ ኖርጋይን እትምራሕ ታሪኻዊት ጋንታ ኣሰንዩ ናብ ጫፍ እቲ ዝነውሐ እምባ ዓለም ክኸይድ ከሎ ወዲ 19 ዓመት እዩ ነይሩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣኽራናት ናይ ምድያብ ተመኵሮ እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ናብቲ 35 ኣባላት ዝሓቘፈ ወፍሪ ተጸንቢሩ።

ኣብቲ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝወሰደ ከቢድ ጕዕዞ፡ መግቢ፡ ቴንዳታትን መሳርሕታትን ተሸኪሙ ክሳብ ጫፍ እቲ እምባ ዝበጽሐ ኰይኑ፡ ካብቶም 8,000 ሜትሮ ንዓቐብ ዝደየቡ ሰለስተ ኣባላት እታ ጋንታ ሓደ እዩ።

ብጾቶም መራሕቲ ኣኽራን ኔፓል ከም ኣፈታሪኽን መነቓቕሕን ገይሮም ገሊጾሞ ኣለዉ።

ካንቻ ሸርፓ ድሕሪ እቲ ወፍሪ ንተወሳኺ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣኽራናት ሂማላያ ከም ተሸካሚ ኰይኑ ዘገልገለ ክኸውን እንከሎ፡ ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞታት ምድያብ ደው ከብሎ ምስ ሓተቶ ግን ከም ዘቋረጾ ተገሊጹ።