እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰባት ስለ ምንታይ'ዮም ኣብ ሓደ መኣዲ ሓቢሮም ዝቐርቡ?
ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ክንዲ ንበይንኻ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ሓቢርካ ምብላዕ ዕለታዊ ልምዲ ኰይኑ፡ ብዙሕ ዘበናት ዝተሳገረ ባህሊ እዩ።
ኣብ መርዓ፡ ሃይማኖታዊ በዓላት፡ ኣብ እዋን ሓዘን ከይተረፈ ብሓባር ንበልዕ።
ምስ ፈተውትኻ፡ ኣዝማድን ኣዕሩኽትኻን ኣብ ሓደ መኣዲ ተቐሚጥካ ምግቢ ምብላዕ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን ልሙድ ተግባር እዩ።
ይዅን እምበር ምስቲ ዓለምና ትስጕመሉ ዘላ ከተማነትን ውልቃውነትን፡ ኣብ መኣዲ ዝግበር ምትእኽኻባት እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል።
እዚ ኣብ ሓደ መኣዲ ብፍላይ ምስ ስድራቤታት ምትእኽኻብ እናከየ ዝመጽአ ግን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ክስተት ከም ዘይኰነን፡ ብውሕዱ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ን100 ዓመታት ዝጸንሐ ልምዲ ምዃኑ መርተዖታት ኣይሰኣኑን።
ንምዃኑ ሓቢርካ ምብላዕ፡ ልምዲ ጥራይ ድዩ? ወይስ ልዕሊኡ ዝዓሞቐ ትርጕም ኣለዎ?
ተመራመርቲ ስነ-ህይወት፡ እቶም ከም ናይ ቀረባ ኣዝማድ ጥንታውያን ደቂ ሰባት ዝቝጸሩ - ቺምፓንዚን ቦኖቦን፡ ብሓባር ከም ዝበልዑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ብሓባር ምብላዕ፡ ቅድሚ ምምጻእ ዘመናውያን ደቂ ሰባት ከም ዝነበሩ ዘርኢ ምልክት ምዃኑ ይንገር።
ምስ ኣብ ቀረባኻ ዘሎ ሰብ ተኻፊልካ ምብላዕን ብሓባር ኮፍ ኢልካ ምምጋብን ግን ሓደ ዓይነት ከም ዘይኰነ፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ተመራማሪ ስነማሕበረሰብ ኒኮላስ ኖይማን ይገልጽ።
ደቂ ሰባት ምስ ምግቢ ብዝተሓሓዝ፡ ብዙሕ ልምድታትን ባህልን ኣማዕቢሎም እዮም።
እቲ ናይ መጀመርታ ክስተት፡ ደቂ ሰባት ኣብ ዙርያ ሓዊ ከቢቦም ከም ዝበልዑ ይእመን።
ርግጽ እዩ፡ ጥንታውያን ወለድና መዓስ ምግቢ ምብሳል ከም ዝተማህሩ ብርግጸኝነት ዝፍለጥ ኣይኰነን።
ግምታት ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እኳ እንተዀኑ፡ ገሊኦም ግን ቅድሚ 1.8 ሚልዮን ዓመታት ከም ዝተጀመረ ይገልጹ።
እዚ ድማ ደቂ ሰባት ክሃድኑ ወይ ክእከቡን ክበልዑን ከለዉ እዩ። ስለዚ፡ ሃድን ወይ ምእካብ፡ ደሓር ሓዊ ምውላዕን ምብሳልን፡ ብሓባር ምብላዕን ነዊሕን ከቢድን ዕማም ስለ ዝነበረ፡ ብጕጅለ ከም ዝገብርዎ ይሕሰብ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ተመራማሪ ስነህይወት ስነሰብ ሮቢን ዳንባር፡ ሰባት ኣብ ዙርያ መጋርያ ኮፍ ኢሎም ኣጋምሸት ብሓባር ይበልዑ ከም ዝነበሩ ይእምት።
ዳንባር፡ ኣብ ክሊ መግቢ ሓቢርካ ምጽናሕ፡ ማሕበራዊ ርክባት ንምፍጣር ወርቃዊ ዕድል ኢሉ እዩ ዝሓስብ።
ኣብ ዙርያ መኣዲ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝምልከት፡ ሓደ መጽናዕቲ፡ ብሓባር መግቢ ምክፋል ምስ ጽቡቕ ህይወት ደቂ ሰባት ኣዝዩ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ሮቢን ዳንባር፡ ኣብ 2017 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መጽናዕቲ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ሰባት ክንደይ ግዜ ምስ ካልኦት ሓቢሮም ከም ዝተመገቡ ሓቲቱ ነይሩ።
ምስ ሰባት ደጋጊምካ ምግቢ ሓቢርካ ምብላዕ፡ ምስ ዝዓበየ ዕግበት ህይወትን እምነትን ጽኑዕ ዕርክነትን ምስ ምህላው ዝተኣሳሰር እዩ ይብል።
"ሓቢርካ ምብላዕ፡ ነቲ ኣብ ሓንጎል ዝርከብ ስርዓተ ኢንዶርፊን የነቓቕሖ፣ እዚ ድማ ንዝምድና ደቂ ሰባት ይቈጻጸር። ብሓባር ምብላዕ ንውጽኢት ኢንዶርፊን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምቲ ብሓባር ምጕያይ ይውስኾ። ዝተፈላለየ ንጥፈታት ብሓባር ምግባር፡ ደረጃ ኢንዶርፊን ብኣስታት ክልተ ዕጽፊ ይውስኽ፡" ይብሉ።
ሲንቲያ ግራበርን ኒኮላ ትዊሊን ዝተባህሉ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ሓደ ፖድካስት ኣብ ሓደ እዋን፡ ብሓባር ምብላዕ ምትእምማን ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም።
ተመራማሪት ንግዲ ኣይለት ፊሽባክ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ ቃለመሕትት ዝገበረትሎም፡ ብሓባር ምብላዕ ንሓበራዊ ፡"ወፍሪ ምዕባይ" ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾሙላ።
ብሓባር ዝበልዑ ሰባት ገንዘብ ናይ ምውጻእ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ እዩ ዝእመን።
ብተወሳኺ'ውን ብሓባር ዝበልዑ ሰባት ካብቶም፡ ንበይኖም ዝበልኡ ሰባት ንላዕሊ፡ ብልዝብ ኣብ ስምምዕ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ረኺቦም።
ፊሽባክ፡ ሰባት ኣብ መግቢ ተመሳሳሊ ጣዕሚ ምህላዉ፡ ሰባት ካብቲ ሎሚ ዘለዎም ዝያዳ ናይ ሓባር ክብርታት ከም ዘለዎም ዘመልክት ክኸውን ከም ዝኽእል ትዛረብ።
ይዅን እምበር፡ ብሓባር ምብላዕ ኵሉ ግዜ እወታዊ ወይ ቀሊል ኣይኰነን።
ብፍላይ ኣብ እዋን ዓበይቲ ምትእኽኻባት፡ ሰባት ክንደይ ዝኣክል መጠን ከም ዝበልዑ ከስተውዕሉ ኣለዎም።
ኣብ ድግስ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ክርእዩዎም ወይ ኣብ ትዕዝብቲ ካልኦት ሰባት ክኣትዉ ተኽእሎ ስለ ዘሎ፡ ክንደይ ከም ዝበልዑ ክጥንቀቑ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ገለ ሰባት፡ ኣብ ናይ ብሓባር መኣዲ ፈጺሞም ዘይክበልዑ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ስድራቤት ብሓባር ምብላዕ፡ ከምቲ ዝበሃል፡ ኵሉ ግዜ ካብ ግርጭት ናጻ ኣይኰነን።
"ንሰባት እንተ ሓቲትካዮም፡ ምስ ኣዕሩኽቶምን ዝፈትውዎም ሰባትን ምብላዕ ከም ዘሐጕሶም ይዛረቡ። ሓሓንሳብ፡ ምስ ዝፈትውዎም ሰባት ምብላዕ ግን ከቢድ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ይብል ኒውማን።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዝበልዕዎ ዓይነት መግቢ ወይ ምስ ክብደቶም ስለ ዘነጻጽሩዎ እዩ፡ ክብል ኒውማን ይገልጽ።