እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ህወሓትን ወያናይ ደሞክራስን ከኽትሙ ድዮም?
ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት "ብፍሉይ ኵነታት" ከም ሰልፊ ዳግማይ ተመዝጊቡ'ኳ እንተ ነበረ፡ 'ግብኡ ክፍፅም' ስለ ዘይከኣለ ብምባል ካብ 5 ግንቦት 2017 [13 ግንቦት 2025] ጀሚሩ ካብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ከም ዝተሰረዘ ኣፍሊጡ ኣሎ።
'እዚ ኵነታት ናበይ ኰን የምርሕ ይኸውን?' ዝብል ከኣ እና'ዘራረበ ይርከብ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ብኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ድማ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውድብ ሒዙ ከም ዝቕልቀል ክግለፅ ፀኒሑ ኣሎ።
እቲ ኣብ መስርሕ ምዝገባ ዝርከብ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ 'ሊበራላዊ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ትግራይ ' ብዝብል ኣማራጺ ሽም ዝመፅእ ዘሎ ኰይኑ፡ ህወሓት ንምትካእ ዝዓለመ ይመስል።
እዚ ድማ እቲ ትግራይ ንኣስታት 40 ዓመታት ክትምርሓሉ ዝፀንሐት፡ ስነሓሳብ 'ወያናይ ደሞክራሲ' ክትክእ እዩ ዘማዕዱ ዘሎ።
ሊበራላዊ ደሞክራሲ ከም ስነሓሳብ፡ ኣብ ዓውደ-ቝጠባ መንግስቲ ዘይቈፃፀሮ ነፃ ዕዳጋ ንግዲ የሰጕም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ፖለቲካል ሳይንስን ስትራተጅያዊ መጽፅናትን ዝምህር ሰይፈ ሃይሉ፡ እቲ 'ሊበራል ደሞክራሲ' ብዝብል ዝፅዋዕ ስርዓት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ከምዚ ይብል፤
"ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ካብ ስርዓት ናብ ስርዓት ዘሎ ናይ ኣተረጓጉማን ኣተገባብራን ኣፈላላይ ከም ዘሎ ኰይኑ፡ ሊበራሊዝም ማለት ጥቕልል ብዝበለ መልክዑ፡ 'ነፃነት/ሓርነት'፡ ብፍላይ ናይ ውልቀ ነፃነት፡ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ-ኢኮኖሚ ስርዓት ቀንዲ ረቋሒኡ እዩ።"
እቲ ስነሓሳብ ኣብ ትግራይ ተግባራዊ ንምግባር ቀሊል ከም ዘይኰነ ይኣምን። ከምኡ ዓይነት ስርዓት እተሰጕም ሃገር፡ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘተኣናእግድን ደሞክራስያዊ መረፃን ስዒሩ ብዝመፅእ ውድብ መንግስቲ ዝቐውም ኰይኑ፡ ብኣመሪካ ዝምራሕ ምዕራባዊ ዓለም ዝድገፉ ክብርታት ዘተኣናግድ እዩ።
እቲ ኣንፃር ናይቲ ኣተሓሳስባ ኣብ ምብራቕ ዓለምን (ከም ሩስያን ብኸፊል ድማ ኣብ ቻይና) ዝኣመሰላ ሃገራት ዝምራሓሉ ስነሓሳብ ማሕበርነት (ዴስነት) ኰይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምልካዊ ስርዓት ፈጢሩ ይርከብ።
እቶም ኣብ በረኻታት ትግራይን ኤርትራን ኣንፃር ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቓለሱ ክልቲኦም ውድባት፡ በዚ ፀጋማዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝምርሑ ብ'ምልካውነት' ክፅርሑ ይስምዑ እዮም።
ኢህወዴግ/ህወሓት ብውሱን መልክዑ፡ ካብቲ ካብ በረኻ ሒዝዎ ዝመፅአ ስነሓሳብ ፍንትት ብምባል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብተዛማዲ ደሓን ዝዀነ ነፃነት ከተኣናግድ ፀኒሑ'ዩ።
ብምዃኑ'ውን ድሕሪ ውድቀት ደርግ፡ ሓውሲ ነፃ ዕዳጋ ዘሰጕም 'ልምዓታዊ መንግስቲ' ኣዊጁ፡ ሓሙሽተ ዙርያ ሃገራዊ መረፃታት ከም ዝካየድ ገይሩ።
ከም መጠን ሃገር ከምኡ እንተ ኣሰጐመ'ኳ፡ ውሽጣዊ ውድባዊ ባህርያት ህወሓት ግን፡ ካብቲ ምልካውን ሰውራውን ኣተሓሳስባ ወያናይ ደሞክራሲ ኣይወፅአን ተባሂሉ ክንቀፍ ይስማዕ እዩ።
እቲ ናብ ፀጋማይ ኣተሓሳስባ ዝዘንበለ ርእየተዓለም - ወያናይ ደሞክራሲ - ብፍላይ ኣብታ ክልል ነፃ ኣተሓሳስባ ከይሰፍን ማሕለኻ ኰይኑ፡ ካብ ኣባላቱ ሓሊፉ ከም ማሕበረሰብ ቈሪንካ ንምቍፅፃር ኣብ ግበሪ ውዒሉ ተባሂሉ ብሰፊሑ ይንቀፍ።
ኣገደስቲ ጉዳያት ትግራይ
መምህር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ሰይፈ ሃይሉ፡ 'ሊበራሊዝም' ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ዓለምና ናይ ኣካዳምን ፍልስፍናን ስራሕቲ ንምስራሕ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናይ ሓደ ዓድን ህዝብን ጭቡጥ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ድሕነታዊ ጸገማት ንምፍታሽ፡ ንምትንታንን መፍትሒታት ንምንዳይን እትጥቀመሉ ዘላ ርዕዮተዓለም ወይ ስነሓሳብ ኣይኰነን ይብል።
እንተዀነ፡ ንእሽቶ መልክዑ ቀይሩ፡ ኣብ ከይዲ 'ኒዮሊብራሊዝም (Neo-liberalism)' ዝበሃል ርዕዮተዓለም ብመንግስታትን ኩባንያታትን ሓያላን ሃገራት፡ ዓበይቲ ዓለማዊ ትካላት፡ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ዓለማዊ ውድባትን ባንክን ዝድገፍ ዘሎ ብሕታዊ ርዕዮተዓለም ወይ ናይ ፖሊሲ ስነሓሳብ ኰይኑ ኣሎ።
ስለዚ ይብል ሰይፈ፡ "ሕዚ ኣብ ዓለም ናይ ርዕዮተዓለም ኣማራጺታትን ንሕንሕን ዳርጋ የሎን።"
"እቲ ኣብ ዓለም ብተግባር ብዓብላልነት ኣብ ስራሕ ዘሎ 'ኒዮሊብራሊዝም' ድማ ንዘይማዕበላ ዓዲታት ኣፍሪሱወንስ ነተን ዝማዕበላ ድማ ከፍርሰን ይፈታተነን ኣሎ። መብዛሕትአን ዓድታት ናይ ርእዮተዓለም ወይ ናይ ፖሊሲ ነፃነት ካብ ዝስእና ነዊሕ ገይረን ኣለዋ።"
ብተወሳኺ፡ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ናይ ርእዮተዓለማዊ ንሕንሕ ዘይኰነስ ናይ ልዕለ-ሓያላን ሃገራት ዞባዊ ወይ ሃገራዊ መሻርኽቶምን ናይ ረብሓ ምውጣጥ ከም ዘሎ እዩ ዝገልፅ።
ኣብ ትግራይ ድማ ንሊበራላውነት ወይ ንኻልእ ኣማራፂ ርእዮተዓለም ማሕበረ-ቍጠባዊ ባይታን ልሂቅ ትካል ብተግባር እናተሃነፀ ከም ዘይመፅአን እዩ ዝኣምን።
ብተወሳኺ ንሱ ከም ዝብሎ፡ ትግራይ ካብቲ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ጕድኣት ኲናት መሊኣ ሓውያ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ርእሳ ኣቕኒዓ ብዛዕባ ኣማራፂ ርእዮተዓለም ምሕሳብን ምትግባርን ንኽትጅምር ምናልባት ሓደ ወይ ክልተ ዓሰርተ ዓመት ከድልያ ይኽእል እዩ።
"ፖለቲካዊ ፍልስፍናኡ ብዘይገድስ፡ ሕቶ ግዝኣታዊ ሓድነት፡ ሕቶ ተመዛበልትን ስደተኛታትን፡ ሕቶ ውሑስ ድሕነትን ህዝብን ዓድን፡ ሕቶ ስግግር ናብ ስሩዕ መንግስቲ፡ ሕቶ መጻኢ ፖለቲካውን ሕጋውን ርክብ ትግራይን ኢትዮጽያን፡ ሕቶ ተሓታትነትን ፍትሕን ገበናት ኲናት ትግራይ ወዘተ ዝምልስ መጠነኛ ፕሮግራም ሒዙ ንመጻኢ መረፃ ዝዳሎ እንተዀይኑ እዩ ባይታ ዝረገፀ ዝኸውንን ከም ቅውምነገር እውን ክርአ ዝኽእልን፡" ዝብል ርእይቶ ኣንፀባሪቑ።
ሰይፈ፡ "ትግራይ ዘለውዋ ኣፃደፍቲ ናይ ህልውና ሕቶታት ኣብ ምምላስ ግደ ርእዮተዓለም ዳርጋ ዜሮ ከም ዝዀነ ምርድዳእን ምስምማዕን ከድሊ እዩ፡" ኢሉ።
ሓድሽ ኵነት ኣብ ትግራይ
ብ1967 ኣብ በረኻታት ደደቢት ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፡ ብቐፃሊ ክመቓቐል ዝፀንሐ ውድብ ህወሓት፡ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ዘጋጠሞ ኵነታት ግን ፍልይ ዝበለ ውፅኢት ዘስዓበሉ ይመስል።
ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ከም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ብተዛማዲ ዝሓሸ ሓሳብካ ብነፃነት ናብ ምግላፅ ባይታ ኣስፊሑ ተባሂሉ ይግለጽ እዩ።
ካብ 02 መጋቢት ጀሚሩ ድማ ምስ ምምሕዳሩ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ይርከብ።
እቲ ምስቲ ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍልጦ ክከላላእ ዝፀንሐ ነባር-ኣመራርሓ (ሃርድኮር) ኣብ መወዳእታ ብዕጡቓት ተደጊፉ ናብ ስልጣን ዝተመልሰ እኳ እንተ መሰለ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ ሕጋዊ ሰብነቱ ክስረዝ ምግባሩ እቲ ርክቦም ናበይ ከም ዘምርሕ ገና ቀፂሉ ዝረአ እዩ።
እቲ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ተሰይሙ ዘሎ ኣቶ ጌታቸው ግን ኣብ ትግራይ ጀሚረዮ ዝብሎ ለውጢ ብዅሉ ዓቕሙ ከም ዝቕፅሎን ነቲ 'ናይ ገበናት ኢመፓየር' ዝበሎ ጕጅለ ንምፍራስ ከም ዝቃለስ ብፍላይ ንተለቪዥን ፋና ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት ተዛሪቡ ኣሎ።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየሉ መንገዲ ዝነቕፉ ገለ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ 'መንግስቲ' ብዕጥቃዊ ቃልሲ ከይተረፈ ናብ ቦትኡ ክመልሱ ምዃኖም ዝሕብር ጽንጽንታ ኣሎ።
ኣዛዚ እዚ ምዕራብ ሓይልታት ትግራይ፡ ሜ/ጀነራል ምግበይ ሃይለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መድረኽ ተረኺቡ፡ "እዚ ሓራ መሬት'ባ ገለባ ዝበሃል እንታይ እዩ? ንትግራይ ከምዚ ዓይነት ከፋፋሊ ኣጀንዳ ኣየድልያን፡" ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።
ንሱ፡ ካብቶም ብኣቶ ጌታቸው ዝመሓደር ግዝያዊ ምምሕዳር ክተዓራረ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ዝነበሮም፣ ጌታቸው ብሓይሊ ማሕተም ኣሕዲጐም ክብል ዝኸሰሶም ሰባት ሓደ እዩ።
ዘይተገማቲ ኵነታት
ኣብ ዝስዕብ፡ ክልተ ትዅረት ዝስሕቡ ጉዳያት ዘለዉ ይመስሉ።
ካብ ህወሓት ተፈንጪሎም ዝወፅኡ ሰባት፡ ብሊበራላዊ ስነሓሳብ ዝምራሕ ሓድሽ ውድብ ምምስራቶም፡ ካብ ወያናይ ደሞክራሲ ርሒቕካ ምኻድ ከም ዘሎ ብንጹር ዘመልክት ይመስል።
ንኣቶ ጌታቸው ሓዊሱ እቲ ንዘበናት ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኰይኖም፡ 'ነጭ-ሊበራሊዝም' ብዝብል ብትሪ ክነቕፉ ዝፀንሑ ሰባት ናይ ብሓቂ ተለዊጦም ድዮም ዝብል ጥርጣረታት ግን ብዙሓት ዘልዕሉዎ እዩ።
ካልኣይ ድማ ንህወሓት ካብ ዝርዝር ሕጋዊ ውድባት ኢትዮጵያ ከም ዝተሰረዘ ይግለፅ ኣሎ።
ህወሓት ኰነ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ መግለፂ ኣይሃብሉን ዘለዉ።
እዝን ካልእን ኵነታት፡ ኣብ ትግራይ እንታይ ዓይነት ሃጓፍ ከም ዝፍጠርን ምስ ማእከላይ መንግስቲ እንታይ ዓይነት ርክብ ከም ዘስዕብን ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።