ትግራይ፡ ጌታቸው ረዳ ዘቕረቦም ኣርባዕተ ክሲታት

ብህወሓት ዝምእዘን ቀንዲ መሪሕነት ትግራይ፡ ብሰንኪ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ክልተ ካብ ዝግማዕ ንደሓር፡ ንሓድሕዱ ኣብ ተዃሳሒ መድረኽ ተጸሚዱ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ህወሓት፡ ኣብ ነሓሰ 2024 መበል 14 ጕባኤ ኣብ ዘካይደሉ እዋን፡ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ እቲ ውድብ ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ካብቲ ጕባኤ ኣግሊሎም፣ እቲ ውድብ ድማ ካብ ኣባልነት ኣጊዱዎም'ዩ።

ጸኒሑ ድማ፡ ሰልፊ ህወሓት እቲ ፕረዚደንት ዝተዋህቦ ልኡኽ ከፈጽም ከም ዘይክኣለ ብምግላጽ ብኻልእ ሕጹይ እቲ ሰልፊ ክትካእ ኣለዎ ዝብል ጐስጓስ ከካይድ ጀሚሩ።

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ክመርሕ ዝጸንሐ ጌታቸው፡ ብ8 ሚያዝያ 2025 ብወግዒ ካብ ስልጣኑ'ኳ እንተተልዓለ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሰንኪ'ቲ ኣብ መንጐ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምክፍፋል ነቶም ከፈጽሞም ዝተዋሃቡዎ ዓበይቲ ዕማማት ብዝግባእ ከዐውት ብዘይምኽኣሉ ይንቀፍ።

ካብኡ ንድሓር ክህቦም ኣብ ዝጸንሐ ቃለ መጠይቓት ድማ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ትግራይ ይፍጸሙ ኣለዉ ብዝብል ብሰፊሑ ክዝረበሎም ዝጸንሐ ጕዳያት ዘይሕጋዊ ዕደናን ንግዲን ወርቂ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ምጥፍፋእ ብዲያስፖራ ትግራይ ዝተኣከበ ገንዘብን ካልኦትን ተደጋጋሚ ክሲታት ከቕርብ ተሰሚዑ።

ንሱ፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ሚኒስተር ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጕዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ከም ዝተሸመ ይፍለጥ።

ኣብ ትግራይ ድማ፡ ንህወሓት ንምቅላስን ፖለቲካዊ ኣማራጺታት ንምምጻእን ሓድሽ ፖለቲካዊ ውዳበ ሒዙ ይቐላቐል ከም ዘሎ ገሊጹ።

ንምዃኑ ብዛዕባ እቶም ዝቐርቡ ዘለው ክሲታት እንታይ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣሎ?

ዘይሕጋዊ ንግዲን ዕደናን ወርቂ

ብሕጋውን ዘይሕጋዊን መገዲ ዝካየድ ዘሎ ዕደናን ንግዲን ወርቂ፡ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ዓመታት ሰፊሕ ክትዓት ፈጢሩ ካብ ዝጸንሐ ጕዳያት ሓደ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2024፡ ኣብቲ ዓመት እቲ ካብ ዝተኻየደ ዕደና፡ ናብ ካዝና መንግስቲ ዝኣተወ ገንዘብ ዘይምህላው ሰብ መዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ እዋኑ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብዚ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት፡ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ትግራይ ዝርከቡ ውልቀሰባት፡ ሓለፍቲ ጸጥታ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ስቪላዊ ምምሕዳር ፖለቲካ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰብመዚ ከም ዝሳተፍሉ ይእመን።

ኣብቲ ዕደና ዝውዕሉ ኬሚካላት'ዉን ልዑል ስክፍታ ድሕነትን ጥዕናን ነበርቲ ወረዳታት ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ማእከልን ኰይኖም ምጽንሖም ይፍለጥ።

ሕጂ ኣቶ ጌታቸው፡ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ብሽም ዝረቝሖም ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ዝርከቡዎም ውልቀሰባት'ኳ እንተኣቕረበ፡ መራሕቲ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እዚ ክሲ እንከቕርቡ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።

ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ምኽትል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ሴክረታሪያት ካቢኔ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለየ ገበናት ዝተዋፈሩ ውልቀሰባት ምህላዎም ተኣሚኑ፤ ሕጋዊ ስጕምቲ ድማ ክውሰድ ጀሚሩ'ዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

እዞም ዘይሕጋዊ ገበናት ዝተባህሉ ድማ፡ መቐለ ማእከሉ ዝገበረ ስርቂ 'ሓጺነ-መጺን'፡ ዘይሕጋዊ ውራ መሬት፡ ዕደና፡ ኮንትሮባንድን ምስግጋር ሰባትን ኰይኖም፡ ነዚ ንምምካት ዝተፈላለያ ሓይሊ ዕማማት ብምቛም ተሓታትነት ክዓስል ክግበር እዩ ምባሉ ይዝከር።

ህዝቢ እቲ ክልል፡ ብፍላይ ኣብ ድሕሪ ኲናት ክካየድ ዝጸንሐ 'ውራ መሬት'፣ ዘይሕጋዊን ዘይተኣደነን ዕደና፡ ጭውያን ዓመጽን ካብቶም ከማርረሎም ዝጸንሐ ቀንዲ ጸጥታዊ ጸገማት ምዃኖም ይፍለጥ።

እቲ ጀነራል፡ ኣብቲ ኣብ ሓምለ 2024 ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለጺ፡ "ክሳብ ሕጂ ብጥርጣረ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ኣለዉ" እኳ እንተበለ፡ ገበነኛታት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ግን ድሕሪ ዝግበር ምጽራይ ዝውሰን ምዃኑ ኣነጺሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ይዅን ኣብ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ግደ ዝጸንሖ ሰልፊ ህወሓት ዘጋጠሞ ውሽጣዊ ምምቕቓልን ኣካታዒ ጕባኤን፡ ኣብቲ ክልል ልዑል ወጥሪ ዓሲሉ ዝነበረ ኰይኑ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ይወስዶም ኣለኹ ዝበሎም 'ሕጋዊ ስጕምቲታት'፡ ምስቲ ሰፊኑ ዘሎ ምክፍፋል ብምትሕሓዝ ገለ ተዓዘብቲ ብጥርጣረ ከም ዝርእዩዎ ይግለጽ ነይሩ።

ኣብ ግዜኡ፡ እቲ ጀነራል ብሓፈሻ እቲ ስጕምቲ፡ ዝዀነ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ከም ዘይብሉን ንዝተወሰኑ ሰባት ይዅን ጕጅለ ንምጥቃዕ ዝዓለመ ከም ዘይኰነን ኣመልኪቱ ከም ዝነበረ ይዝከር።

እንተዀነ፡ ኣብቲ እዋን ዝርዝር 'ስጕምቲ ተወሲዱዎም' ዝተባህሉ ውልቀሰባት ኰነ መጠን ካብ ግቡእ ምሕደራ ወጻእ ዝዀነ ወርቂ ዝምልከት ብወግዒ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝርከቦም መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ታሕሳስ 2024፡ ኣብ ዙርያ ምትካእ መሪሕነት ጌታቸው ረዳ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን፡ እዚ ጕዳይ ተላዒሉ ከም ዝነበረ እውን ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ምሕደራ ዘይሕጋዊ ዕደና ዝምልከት "ኣብ ትግራይ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፡ ንህዝብን ሃገርን ብዝጠቅም መገዲ፡" ክመሓደር ኣንፈት ከም ዝተዋህበ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ዝነበረ ላዕለዋይ በዓል መዚ መንግስቲ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ገሊጹ'ዩ።

ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት

ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ንማዕከን ዜና ኤፍቢሲ ዝሃቦ ብክልተ ክፋል ዝቐረበ ቃለ መጠይቕ ዘልዓሎ ካልእ ክሲ፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋርን ሰባት ጅሆ እናሓዝካ ዝሕተት ክፍሊት ገንዘብን'ዩ።

እዚ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ዝተኻየደሉ ክልተ ዓመታት ሰራዊት ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ማእከላይ መንግስቲ ንዝተሰለፉ ሰራዊት ኤርትራ ንምፍራስ ብዝብል ፖለቲካዊ ውሳነ ህወሓት ስዒቡ ዝመጽአ እኳ እንተዀነ፡ ሰባት ጅሆ ብምሓዝ "ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ሽሕ ዶላር፡" እናኽፈሉ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝፍጽሙ ውልቀሰባት ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

እዚ፡ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ'ዉን ዝወርድ ዘሎ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብ ትግራይ ክንዮ እቲ ድሕሪ ኲናት ዝስዓበ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላው፡ ተግባራት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብሰፊሑ ይፍጸሙ ምህላዎም፡ ቢቢሲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ግዳያትን ስድራ ግዳያትን ብምዝርራብ ዝኣከቦም ጸብጻባት የረድኡ።

ብተወሳኺ፡ ብዝተወደበ መልክዑ ዝግለጽ ዓቐኑ ዝሓለፎ ስርቂ፡ መጭወይቲን ክትራንን ከም ዘሎ ምምሕዳር እቲ ክልል ተኣሚኑ ጸኒሑ'ዩ።

ቢቢሲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘዘራረቦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብወገኖም፡ ናብ ትግራይ ኣብ ዝሰግርሉ እዋን ካብ ጓሶት ጀሚሩ "ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘብጻሓኩም ሰብ ክንረኽበልኵም ኢና፡" ብምባል ክሳብ ኣርባዕተ ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ ከም ዝሕተቱ ይገልጹ።

ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛታት፡ ሓደ ሰምሳሪ ኣብ ከባቢ እንትጮ ኣብ ዝርከብ ትሕቲ መሬት ናይ እኽሊ መኻዚኖ ምስ ዝተዓጽው ስደተኛታት ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ "ኣብኡ ምስ ኣእተወና ናብ ስድራኹም ደዊልኩም 400ሽሕ ብር ወይ 4ሽሕ ዶላር ክኸፍሉልኩም ደውሉሎም። መንቀሳቐሲ ወረቐት ኣዳሊናልኩም ኢና ኢሉና፡" ብምባል እቲ ዝተሓተቶ ገንዘብ ከፊሉ ከም ዝወጽአ ተዛሪቡ።

ስድራ ካልእ ሃኒባል ዝተባህለ መንእሰይ [ድሓር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋን ግፋ ዝተቐትለ]፡ ዝርከቦም ኣርባዕተ ስደተኛታት'ዉን፡ ነፍሲ ወከፎም ሰለስተ ሽሕ ዶላር ከፊሎም ካብ ትግራይ ከም ዘውጽኡዎ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም እዮም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ወርሒ ሰነ፡ ኤርትራውያን እናጨወዩ ገንዘብ ዝቕበሉ ከም ዘለውን እዚ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ እቲ ክልል'ውን ክፍጸም ከም ዝጀመረን ተዛሪቡ ነይሩ።

እዚ ድማ፡ "ኣካላት መንግስቲ ኢና ብዝብል ጉልባብ ዝፍጸም፡" ዘሎ'ዩ ብምባል፡ ብመሰረት ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ መንግስቲ ዘይፈልጦም ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ዘለው ኣብቲ ብ2023 ንጸጥታዊ ኵነታት ትግራይ ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣመልኪቱ ነይሩ።

እቲ ኣብ ጸጥታ ዝርአ ዘሎ ጸገም ፖለቲካዊ ሕመቕ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ኣቶ ጌታቸው፡ ውድቀት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝምነዩ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ዘለዎም ውልቀሰባት ስለ ዘለው'ዩ ብምባል ኣመኻንዩ ከም ዝነበረ ይዝከር።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዘካየዶም ገምጋማትን ኣኼባታትን፡ ኣብቲ ክልል ስርቂ ዳርጋ ሕጋዊ ዝዀነሉ ኵነታት ተፈጢሩ ምህላው ክገልጽ እንከሎ፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባት፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣጽዋር፡ ዘይሕጋዊ ዕደናን ምዕናው ትሕተ ቕርጽን ኮንትሮባንድን ከም ዝተስፋሕፍሑ ተኣሚኑ'ዩ።

ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ግንቦት 2014 [ግእዝ] ኣብ ሓደ ህዝባዊ ዋዕላ ተረኺቡ ነቲ "ንድሕነትና ናብ እንሰግኣሉ ደረጃ ወዲቕና" ዝብል ሕቶታት ህዝቢ ኣብ ዘተኣናገደሉ መድረኽ፡ ናይ ጸጥታ ሃጓፍ ከም ዝተፈጥረ ብምእማን፡ እዚ ድማ መሓውር ፖሊስ ብምፍራሱ ዝስዓበ ከም ዝዀነ ገሊጹ ነይሩ።

ምጥፍፋእ ገንዘብ ዲያስፖራ

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካልእ ዘልዓሎ ክሲ፡ ምጥፍፋእን ብኽነትን ገንዘብ ዝምልከት'ዩ።

እዚ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ "መኸተ" ንዝብል ወፍሪ ንምሕጋዝ ብማሕበረሰብ ዲያስፖራ ተወለድቲ እቲ ክልል ዝተዋጽአ ገንዘብ እዩ።

እዚ ማሕበረሰብ፡ ብውዱብን ዘይውዱብን መገዲ፡ ፖለቲካዊ ዕላማታት እቲ ኲናት ንምድጋፍ "ኣማኢት ሚልዮን ዶላራት" ዝግመት ገንዘብ ከም ዝኣከበ እዩ ዝግለጽ።

እዚ ገንዘብ፡ "ጸረ ድሮን ንምግዛእ፡ ነፈርቲ ንምምጻእን ካልእን ብዝብል ንዝተፈላለዩ ደለልቲ፡" ተኸፊሉ ተጠፋፊኡ'ዩ ይብል ኣቶ ጌታቸው።

ካብዚ ሓሊፉ፡ በቲ ዝተኣከበ ገንዘብ፡ "ኢንተርፕራይዛት ንግዲ፡" ክሳብ ምኽፋት ከም ዝተበጽሐ ተዛሪቡ።

እዚ፡ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝፈልጦ'ዉን ጠቒሱ።

ህወሓት ብዛዕባ እዚ ዝቐረበ ክሲ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ወግዓዊ መብርሂ የለን። ቢቢሲ ካብ መራሕቲ እቲ ሰልፊ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ'ውን ኣይሰመረን።

ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይ'ውን ድሕሪ'ቲ ኲናት ናይ "መኸተ ገንዘብ" ኣበይ ኣትዩ ዝብል ተደጋጋሚ ሕቶታት ከልዕል ጸኒሑ እዩ።

ኣቶ ጌታቸው፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይ ብዙም ኣብ ዝገበሮ ዘተ ግን፡ ንሱን ደብረጽዮንን ተሓትቲ ከም ዝዀኑ ብምግላጽ እቲ ገንዘብ ኣበይ ውዒሉ ዝብል ጸብጻብ ከነቕርብ ኢና ኢሉ ነይሩ።

ቅትለት

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ቃለ መሕትቱ ካብ ዘልዓሎ ካልኦት ከበድቲ ክሲታት "ኣብ ግንባር ውግእ፡ ልዕሊ ዓቕሞም ኰይኖም ዘንሳሕቡ ዝነበሩ ተጋደልቲ፡ ስጕምቲ -ቅትለት- ተወሲዱዎም'ዩ፡" ዝብል እዩ። እዚ ክኸዉን ግቡእ ኣይኰነን ብምባል'ውን ነቒፉ።

ቢቢሲ ነዚ ክሲ ክሳብ ሕጂ ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን ዘሎ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ'ውን ንዝቐርብ ዘሎ ክሲ ዝሃቡዎ ወግዓዊ መልሲ ዛጊት የለን።

ቅድም ኢሉ ኣብ ዝወጽአ፡ ናይ ድምጺ ቅዳሕ ግን፡ ኣብ እዋን ምዝዛም እቲ ኲናት፡ ኣብ ግንባር ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት "ኣብ ልዕሊ ካብ ግንባር ዝምልሱ ወተሃደራት ስጕምቲ ውሰዱ ዝብል፡" መምርሒ እንትህብ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ የዘራርብ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ቢቢሲ ነዚ እውን ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ድሕሪ ኲናት፡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ምስ ጕዳያት ሕክምናን መግብን ብዝተሓሓዝ ተቓውሞታት ክገብሩ ተራእዮም'ዮም።

ኣብ ልዕሊ ገለ ተቓውሞታትን ዝተፈለየ ሓሳብ ዘንጸባረቑን ታሕተዎት ወተሃደራዊ መራሕትን ድማ ስጕምቲታት ከም ዝተወስደ ዝገልጹ ሓበሬታታት ይወጽኡ'ዮም።