እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህወሓት ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኢትዮጵያ ተሰሪዙ
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ሰልፊታት እታ ሃገር ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ።
እቲ ቦርድ ሎሚ ብወግዓዊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብጽሑፍ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ልዕሊ 50 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ውድብ ህወሓት ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት፡ ብፍሉይ ከም ሰልፊ ብምምዝጋብ "ዝተዋህቦ ግቡእ" ኣይፈጸመን ብምባል እቲ ሰልፊ ክስረዝ ከም ዝወሰነ ጠቒሱ።
ምጅማር ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ 'ኣብ ጐነጻዊ ምንቅስቓስ ተሳቲፉ' ብዝብል ካብ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ተሰሪዙ ዝጸንሐ ህወሓት፡ ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ ነሓሰ 2016 ዓ.ም (ግእዝ) ዳግም ከም ሕጋዊ ሰልፊ ተመዝጊቡ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ብፍሉይ ኵነታት ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ እቲ ኮሚሽን ነቲ ሰልፊ ከም ብሓድሽ ከም ዝመዝገቦ ብምግላጽ፡ ነቲ ብህወሓት ቀሪቡ ዝነበረ 'ዝጸንሐ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለስ' ዝጠልብ ሕቶ ከም ዘይተቐበሎ ይዝከር።
ህወሓት'ዉን ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሰልፊ ቅድሚ ሕጂ በቲ ቦርድ ዝተዋህቦ ሕጋዊ ሰብነት ከም ዘይተቐበሎ ብምግላጽ "ነባር ሕጋዊ ናይ ኣፍልጦ ሰርተፊኬት እንከይተመልሰ ሰሪዘ'የ ማለት ትጕም የብሉን" ኢሉ ነይሩ።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ዳግማይ ሕጋውነቱ ክምለሰሉ ሕቶ ከቕርብን ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝርርባት ከካይድን ምጽንሑ ይፍለጥ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብ4 ሰነ 2024 "ካብ ሕጋውን ሰላማዊን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወጻኢ"ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ዳግም ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምዝጋብ ዘኽእል ድንጋገ ዝሓዘ መመሓየሺ ኣዋጅ ከም ዝጸደቐ ይዝከር።
እዚ ምምሕያሽ፡ ንውድብ ህወሓት ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ግጭት ክሳተፉ ዝጸንሑ ሓይልታት ዳግም ንኽምዝገቡ ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ዝዓለመ እዩ።
ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ቈይሙ ተዛማዲ ሰላም'ኳ እንተሰፈነ፡ ፈራሚ እቲ ስምምዕ ዝዀነ ህወሓት፡ ሕጋውነቱ መሊሱ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ከዘራርብ ጸኒሑ ኣሎ።
እንካን ሃባን ቦርድ መረጻን ህወሓትን
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ብ2013 ዓ.ም [ኣ.ግ] ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር "ኣብ ተግባር ዓመጽ ተዋፊሩ" ብዝብል ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ተሰሪዙ ንብረቱ ክውረስ ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር።
ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክገብርን ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድን ድማ፡ ካብቲ ቦርድ ተኸታተልቲ ደብዳበታት ከም ዝተጻሕፈሉ ይፍለጥ።
እቲ ብፍሉይ ብኢድ-ኣእታውነት ሚኒስተር ፍትሒ፡ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ውሳነ መንግስቲ ፌዴራል መሊሱ ሕጋዊ ኰይኑ ዝተመዝገበ ውድብ፡ ከም ሓድሽ ሰልፊ ዘይኰነስ፡ 'ነባር ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ' ብምሕታት ኣብ መጀመርታ ነቲ ምዝገባ ኣይተቐበሎን ነይሩ።
እንተዀነ፡ ነቲ ምዝገባ ብወግዒ'ኳ እንተዘይተቐበሎ፡ እቲ ብዶ/ር ደብፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ፍንጫል ህወሓት፡ ብ13 ነሓሰ 2017 ዓ.ም [ግእዝ] ብናይ ባዕሉ ሓፈሻዊ ኮሚሽን ቁጽጽር ኰነ ብቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዘይረኸበ ጠቕላለ ጉባኤ ኣካይዱ'ዩ።
ኣፍልጦ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝሰኣነ ጉባኤ ህወሓት፡ ነቶም ንዓርሶም ዘግለሉ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ኣባላት ማእከለይ ኮሚቴ ካብ ኣባልነት ብምእጋድ'ዉን ሓደስቲ መራሕቲ መሪጹ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ግን፡ እቲ ብደብረጽዮን ዝምራሕ ወገን ህወሓት ዘካየዶ "መበል 14 ጉባኤ" ሕጋዊነት ዘይብሉ ምዃኑ ብምግላፅ፡ ዝተዋህቦ ናይ ሽድሽተ ወርሒ ግዜ ገደብ ከይሓለፈ እንከሎ፡ ሕጋዊ ጉባኤ ከካይድ እቲ ቦርድ ብ17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ቀጺሉ፡ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ "ኣራሚ ስጕምቲ" እንተ ዘይወሲዱ፡ እቲ ቦርድ ምዝገባ እቲ ውድብ ንሓዋሩ ክስርዝ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ጸኒሑ'ዩ።
እቲ ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው ተሸሚሙ ዘሎ ህወሓት፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣፍልጦ ዘለዎ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድ ብዘይምኽኣሉ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2025 ዓ.ም [ኣ.ኤ] 'ሕጋዊ ጥሕሰት ፈጺሙ' ብዝብል ንሰለስተ ወርሒ ዝዀነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከይገብር በቲ ቦርድ ከም ዝተኣገደ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን፡ እቲ ቦርድ፡ እቲ ውድብ ብፍሉይ ኵነታት ካብ ዝምዝገብ ኣትሒዙ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎን ጠቕላላ ጉባኤ ከካየድ ዝተዋህቦ ተደጋጋሚ መተሓሳስብን መጠንቀቕታን ዕሽሽ ብምባል ሽድሽተ ወርሒ ሓሊፉዎ'ዩ ኢሉ ነይሩ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ህወሓት "ብፍሉይ ኵነታት" ከም ሰልፊ ተመዝጊቡ'ኳ እንተነበረ፡ ነዚ ስዒቡ ከፈጽሞም ዝግባእ ትእዛዛት ብዘይምኽባር ዝተዋህቦ ግቡእ ኣይፈጸመን ይብል።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ እቲ ሰልፊ ሕጋውነቱ ንምርግጋጽ ብምስምማዕ "ዝተቐበሎን መረጋገጺ ሕጋዊ ሰብነትን ኣይፈልጥን፡ ሕጋዊ ሰብነተይ በዚ መገዲ ኣይረጋገጽን፡" ብምባል ግቡኡ ክፍጽም ኣይክኣለን ኢሉ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ካብ 5 ግንቦት 2017 ዓ.ም [13 ግንቦት 2025] ካብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክስረዝ ከም ዝወሰነ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
በዚ መሰረት፡ እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓን እቲ ሰልፊን ንክፍጸም እቲ ቦርድ ከም ዝወሰነ ገሊጹ።
ህወሓት ነዚ ውሳነ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ መልሲ የለን።
ቅድም ኢሉ ኣብ ዘውጽኦም መግለጺታት ግን፡ ነቲ ውሳነ "ሕጋዊ ኰነ ፖለቲካዊ ቅቡልነት የብሉን" ክብል ነቲ ቦርድ ዝነቐፈ ኰይኑ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ሰላም ዝዕንቅፍ'ዩ ክብል ጸኒሑ'ዩ።
ከም ሓድሽ ውድብ ምምዝጋብ ዝብል ቀደሙ'ውን ዘይሓተቶን ዘይተቐበሎን ከም ዝነበረ ዘዘኻኸረ መግለጺ እቲ ውድብ፡ "ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሰረዞ ኣይሰረዞ ካብ መፈለምትኡ እውን ሕጋዊ ቅቡልነት ስለ ዘይነበሮ፡ ትርጕም ሕጊ ዘለዎ ኣይኰነን፡" ክብል ነቲ መጠንቀቕታታት ምስራዝ ነጺጕዎ'ዩ።
ኣብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ብጽሑፍ ዝዘርግሖ መግለጺ'ዉን፡ እቲ ሰልፊ ካብ ወርሒ ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣትሒዙ ከም ዝተሰረዘ ይጠቅስ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ቦርድ መረጻ ምናልባት "ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ.ም ሂበኵም ዝብሎ ዘሎ ሰርተፊኬት ሰሪዘ ይብል ይህሉ። እቲ ነባር ሕጋዊ ሰርተፊኬት ኣፍልጦ ከይተመልሰ እንከሎ ሰሪዘኵም'የ ምባል ትርጕም የብሉን። ስለ ዝዀነ ድማ ቦርድ መረጻ ብመሰረት ዘቕረብናዮ ጠለብን መሰልና ዝዀነ ኣፍልጦን ምስ ዝህበና ጥራይ'ዩ ከመሓድረና ዝኽእል፡" ኢሉ።
ጕዳይ ምምላስ ሕጋዊ ሰብነት ብዝርርብ ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ፈደራል ጻዕሪ ክገብር ምጽንሑ ሰብ መዚ እቲ ሰልፊ ክዛረቡ ጸኒሖም'ዮም።
"እዚ ኣብ ዝግበረሉን ምንም ዓይነት ሕጋዊ ርክብ ኣብ ዘይተመስረተሉን ኵነታት፡ ቦርድ መረጻ ኣብ ጉዳይ ህወሓት ኢዱ ንምእታው ዝኸዶ ዘሎ ርሕቀት ሕጋዊ ከም ዘይኰነን ንሃገርን ህዝብን ከም ዘይጠቅምን ህወሓት ግልጺ ይገብር፡" ክብል እውን ቅድም ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቒፉ ነይሩ።
ውሳነ ናይቲ ቦርድ ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ዝነበረ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለመሕትት ኣብ ልዕሊ ህወሓት ተሪር ነቐፌታ ድሕሪ ምቕራቡ'ዩ ተወሲዱ ዘሎ።
እቲ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ሚኒስተር ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጕዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዝተሸመ ጌታቸው፡ ኣብ ትግራይ ንህወሓት ንምቅላስን ፖለቲካዊ ኣማራጺታት ንምምጻእን ሓድሽ ፖለቲካዊ ውዳበ ሒዙ ይቐላቐል ከም ዘሎ ይፍለጥ።