እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ሃገሩ ድሕሪ 33 ዓመታት ፈተነ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከተካይድ ኣዚዙ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ከም ሩስያን ቻይናን ማዕረ ንምስጓም ምክልኻል ሃገሩ ነቲ ዘለዎ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክፍትን ጸዊዑ።
"ካልኦት ሃገራት መደባት ፈተነ የካይዳ ስለዘለዋ፡ ሰራዊትና'ውን ነቲ ዘለና ኣጽዋር ክፍትንዎ መምርሒ ሂበዮም ኣለኹ" ኢሉ።
ትራምፕ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ቅድሚ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ምርኻቡ'ዩ፡ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣመሪካ ክፍተን መምርሒ ከምዝሃበ እዩ ብማሕበራዊ ሚድያ ገሊጹ።
ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ቻይና ክራኸብ ናብ ደቡብ ኮርያ ቅድሚ ምዕላቡ'ዩ ነቲ ጽሑፍ ለጢፍዎ።
ክልቲኦም መራሕቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 2019'ዮም ብኣካል ተራኺቦም ነይሮም።
ብደረጃ ዓለም ኣመሪካ ልዕሊ ዝዀነት ሃገር ንዩክለሳዊ ኣጽዋር እትውንን ሃገር'ያ፤ ሩስያን ቻይናን ከኣ ካልኣይትን ሳልሳይትን ኰይነን ይስዕባኣ።
ኣመሪካ ኣብ 1992 ፈተነ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ምስ ኣካየደት ንዝሓለፈ 33 ዓመታት ዝዀነ ፈተነ ኣየካየደትን።
ሩስያ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ንኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ዝጒዓዝ ኑክለሳዊ ሚሳኤል ፈቲና ከም ዝነበረት ዝፍለጥ።
ትራምፕ ነቲ ሩስያ ዘካየደቶ ፈተነ ደሕሪ ምዅናን'ዩ ሃገሩ'ውን ነቲ ዘለዋ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትፍትኖ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ብረቡዕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር "ኣዝዩ ኣዕናዊ" ምዃኑ ብምእማን፡ እንተዀነ ነቲ ኣመሪካ ትውንኖ ኣጽዋር ብዘይካ "ምፍታንን ምሕዳስን" ካልእ ኣማራጺ ከምዘየለ ኣብሪሁ።
ኣብ ጽሑፉ ትራምፕ፡ እቲ ፈተነ ብኸመይ ከምዝካየድ'ኳ እንተዘየነጸረ፡ እቲ መስርሕ ግን "ብቕጽበት ከምዝጅመር" ገሊጹ።
እዚ ኣንጻር ናይቲ ኣመሪካ ካብ ነዊሕ ኣትሒዛ ክትክተሎ ዝጸንሓት ፖሊስ'ዩ።
ኣመሪካ፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 1992 ፕረዚደንት ዳብሊው ቡሽ ኣብ ስልጣን እንከሎ፡ ብኣጋጣሚ መኸተምታ ዝሑል ኲናት'ያ ፈተነ ንዩክለር ኣካይዳ ነይራ።
እዚ ብ23 መሰከረም 1992 ዝተኻየደ ፈተነ፡ ኣብ ምዕራብ ኔቫዳ ኣብ ትሕቲ መሬት እዩ ተኻይዱ።
ብመሰረት ካብቲ ኣመሪካ ናይ መጀመርታ ኣቶማዊ ኣጽዋር ክትሰርሕ ዝሓገዛ ትካል 'ሎስ ኣላሞስ ናሽናል ላባራቶሪ' ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቲ 'ዲቫይደር' ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ፈተነ፡ ኣመሪካ ንመበል 1054 ዘካየደቶ'ዩ ነይሩ።
እቲ ቦታ ካብ ላስ ቬጋስ ንሸነኽ ሰሜን 105 ኪሎሜተር ራሕቒ ዘለዎ ኰይኑ፤ ክሳብ ሕጂ ብመንግስቲ ፍሉይ ሓለዋ'ዩ ዝካየደሉ።
ሕጂ'ውን እቲ ፈተነ ኣብቲ ቦታ ክካየድ ከምዝኽእል ዝተፈላለየ ገምጋም ክኢላታት ይስማዕ ኣሎ።