ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ምንጻፍ ተቐቢራ ዝተረስዐት ኮተቴ

ካረን ፕራይስ ኣብ 1981 ክትጠፍእ እንከላ ጓል 15 ዓመት ጥራይ እያ ነይራ።

ክልተ ሰራሕተኛታት ህንጻ ሃንደበት ኣስክሬና እንተ ዘይረኽቡዎ ነይሮም፡ ፈጺማ ኣይተምተረኸበትን፤ ምኽንያቱ ዝደልያ ሰብ ስለ ዘይነበረ።

"ሊትል ሚስ ኖቦዲ" ተባሂላ ዝተሰምየት ካረን፡ ብ7 ታሕሳስ 1989 ኣብ ዌልስ ከተማ ካርዲፍ ክልተ ሰራሕተኛታት ኣብ ምንጻፍ ተጠቕሊሉ ዝነበረ ኣዕጽምታታ ክሳዕ ዝርእዩዎ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ዝርኣያ ሰብ ኣይነበረን።

ኣብ ደገ ኣብ ዲጋ ፊትዝሃሞን ዝርከብ ኣፓርታማ ኣብ ዝርከብ ዓሚቝ መቓብር ዝተረኽበ ሬሳኣ፡ ኣዝዩ ስለ ዝበስበሰ፡ ጠንቂ ሞታ ንምርግጋጽ "ዘይከኣል" እዩ።

ሕጂ፡ ድሕሪ ልዕሊ 40 ዓመታትን እቲ ዝቐተላ ውልቀሰብ ድሕሪ ካብ ማእሰርቲ ምፍታሑን፡ ፖሊስ ንቕትለት "ማንም ዘይፈልጣ" መንእሰይ ንምፍታሕ ዝገበሮ መርመራታት ብኸመይ ከም ዘዋህለሎን፡ ክልተ ሰባት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝተጠቕመሎም ሜላታትን ዘጠቓለለ፡ ሓድሽ ሰነዳዊ ፊልም ተሰሪሑ።

ኣብ እዋን እቲ መርመራ ዝሰርሕ ዝነበረ ሪፖርተር ገበን ቶም ቤድፎርድ፡ "ኣብ ከምኡ ዕድመ እትርከብ ጓል 15 ዓመት ክትጠፍእ ትኽእል እያ ኢልካ ምሕሳብ ንምእማኑ ዘጸግም'ዩ። ዝዀነ ሰብ ዘየስተብሃለሉ፡ ዘይግደሰሉ ሰብ የሎን፡" ይብል።

"ንልዕሊ 40 ዓመታት ብዙሕ ዛንታታት ሸፊነ እየ፤ ነዚ ግን ፈጺመ ኣይርስዖን እየ።"

ንሱ ቻነል 5 ንዘዳለዎ ሰነዳዊ ፊልም 'ዝተቐብሩ ምስጥራት' - Buried Secrets፡ The Body in the Carpet ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ካብ መዕቈቢ ህጻናትን ቈልዑን ክትሃድም ክፍቀደላን፡ ደሃያ ንምግባር ጻዕሪ ዝገበረ ሰብ ዘይምህላውን ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ፡" ኢሉ።

"ከም ዝጠፍአት ሰብ ኣይተመዝገበትን፡ ከም ዝጠፍአት ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን፤ መን ምዃና ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን።"

  • እዚ ዛንታ፡ ንገለ ኣንበብቲ ክርብሽኩም ዝኽእል ዝርዝራት ዝሓዘ'ዩ።

ወለዲ ካረን ተፋቲሖም'ዮም ነይሮም፤ ስለዚ ኣተሓባብያኣ ገልታዕታዕ ዝበዝሖ እዩ ነይሩ።

ኣብ 10 ዓመት ዕድሚኣ ድማ ናብ ማእከል መናበዪ ህጻናትን ቈልዑን ኣትያ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ሓምለ 1981፡ ካብቲ ኣብ ቸርች ቪለጅ፡ ሮንዳ ሲኖን ታፍ ዝርከብ ማእከል ማስ-የር-ኤግልዊስ ሃዲማ።

ኣብ 11 ዓመት ዕድሚኣ ጀሚራ ካብቲ እትነብረሉ ዝነበረት ገዛ ምስ ሃደመት ከኣ ኣይተመልሰትን።

ኣብ መንጎ፡ ክሳብ እትመውት ዝነበረ ኣሰር ህይወታ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።

ድሕሪኡ፡ ብ1989፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ንስታድዩም ዝኸውን ቦታ ኣብ ምሕዳስ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት፡ ኣስታት ሓደ ሜትሮ ንታሕቲ መሬት ኰዒቶም ዝተጠቕለለ ምንጻፍ ረኸቡ።

ድሕሪኡ፡ ሓደ ካብቶም ሃነጽቲ ዝዀነ ፖል ቦደንሃም ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፡ ክልቲኦም ኣብ መጀመርታ፡ "ኣንታ ኣብኡ ሬሳ ክህሉ ይኽእል እዩ፡" ኢሎም ከም ዝተዋዘዩ የርኢ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ምንጻፍ ዝነበረ ዘሰንድብ ነገር ምስ ርኣዩ ግን፡ ብኡ ንብኡ ናብ ፖሊስ ደዊሎም።

ሬሳ ካረን መንኵባ ብሽቦ ኤለክትሪክ ተኣሲሩ፡ ኣብ ርእሳ ድማ ናይ ፕላስቲክ ቦርሳ ነይሩዎ።

ቅድሚ ሙማታ፡ ብዛዕብኣ ብዙሕ ስለ ዘይፍለጥን ኣብቲ እዋን ሲሲቲቪ ካሜራታት ስለ ዘይነበረን፡ እቲ መርመራ ኣብ ፎረንሲክስ ዝተመርኰሰ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ምንጻፍ ዝተረኽቡ ንኣሽቱ ሓሳኹ፡ ካረን መዓስ ከም ዝሞተትን ሬሳኣ ኣብኡ ንኽንደይ ግዜ ከም ዝጸንሐን መርኣዪ ኰይኖም።

ጽንጽያታት ኣብ ዝተቐብረ ኣስክሬን እንቋቝሖ ኣየውድቑን።

ስለዚ፡ እቶም ሓሳኹ ምህላዎም፡ ካረን ኣብቲ ዓሚቝ መቓብር ቅድሚ ምእታዋ እቲ ቅትለት ካብ ሓምለ 1981 ክሳብ መጋቢት 1982 ዝተፈጸመ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ።

እዚ ድማ መርመርቲ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ትሕቲ ቤት (መሬት) ዝነበሩ ናይ ዝነበሩ ዝርዝር ኣስማት ክረኽቡ ኣኽኢልዎም።

ክሮሞዞም ኣስናንን ምዕባለኦምን ብምርኣይ፡ ክኢላ ፎረንሲክ ስኒ ዝዀነ ፕሮፌሰር ዴቪድ ዊታከር ጾታን ዕድመን እቲ ኣስክሬን ክፈልጥ ክኢሉ።

መርመርቲ ድማ እቶም ሮዛ ሕብሪ ዘለዎም ድዲታት - ደም ናብ ኣስናን ዝሰዱ ሻምብቈታት ስኒ - ካረን ብዓመጽ ከም ዝሞተት ከረጋግጹ ኣኽኢሉዎም።

'ታሪኻዊ' ርኽበት ፎረንሲክ

ሞት ካረን፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ከተማ ከርዲፍ "ዘይተለምደ" ተባሂሉ ይውሰድ ከም ዝነበረ፡ ብቐንዱ ኣብ ንኣሽቱ ገበናት ዝሰርሕ ዝነበረ መርማሪ ፖሊስ ሳውዝ ዌልስ ነበር ጀፍ ኖርማን ገሊጹ።

"ኣብ ካርዲፍ ክንድኡ ዝኣክል ቅትለት ኣይተፈጸመን። ቅድሚ ሕጂ ዓጽሚ ሰብ ርእየ ስለ ዘይፈልጥ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰንቢደ እየ ነይረ፡" ኢሉ።

እቲ ሬሳ፡ ምስቶም ጠፊኦም ተባሂሎም ሪፖርት ዝተገብሩ ሰባት ዘይሰማማዕ ስለ ዝነበረ፡ መርመርቲ ብዓቢዩ ዘይተፈተነ ሜላታት ተጠቒሞም ነቲ ምስጢር ክፈትሑ ነይሩዎም።

ኣብቲ ኣብ መርመራ ፎረንሲክ ከም "ታሪኻዊ ርኽበት" ዝውሰድ መርመራ፡ ሪቻርድ ኒቭ ዝተባህለ ፍሉጥ ስነጥበበኛ ዳግመ ህንጸት ገጽ፡ ንርእሲ ካረን ተጠቒሙ ንኣካላዊ መልክዓ ሞዴል ፈጢሩን ሃኒጹን፤ እዚ ድማ ቅኑዕ ኰይኑ ተረኺቡ።

ብ15 ለካቲት 1990 ኣብ ዝቐረበ ክራይምዋች፡ ዳግመ ህንጸት ኒቭ ዘርኣየ ኰይኑ፡ ክልተ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳይ ካብታ ካብ ካርዲፍ ንሰሜን 10 ማይል ርሒቓ እትርከብ ከተማ ፖንቲፕሪድ፡ ንካረን ኣለልዮም ክቐርቡ ደሪኽዎም።

ኣብቲ እዋን፡ ንካረን ምስ ወለዳ ዘሰማምዐ ነገር ክርከብ ዝተኻእለ፡ ካብ ኣዕጽምቲ ደቂ-ሰብ ዲኤንኤ ምውሳድ ዘጠቓልል ፈላሚ ቴክኖሎጂ መርመራታት እዩ ነይሩ፤ በዚ መጀመርታ ግዜ ድማ መንነታ ተፈሊጡ።

ተለቪዥን ክራይምዋች ዘቕረቦ ምድላው፡ ነቲ ምስጢራዊ ኣካል ስም ንምሃብ ሓጊዙ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሓደ ሰብ ንቕድሚት ወጺኡ ኣብ ቅትለት ካረን ኢድ ከም ዝነበሮ ክናዘዝ ደሪኽዎ።

እድሪስ ዓሊ፡ ነቲ መደብ ይዕዘቦ ስለ ዝነበረ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ሓደ ኣላን ቻርልተን ዝበሃል ካብ ሶመርሰት ዝመጽአ ሰብኣይ፡ ካብ መዕበዪ ህጻናትን ቈልዑን ዝወጽኣ መንእሰያት ኣዋልድ ኣብ ምንዝርና ክነጥፋ ይገብር ከም ዝነበረ ንፖሊስ ተዛሪቡ።

ኣላን ቻርልተን ካብ ሰነ 1981 ክሳብ ለካቲት 1982 ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ገዛ 29 ፊትዝሃሞን ኢምባንክመንት ይነብር ከም ዝነበረን ብመሰረት ሰነዳት ቤትፍርዲ ሬሳ ካረን "ካብ ድሕሪት ማዕጾኡ ንእሽቶ ርሒቑ እዩ ተረኺቡ።"

ዓሊ፡ ቻርልተን ንካረንን ካልእ ጓል 13 ዓመት ጓልን ዕርቃነን ንኽስእለን ዓለብአን ክቕንጥጦ ከም ዝረኣየ ንመርመርቲ ሓቢሩ።

እታ ካልእ ጓል ምስ ኣበየት፡ ቻርልተን ከም ዘጥቅዓን ካረን ነታ ጓል ክትከላኸለላ ክትፍትን ጣልቃ ክትኣቱ ከም ዝደረኻን ገሊጹ፤ ቻርልተን ግን ጭካንኡ ኣብ ልዕሊአን ፈጺሙ።

ቻርልተን - ብኣኽበርቲ ሕጊ "ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ዘለዎ" ተባሂሉ ዝግለጽ - ንካረን ብጽፍዒትን ጕስጥን ከም ዝሃረማን ዓሊ ደው ከብሎ ምስ ፈተነ ድማ ንዕኡ'ውን ከም ዝሃረሞን ገሊጹ።

ቤትፍርዲ ይግባይ፡ ዓሊ "ኣብ ትሕቲ ስግኣት ዓመጽ"፡ ንካረን "ንኣዝዩ ሓጺር ግዜ" ብኣእዳዋ ከም ዝሓዛ፡ ቻርልተን ድማ ይጸፍዓን ይሃርማን ነይሩ ዝብል ምስክርነቱ ሰሚዑ።

ቻርልተን ደው ምስ ኣበለ፡ "ካረን ካብ ኣፋ ደም ወጺኡ፤ ድሕሪኡ ኣይተመልሰትን"።

ብድሕሪኡ ቻርልተን ነቲ ኣብቲ እዋን ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ ዓሊ ምንጻፍ ኢሉ ዝገልጾ ኣውጺኡ፡ ነቲ ሬሳ ኣብ ምጥቕላል ከም ዝሓገዞ ተኣሚኑ።

ሬሳ ካረን ቅድሚ ምቕባሮም፡ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ኣርማድዮ ተቐሚጡ - እዚ ድማ ጽንጽያታት እንቋቝሖ ከውድቑ ዕድል ዝህቦም እዩ።

ዓሊ፡ ቻርልተን ንሬሳ ካረን ኣብ ድሕሪት ጀርዲን፡ ልክዕ ካብ መስኮት ክሽነ ናይቲ ገዛ ወጻኢ፡ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መቓብር ንምቕባር ክሕግዞ ናብቲ ገዛ ክመጽእ ከም ዝኣዘዞ ገሊጹ።

እዚ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ንካረን ፕራይስ ዝረኣየ ናይ መወዳእታ ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ 1991 ቻርልተንን ዓሊን ክልቲኦም ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክእሰሩ እኳ እንተ ተፈርደ፡ ዓሊ ግን ብዘይፍቓዱ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ድሕሪ ምእማኑ፡ ኣብ 1994 ብቕትለት ዝተፈርዶ ፍርዲ ክስረዝ ሓጊዙዎ።

ዓሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምውጻእ ጥራይ ነቲ ክሲ ገበኑ ከም ዝተኣመነ ይዛረብ።

ወትሩ ካብዚ ገበን ንጹህ እየ ዝብል ቻርልተን፡ ኣብ 2017 ተፈቲሑ።

ኣቦ ካረን ሌናርድ ማይክል ፕራይስ፡ ኣብ 1991 ድሕሪ እቲ ፍርዲ ንሰነዳዊ ፊልም ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካረን ተመርዕያ ናይ ገዛእ ርእሳ ስድራቤት ዝመስረተት ከም ዝመሰሎን እቲ ጉዳይ ክሳብ ዝወጽእ ድማ ብዛዕባ ሃለዋታ ብዙሕ ከም ዘይሓሰበን ገሊጹ።

"ንስድራቤት ዘሕዝን'ዩ ነይሩ። ብውሕዱ ኣብ ዕረፍትን ሰላምን እያ ዘላ፡ ንሶም ድማ ዝግብኦም ድማ ረኺቦም፡" ይብል።

ብመሰረት ጸብጻብ ሳውዝ ዌልስ ኢኮ ኣብ 1990፡ ሚስተር ፕራይስ ንመወዳእታ ግዜ ንጓሉ ኣብ ለካቲት 1981 ብዛዕባ ድሕነታ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤትፍርዲ ርእይዋ ነይሩ።

ኣኒታ ኤድዋርድ ብዛዕባ ቅትለት ጓላ ኣብ ዝገበረቶ እንኮ ቃለመሕትት፡ ካረን ሓደ መዓልቲ ብዓል-ቤታን ደቃን ሒዛ ናብ ገዛ ክትመጽእ ትጽቢት ትገብር ከም ዝነበረት ንሪፖርተር ገበን ማይክ ኣርኖልድ ኣዕሊላቶ።

ንሳ፡ ኣብ 1981 ካረን ካሴት ሰሪቓ ብዝብል ዝተላዕለ ጭቕጭቕ ኣብ ኣውቶቡስ ተሳፊራ ገዲፋታ ከም ዝኸደት፤ ደው ከተብላ'ውን ከም ዘይከኣለት ገሊጻ።

ድሕሪኡ ንጓላ ርእያታ ኣትይፈልጥን።

ሚስ ኤድዋርድ፡ ካረን፡ "ኵሉ ግዜ ኣብ ሓሳባ" ከም ዝነበረት ብምግላጽ፡ ኣብ 1984 ንማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክትሓትት ከም ዝጸንሐት፡ መልሲ ግን ከም ዘይረኸበት ገሊጻ።

ሚስ ኤድዋርድ ብ26 ታሕሳስ 1992 ኣብ መበል 54 ዓመት ዕድሚኣ ብሕዱር ስኽራን ኣልኮላዊ መስተ ከም ዝሞተት ጋዜጣ ሳውዝ ዌልስ ኢኮ ጸብጺባ።

ንምንታይ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ምምሕዳር እቲ ከባቢ እናሃለወት ዝጠፍአት መንእሰይ ጓል ዝደሊ ሰብ ኣይነበረን ዝብል ሕቶታት ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ።

ቅትለት ናይታ ኣብ መስከረም 60 ዓመት ዝመልአት ካረን፡ ኣረሜናውን ኣዕናዊን ክኸውን ከሎ፡ ክኢላታት ፎረንሲክስ ግን ዝኽራ "ክሳብ ሎሚ" ኣብ መርመራ ፎረንሲክ ዓቢይ ከም ዝዀነ ገሊጾም።

"ኣሽሓት ዛንታታት ጸብጺበ ኣለኹ፡ እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ዘሕዝኑ ዛንታታት'ዩ። ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ብኸምኡ ክትመውት፡ ህይወታ ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኣ ጥራይ ክትኵለፍ ኣዝዩ እዩ ዘሕዝን፡" ይብል ሚስተር ቤድፎርድ።