እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ብሽም ሓድነት ገበነኛታት ንሓብእ ነይርና'፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ዝበሎ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ፡ ምዝውዋር ሰባትን ካልእን፡ ጥርጡራት ብሽሞም ዝፍለጡ ምዃኖምን ገሊኦም'ውን ብፍቓድ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ካብ ሃገር ክወጽኡ ከም ዝተገብሩን ተዛሪቡ።
እቲ ኣብ ቀረባ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስትር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዝተሾመ ፡ ትማሊ ምስ ተለቪዥን ፋና ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣብዚ እዋን'ውን ከይተረፈ ኣብቲ ክልል "ብሽም ሓድነት ህዝቢን ግዝኣታዊ ልኡላውነትን፡" መሓውራትን ተግባራትን ገበን ክቕጽል ይግበር ከም ዘሎ ከሲሱ።
እቶም ዝጠቐሶም ገበናት ኣብ እዋን እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት ዝጀመሩን ድሕሪኡ'ውን ዝቐጸሉን ከም ዝዀኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብዚ ብቐንዱ ተዋፊሮም ዝርከቡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብሽሞም ረቝሑ ከሲሱ።
እንተዀነ፡ "ብሽም ሓድነት ህዝቢን ሓደ ኢና ዝብል እምነትን፡ ገበነኛታት ናይ ምሕባእን ምክልኻልን ጸገም ነይሩና'ዩ፡" ክብል ተኣሚኑ።
ካብቲ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዘቝጸረ ህወሓት፡ ዝተመቕለ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ፡ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውዳበ ሒዙ ይቐላቐል ከም ዘሎ ቢቢሲ ካብ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ሓድሽ ኣብ መስርሕ ምዝገባ ዝርከብ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ 'ሊበራላዊ ደሞክራሲ' ከም ስነሓሳብ ዝኽተል ኰይኑ 'ትግራይ ሊበራል ዲሞክራቲክ ፓርቲ' ዝብል ኣማራጺ ሽም ሒዙ ይመጽእ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ደማዊ ኲናት፡ ገበናት ጭውያ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ስርቂ ማዕድናት፡ ስርዓት ኣልቦነትን ልዑል ስግኣት ጸጥታን ከስፋሕፍ ከም ዝተራእየ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ብፍላይ፡ እቲ ብሕጋውን ዘይሕጋውን መገዲ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ወርቂ፡ ብዙሓት ክትዓትን ክስታትን ክቐርቡ ክስማዕ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2024 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዓመት እቲ ካብ ዝተኻየደ ዕደና፡ ናብ ካዝና መንግስቲ ዝኣተወ ገንዘብ ዘይምህላው ጠቒሱ ነይሩ።
ኣብዚ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት፡ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ትግራይ ዝርከቡ ውልቀሰባት፡ ሓለፍቲ ጸጥታ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ስቪላዊ ምምሕዳር ፖለቲካ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰብመዚ ከም ዝሳተፍሉ ይእመን።
ኣብቲ ክልል፡ ኣብ ዞባታት ሰሜን ምዕራብ (ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት) ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ድማ ኣብ ክልተ ወረዳታት ስርዓትን ሕግን ዘይተኸተለ ዕደናን ዘይሕጋዊ ዝውውርን ማዕድን ክፍጸም ምጽንሑ ጸብጻባት የመልክቱ።
'ንብረት ወሪዱዶ እዩ ዝበሃል'
ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂን ዝውውር ሰባትን ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ ክገልጽ ድማ እዚ ናይ መጀመርታኡ ኣይኰነን።
እዚኦም ግን፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣትሒዙ ዝጀመሩን ድሕሪ'ቲ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ'ውን ብሰፊሑ ከም ዝቐጸሉን ኣመልኪቱ።
"ንግዲ ወርቂ ድሕሪ ፕሪቶሪያ ዝጀመረ ዝመስሎ ኣሎ። እቲ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ድፋዕ ንምዅዓት ኢልና ዝወሰድናዮ ኤክስካቫተር ወርቂ ንምእራይ ዝጥቀምሉ ኣዘዝቲ ነይሮም። ሰብ እናሸጡ ዝነብሩ'ውን ኣለዉ፡" ብምባል ብዛዕባ ኣለኒ ዝብሎ መረዳእታታት ተዛሪቡ።
'ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ' ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ ብ/ጀነራል ምግበይ ሃይለ ብሽም ክረቝሕ እንከሎ፡ ገንዘብ መንግስቲ ኣብ 'ምዝማትን ምጥፍፋእን' ድማ ብምሉእ ሽሙን ሓላፍነት ስርሑን ዘይረቝሖ ሃይለስላሰ ዝተባህለ ጀነራልን ካልኦትን ጠቒሱ።
እዞም ዝጠቐሶም ሰበስልጣን፡ "ብገበን ዝተቘማጥዑ ስለ ዝዀኑ ሃንደበት ሰላም እንተ ተፈጢሩ ተሓታቲ ክኸዉን እየ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ፡ ዕግርግር ፈጺሙ ክውዳእ ኣይደልዩን፡" ክብል ተዛሪቡ።
ቢቢሲ፡ ነቶም ኣቶ ጌታቸው ዘቕረቦም ክሲታት ንሓቅነቶም ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጸን።
ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብ ዝህቦም ዝተፈላለዩ ቃለመሕትት፡ ኣብቲ ክልል ይፍጸሙ ብዛዕባ ዝበሃሉ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተደጋጋሚ ክሲታት ከቕርብ ዝጸንሐ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግቡእ ስጕምቲ ብዘይምውሳዱ ዝነቕፉዎ ሰባት ኣለዉ።
እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ብገበናት ዝጥርጠሩን ዝኽሰሱን ሰባት ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኣመራርሓ ጸጥታ እቲ ክልል ግብራዊ ክገብሮ ከም ዘይክኣለ እዩ ዝምጕት።
"ስጕምቲ ንውሰድ ካብ እንብል ክልተ ዓመት ኰይኑ፡ ግን ብጕልባብ ናይ ሓሶት ሓድነት ከነቕጽል ኣይገበርናዮን። ምስ መረረኒ ግን ስጕምቲ ክውሰደሎም ኣለዎ ምስ በልኩ፡ ሰነድ ኣቕሪበ'ውን ተግባራዊ ክኸውን ኣይከኣለን። ንዓይ ክሒድካ ዝብለኒ ኣመራርሓ ንገበነኛታት ናቱ ሰባት ገይሩ'ዩ ዝወስድ። ምኽንያቱ፡ ናይ ገበን ኔትዎርክ ስለ ዝዀነ።"
ንሱ ወሲኹ፡ "ነዚ ከፈጽሙ ዝግብኦም ዝምልከቶም ኣካላት ንሓድሕዶም እናተደጋገፉ፡ ብኣጋ ሰባት ተሓተትቲ ብዘይምግባር ኵሉ ጥርጡር ክኸውን ኢና ገይርና። ግን ናተይ ሓላፍነት ድሩት'ዩ ነይሩ። እቲ መሓውር ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ነዚ ናይ ገበን ኔትዎርክ ክቕጽል እዩ ዝደሊ፡" ብምባል ከሲሱ።
ብ/ጀነራል ምግበይ ብዛዕባ እቲ ብኣቶ ጌታቸው ዝቐርብ ዘሎ ክሲታት ዝሃቦ ርእይቶ የሎን።
ካብ ኣመራርሓ እቲ ኣብ ክልተ ዝተገምዐ ህወሓት ኰነ ቢሮ ጸጥታ እቲ ክልል'ውን ዝተዋህበ መብርሂ የሎን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ግን፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ዝዀነ ብ/ጀነራል ምግበይ ሃይለ፡ "ንፋኖ ደገፍ ይህብ'ዩ፡" ዝብልን ካልኦት ክስታትን ምቕራቡ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ትግራይ፡ እቶም ዝቐረቡ ክስታት ሓላፍነት ዝጐዶሎም "ክሲን ጸለመን" ምዃኖም ብምጥቃስ፡ እቲ ሰራዊት ይቕረታ ክሓትት ጸዊዑ።
ጀነራል ምግበይ ኢትዮ-ፎረም ንዝተባህለ ናይ ዩትዩብ ቻነል ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ "ከምኡ ኣይኰናን፣ ፈጺሙ ኣይንገብሮን ኢና፡" ብምባል ነቲ ክሲ ከም ዝነጸጎ ይዝከር።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ሰራዊት ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ማእከላይ መንግስቲ ኰይኖም ንዝተሰለፉ ሓይልታት ኤርትራ ንምፍራስ ብዝብል ፖለቲካዊ ውሳነ ህወሓት ስዒቡ፡ ኣብቲ ውግእ ዝተማረኹ ሰባት ጅሆ ብምሓዝ "ኣብ ወጻኢ ሰባት ዘለዎም እናተሓተተ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ሽሕ ዶላር ክኸፍል ይግበር፡" ከም ዝነበረ ገሊጹ።
"ኤርትራዊ ምሻጥ 'ንብረት'ዩ' ዝበሃል፣ ንብረት ወሪዱዶ እዩ ዝበሃል። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝዓግቱን ዝሸጡን ዝነበሩ ኣመራርሓ'ዮም ሕዚ ናብ ተወለድቲ ትግራይ እውን ገጾም ኣዚሮም ዘለዉ፡" ብምባል እቶም ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም ዝቐጸሉ ሓቢሩ።
እዚ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዘካየዶ መጽናዕቲ ብሰነድ ዝተደገፈ ከም ዝዀነን ኣብ ልዕሊ ጥርጡራት ስጕምቲ ንኽውሰድ ሰነዳት ናብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ፡ ፍትሒን ጸረ-ግዕዝይናን እቲ ክልል ክኣቱ ከም ዝገበረ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ እዋን፡ ህዝቢ ትግራይ ዳግም ግዳይ ኲናት ከይኸውን፡ "እዚ ናይ ገበን ኔትዎርክ ከነፍርሶ ኣለና፡" ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ክልል ዝቐርቡ ሕቶታት ንምምላስ ዘኽእል ፖለቲካዊ ባይታ ክፍጠርን፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንምፍጻም ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝተጀመሩ መስርሓት ጸንቂቕካ ብምጥቃምን ህልውና ትግራይ ክረጋገጽ ከም ዝኽእልን ሓቢሩ።
እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ክንፊን ላዕለዎት ኣዘዝቲ እቲ ሰራዊትን ብወገኖም፡ ንኣቶ ጌታቸው፡ "ናብ ብልጽግና ከዲዑ፡ ረብሓታት ትግራይ ኣሃጊሩ፡" ኢሎም ብዝወሰዱዎ ስጕምቲ፡ ካብ ሓላፍነቱ ክሰናበት ከም ዘገደዱዎ ይዝከር።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፍሉጣት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ዝዀኑ ጀነራላት ፡ ማለት'ውን ኣዛዚ ግንባር ደቡብ ሜ/ጀነራል ዮሃንስ ወልደገርግስ (መዲድ)፡ ኣዛዚ ግንባር ሰሜን ምብራቕ ሜ/ጀነራል ማሾ በየነን ኣዛዚ ግምባር ምዕራብ ብ/ጀንራል ምግበይ ሃይለን ካብ መዝነቶም ኣልዒሉ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልል ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ'ውን ካብ ዝነበሮ "ምድብ ሓላፍነት" ኣልዒሉዎ ነይሩ።
እቶም ኣብዚ ሓድሽ ቃለመሕትቱ ስሞም ዝርቋሕ ዘሎ ጀነራላት፡ ካብቶም ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክመዓራረ ኣለዎ ብዝብል 'ዕልዋ' ብዝመስል መንገዲ ክእለ ዝወሰኑ ላእለዎት ኣዘዝቲ ኰይኖም፡ ኣብቲ ካብ ነበር ፕረዚደነት እቲ ክልል ዝቐርበሎም ዘሎ ክሲ ዝተዋህበ ምላሽ የሎን።