እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውዕል ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣመሪካን ሩስያን ኣብቂዑ፡ ሓደገኛ ዘበን ዘመልክት ድዩ?
ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ውዕል ምቍጽጻር ንዩክለሳዊ ኣጽዋር፡ ሓሙስ 05 ለካቲት 2026 ከብቅዕ ብምዃኑ፡ ሓድሽ ስግኣት ኣልዒሉ ይርከብ።
እቲ ብ "ኒው ስታርት" ዝፍለጥ፡ ኣብ 2010 ዝተሓደሰ ስትራተጅያዊ ውዕል ምጕዳል ኣጽዋር፡ ሓደ ካብቶም ኣዕናዊ ንዩክለሳዊ ኲናት ንምክልኻል ዝሕግዙ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ስምምዓት እዩ።
እቲ ውዕል ነፍስወከፍ ወገን ስትራተጅያውያን ኣጽዋር ደሪቱ፣ ከምኡ'ውን ግሉጽነት፡ ምልውዋጥ መረዳእታታት፡ ምልክታታትን ምፍታሽን ክህሉ ኣኽኢሉ።
ምብቃዕ እዚ ውዕል ማለት ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ሞስኮን ዝሑል ኲናት ንምውዳእ ዝሓገዘ ምትሕብባር ምቍጽጻር ኣጽዋር የሎን ማለት እዩ።
ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ትማሊ ረቡዕ ኣመሪካን ሩስያን ነቲ ውዕል ከሐድስዎ ተማሕጺኖም፣ ህሉው ኵነታት ዓለም፡ "ሓድሽ ውድድር ኣጽዋር ንምክልኻል ዝከኣሎ ዘበለ ክግበር ጻውዒት፡" ከም ዘድሊ ገሊጾም።
እቲ ነባር ውዕል ስታርት - ኣብ 1991 ብኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ዝተኸተመ - ነፍሲወከፍ ካብተን ክልተ ፈረምቲ ሃገራት ልዕሊ 6,000 ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከይተዋፍር ዝኽልክል እዩ።
ኣብ 2010 ሩስያ ንሕብረት ሶቭየት ተኪኣ ምስ ኣመሪካ ነቲ ውዕል ኣሐዲሳቶ።
ሩስያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ወጥሪ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ነቲ ውዕል ኣቋሪጻቶ እኳ እንተ ነበረት፡ ክልተአን ሃገራት ግን ገና ነቲ ውዕል ይኽተላ ከም ዘለዋ እዩ ዝቝጸር ነይሩ።
እቲ ስምምዕ፡ ቍጽጽር ዘይብሉ ምህናጽ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝኽልክል ኰይኑ፡ እተን ዝዓበየ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ሃገራት፡ ኣብ ሓድሕደን ሃቐናታተን ብጌጋ ከይትርጐምን ግሉጽነት ዝፈጠረለንን እዩ።
ዘብቅዓሉ ዕለት ምብጽሑ ድማ ዘተሓሳስብ እዩ። ንነዊሕ ግዜ ተወጢኖም ዝተኻየዱ ሓያሎ ውዕላት ቍጽጽር ኣጽዋር ኣብ መንገዲ ክፈርሱ ተራእዮም እዮም።
ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
- ስምምዕ ማእከላይ ርሕቀት ንዩክለሳዊ ኣጽዋራት፣ ሓጺር ዝርሕቀቱ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ኤውሮጳ ከይዋፈር ዝኣገደ፣
- ዘ ኦፐን ስካይስ ትሪቲ፣ ንኣመሪካን ሩስያን ሓዊሱ፡ ፈረምቲ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ግዝኣታዊ መሬተን ሓድሕደን ብዘይዓጠቓ ናይ ዳህሳስ ነፈርቲ ንወተሃደራዊ ሓይልታት ክዕዘባ ዘኽእለን፣
- ውዕል ልሙድ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ኤውሮጳ፣ ሓይልታት ሩስያን ኔቶን ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ከዋፍርዎ ዝኽእሉ ቍጽሪ ታንክታት፡ ሰራዊትን ስርዓታት መዳፍዕን ዝግድብ፣
ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒ ብሪጣንያ ነበር ኣድሚራል ሰር ቶኒ ራዳኪን፡ እቲ ንዓለም ውሕስነት ዝህብ ዝነበረ ስርዓታትን ውጥናትን፡ "ሕጂ ፋሕ ክብል ሓደጋ ኣለዎ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ምፍራስ ናይዞም ቀንዲ ውዕላት ምቍጽጻር ኣጽዋር፡ "ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ መዳያት ናይዚ ሕጂ ዘሎ ዓለማዊ ድሕነትና፡" ክብል ገሊጹዎ ነይሩ።
ድሚትሪ መድቨደብ፡ ኣብ 2010 ነቲ ውዕል ዝፈረመ ሩስያዊ ፕረዚደንት፡ እቲ ውዕል ዘብቅዓሉ ግዜ ምእካሉ፡ "ንዅሉ ሰብ ከሰክፍ" ኣለዎ ኢሉ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ናይ ቭላድሚር ፑቲን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ውዕል እንተ ኣኽቲሙ "ብዝዕቀን ኣገባብን ሓላፍነታዊ መንገድን" ክዋስኡ ከም ዝሓስቡ ገሊጹ።
ድሕሪ ቀትሪ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ነቲ ውዕል ዝፈረሙ ኣካላት ደጊም በቲ ቐንዲ ድንጋገታት ይዅኑ ኣዋጃት ከም ዘይቅየዱን ንዝወስዱዎ ሓድሽ ሕርያ ናጻ ምዃኖም ከም ዝኣምኑን ሓቢሩ።
"ፈደረሽን ሩስያ ብሓላፍነታውን ብሚዛናዊ ኣገባብን ክሰርሕ ሓሲቡ ኣሎ፡" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ሞስኮ "ንሃገራዊ ድሕነታ ክመጽኣ ዝኽእል ተወሳኺ ሓደጋታት ንምምካት ወሳኒ ወተሃደራዊ-ቴክኒካዊ ስጕምትታት ክትወስድ ድልውቲ ኰይና ትቕጽል ኣላ፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዙሕ ስክፍታ ዘለዎ ኣይመስልን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ግዜኡ እንተ ሓሊፉ፡ ግዜኡ ይውዳእ... ዝሓሸ ስምምዕ ጥራይ ኢና ክንገብር፡" ኢሉ።
ኣመሪካ፡ ኣብ መጻኢ ዝግበር ውዕል ምቍጽጻር ኣጽዋር ነታ ንዩክለሳዊ ዓቕማ ክትሃንጽ ዝጸንሐት ቻይና'ውን ዘጠቓለለ ክኸውን ከም ዘለዎ ትኣምን።
ሩስያ ብወገና፡ ንፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን - ንሓይልታት ሕብረት ኤውሮጳ - ከጠቓልል ኣለዎ ኢላ ካብ ነዊሕ እዋን ክትምጕት ጸኒሓ እያ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ኣመሪካን ሩስያን ንዩክለሳዊ ዓቕምታተን ዘመናዊ ብምግባር ስትራተጅያዊ ብቕዓተን ኣብ ምዕባይ ይርከባ። ድሮ ሓድሽ ውድድር ኣጽዋር ይካየድ ኣሎ።
ሩስያ ኣብ ኣየር ዝካየድ ምክልኻል ንምዕባይ ሓደስቲ ኣጽዋር ከተማዕብል ጸኒሓ ኣላ።
ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን ኵለን ልዕሊ 6,437 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት ዝጓዓዝ ሃይፐርሶኒክ ሚሳይላት የማዕብላ ኣለዋ፣ ወቒዕካ ከተውድቖ ድማ ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ።
እዘን ወተሃደራዊ ዓቕመን ዘስፍሓ ዘለዋ ሃገራት፡ ኣብ ሓድሽ ውዕል ምቍጽጻር ኣጽዋር ክበጽሓ "ክጽገማ" ምዃነን እዩ ዝግለጽ።
ኣመሪካን ሩስያን ሓድሽ ውዕል ምቍጽጻር ኣጽዋር ንምፍራም ዝጓየያ ኣይመስላን።
እዚ ጉዳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ኣላስካ ምስ ትራምፕ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ኣብ ኣጀንዳ እኳ እንተ ነበረ፡ ዝተገብረ ነገር ግን የሎን።
ሓድሽ ስምምዕ ገና ይከኣል እዩ፣ ምውዳእ ግዜ ውዕል ኒው ስታርት ግን ዝያዳ ዘይርጕእን ሓደገኛን ዘመን ይመጽእ ምህላዉ ዘመልክት እዩ።