እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕደና ወርቂ ትግራይ ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣት እንታይ እዩ?
ኣብዚ እዋን፡ ኢትዮጵያ፡ ብግጭት፡ ቍጠባዊ ቅልውላውን ካልኦት ሰፋሕቲ ውሽጣውን ግዳማውን ፖለቲካዊ ጸገማትን ትሕመስ ኣላ።
ክልል ትግራይ፡ ሓንቲ ካብተን ገበናት ጭውያ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ስርቂ ማዕድናትን ካልኦትን፡ ስርዓት ኣልቦነትን ልዑል ስግኣት ጸጥታን ዘስፋሕፍሓለን ዘለዋ ክልላት እታ ሃገር ኰይና ትርከብ።
ብፍላይ፡ እቲ ኣብ ዙርያ 'ቲ ኣብታ ክልል ብሕጋውን ዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ወርቂ፡ ብዙሓት ክትዓትን ክስታትን ክቐርቡ ክስማዕ ጸኒሑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2024 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ዝተኻየደ ዕደና፡ ናብ ካዝና መንግስቲ ዝኣተወ ገንዘብ ዘይምህላው ጠቒሱ ነይሩ።
ኣብዚ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት፡ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ትግራይ ዝርከቡ ውልቀሰባት፡ ሓለፍቲ ጸጥታ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ስቪላዊ ምምሕዳር ዝርከቡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ከም ዝሳተፍሉ ይእመን።
እዚ ከምዚ እንከሎ ግን፡ እቲ ወርቂ ንምዕዳን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ዘለው ሓደገኛ ከሚካላት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ሰብን ጕድኣት የብጽሑ ምህላዎም እቲ ኵነታት ኣዝዩ ዘሻቕል ክኸውን ገይርዎ ይርከብ።
ኣብ ገለ ከባቢታት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ መጽናዕቲ ዘካየዱ ክኢላታት፡ ንሰብን ከባብን ኣዝዮም ሓደገኛ ዝዀኑ ከሚካላት "ካብ ዓቐን ንላዕሊ" ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ከም ዘለው ብምግላጽ፡ "ኣተኣላልያኦም'ውን" ስርዓት ከም ዘይብሉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝርከባ ከም ኣስገደ ጽምብላ፡ ዛና፡ ኣድያቦ፡ ሓዊሱ ኣብ ከባቢታት ቆላ ተምቤንን ሓውዜንን ሰፋሕቲ ንጥፈታት ዕደና ወርቂ ይካየዱ።
ኣብዞም ከባቢታት፡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቈልዑን እቶም ከባቢታት፡ ስደተኛታት፡ ቻይናውያንን ካልኦት ሰራሕተኛታት ተዋፊሮም ከም ዝርኣዩ ይግለጽ።
'ጥሪት ወለደይ ሃሊቐን'
ዝተፈላለዩ ምህዞታት ቴክኖሎጂ ብምስራሕ ዝፍለጥ መንእሰይ ዕበ ለገሰ፡ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ምድረ-ፈላሲ ዝነብሩ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ወለዱ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝነበራኦም ከብቲ ከም ዝሞታ ይዛረብ።
ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ወርቂ ብምእራይ፡ ብሕርሻን ምርባሕ እንስሳን'ዩ ዝነባበር።
"ብምንታይ ከም ዝሓመማ ኣይተረድኦምን፤ ግን ኣስታት 13 ጥሪት ሞይተናኦም። ኣማውታአን ስቓይ ዝበዝሖ'ዩ ነይሩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ካብኡ ንደሓር፡ ትራክተር መሳሊ ሰሪሑ ክሕግዞም እኳ እንተፈተነ፡ "ግመል ገዚኦም እዮም ክሓርሱ ጀሚሮም" ክብል ገሊጹ።
እተን ጥሪት ዝሞታሉ ምኽንያት ብሕክምና'ኳ እንተዘይተረጋገጸ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማይ ድሕሪ ምስታየን ከም ዝሞታ ግን እቶም ስድራ ይገልጹ።
ኣእዳው እቶም ወርቂ ዝሓጽቡ ሰባት'ውን ተበላሽዩ ከም ዝርአ ኣብቶም ዕደና ዝካየደሎም ዘለው ከባቢታት ዳህሳስ ዝገበሩ ክኢላታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ስድራ ዕበ፡ ኣብ ጥቓ ከባቢ 'እንዳ ጐሾ' ዝበሃል ወሓዚ ሩባ ዝነብሩ ኰይኖም፡ ኣብዚ ሩባ ወርቂ ዝሓጽቡ ብርክት ዝበሉ ኣረይቲ ወርቂ ከም ዘለው ይግለጽ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ነበርቲ ነቲ ሩባ ንዝስተ ማይን ጥሪት ንምስታይን ከም ዝጥቀምሉ ይዛረቡ።
"ሕጂ ሞት ጥሪት ከጋጥም ምስ ጀመረ ግን፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ንዝካየድ ዘሎ ዕደና ወርቂ ዝውዕል ዘሎ ከሚካላት ዘስዓቦ ከይከውን ኢልና ንግምት" ይብል ሓደ ስሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ነባሪ።
ዕበ ብወገኑ፡ "ኣብ ሕሉፍ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ እቲ ወሓዚ ማይ ተደፊእኻ ክትሰትየሉ ዝዕድመካ መልክዕ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን፡ እቲ ሩባ ሕርኽርኽ ኢሉ'ዩ፤ ሰብ ግን ብምሉእ ንመሕጸቢን ንመስተን ይጥቀመሉ ኣሎ" ኢሉ።
ኣብ ዕደና፡ ሑጻን ወርቂን ንምፍላይ ብዙሕ መሕጸቢ ማይ ዝሓትት ብምዃኑ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ኣካላት ሩባታት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት እዮም ዝሰፍሩ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ሩባ እንዳ ጐሾ ሓዊሱ፡ ካብ ዓዲ ዳዕሮ ጀሚሩ ክሳብ መረብ ኣብ ዝኣቱ ሩባ ምሕጻብ ወርቂ ይካየድ ከም ዘሎ ነበርቲ እቲ ከባቢ ጠቒሶም።
ኣብቲ ከባቢ ዕደና ወርቂ ዘካይዱ ኤክስካቫተር ዘለዎም ሰብሃብቲ፡ ማሕበራትን ኣለው።
ይዅን'ምበር፡ ኣብቲ ዓውዲ ዝዋፈሩ ዘለው መንእሰያትን ቈልዑን "ግዝያዊ ቍጠባዊ ጸገማቶም ዝፈትሕሉ መገዲ'ዮም ዝርእዩ፤ ስለዚ ወርቂ ሸይጦም እኽሊ ገዚኦም ክነብሩ እዮም ዝደልዩ" ብምባል ጽልዋ እቲ ዝምዕብል ዘሎ ጸገማት ከም ዘየስተብህልሉ መንእሰይ ዕበ ገሊጹ።
'ሰፊሕ' ዝርግሐ መርዛም ከሚካላት
ኣብ ቀረባ፡ ብከሚካል ኢንጅነሪን፡ ማቴሪያል ሳይንስ፡ ኬሚስትሪን ካልኦት ሞያታትን ዝሰልጠኑ ክኢላታት ዝሓዘ ጕጅለ ኣብቶም ብሰፊሑ ዕደና ወርቂ ዝካየዶም ዞባታት ሓደ ኣብ ዝዀነ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ወርቂ ዝምልከት መጽናዕቲ ኣካይዱ ኣሎ።
እቲ ኣፈናዊ መጽናዕቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትግራይ [ዞባ ሰሜን ምዕራብን ማእከላይን ትግራይ] ብታሕተዋይ ደረጃ ዝካየድ ዝነበረ ዕደና ወርቂ፡ ሕጂ ናብ ብማእከላይን ላዕለዋይን ደረጃታት ዝካየዱ ስርሓት ከም ዝዓበየ የርኢ።
ኣብ ዝሓለፈ፡ እቶም ወርቂ ብምእራይ ዝመሓደሩ ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ሩባታት ኰይኖም ሓመድ ብምሕጻብ እዮም ዝሰርሑ ነይሮም፤ እዚ ድማ ልዕሊ 98 ሚእታዊት ይሕዝ ከም ዝነበረ ይግለጽ።
ሕጂ ግን፡ መልክዑ ቀይሩ፡ ብዓበይቲ ደረጃታት ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ መራሒ እቲ ጕጅለ መጽናዕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም መምህርን ላዕለዋይ ተመራማርን ዝዀነ ክኢላ ሜታሉርጂካል ኢንጅነሪን ደ/ር ዮናስ ወልደማርያም ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ብዓበይቲ መሽናት ዝተሓገዘ ስራሕቲ ይካየድ ኣሎ፤ ዓበይቲ ጐቦታት ብምፍሓር'ዩ ዕደና ተጀሚሩ ዘሎ።እዚኦም ወርቂ መነፋንፍ ዝበሃላ ማሽነሪታትን ዓበይቲ ስካቫተርን ሓዊሱ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ እዩ" ክብል የብርህ።
ኣብዚ ስራሓት ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣካላት፡ ወርቂ ንምሕጻብ ዝውዕሉ ኬሚካላት "ብሰፊሑ" ይጥቀሙ ከም ዘለው ንምርዳእ ከም ዝተኻእለ ድማ ጠቒሱ።
ብሓፈሻ፡ "ሓደ ናይ ዕደና ከይዲ ካብቲ ልሙድ ኣገባብ እናዓበየ ናብ ማእከላይን ላዕለዋይን ደረጃ ክበጽሕ እንከሎ ግድን ኬሚካላት ክጥቀም እዩ።እብቲ ከባቢ መርዛም ኬሚካላት ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ኣለው'ዮም፤ ገሊኦም ሜርኩሪ ገሊኦም ሳይናይድ ይጥቀሙ ኣለው" ብምባል እቶም ሓደገኛታት ዝተባህሉ ኬሚካላት ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዓሉ ምርግጋጽ ከም ዝተኻእለ ሓቢሩ።
ስፍሓትን ዓቐንን እዞም ኬሚካላት ንምፍላጥ ግን ቀጻሊ መጽናዕቲ ዝሓትት'ዩ።
እቲ ኣፈናዊ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ሰየምቲ ኣድያቦ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ነቝጣታት ዕደና እዩ ሸፊኑ።
ኣብ ታሕታይ ኣድያቦ፡ ኣስገደ ጽምባልን ወርዒን ዝካየዱ ካልኦት ሰፋሕቲ ስርሓት ዕደና ወርቂ ከም ዘለው ግን ይፍለጥ።
ከባብያውን ጥዕናውን ሳዕቤን እዞም ኬሚካላት
ሜርኵሪ
ትካል ጥዕና ዓለም (WHO) ሜርኩሪ ካብቶም ዓሰርተ ልዑል ስክፍታ ጥዕና ዘስዕቡ ኬሚካላት ወይ ባእታታት ምዃኑ የገንዝብ።
ኣዝዩ ከቢድን ሓደገኛን ኬሚካል ስለ ዝዀነ ድማ፡ ሓንሳብ ናብ መሬት ምስ ፈሰሰ ካብ ከባቢ ክእለን ክጠፍእን ኣይኽእልን።
ኣዝዩ ተቐያያሪ ባህሪ ዘለዎ ብምዃኑ'ውን ናብ መርዛም ሃፋፊ ነገር ናይ ምቕያር ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ።
እዚ ኬሚካል ኣብ ዕደና ወርቂን ካልኦት መዓድናት ዝውዕል ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓውዲ ዝሰርሑ ሰባት ዘይተጻረየ መዓድን ኣብ ምጽራይ ብብዝሒ ኣብ ዝጥቀምሉ እዋን፡ ብግቡእ እንተዘይተኣልዩ ክሃፍፍን ክመክኽን እንከሎ ጽልዋኡ ሓደገኛ'ዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምስዚ ኬሚካል ዘጋጥም ተቓላዕነት ናብ ውሽጢ ሳንቡእ ክስሓብ እንከሎ ዘጋጥም እዩ።
እዚ፡ ፍርያት ዓሳ ናብ ዘለዎም ሩባታትን ቀላያትን ከምኡ'ውን ካልኦት ምንጪታት ማይ እንትውሕዝን መግብን ዝስተ ማይን ክብልክል ይኽእል።
ሓደ ሰብ ንሜርኵሪ ዝተቓልዐ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብ ደም፡ ሽንቲን ጸጕርን መርመራ ይግበር።
ጥዕናዊ ሳዕቤናት እዚ ኬሚካል፡ስርዓት ነርቭ ከጥቅዕል ዝኽእል ኰይኑ፡ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ፡ ልቢ፡ ሓንጐል፡ ኵሊትን ቈርበትን ከም ዘጥቅዕ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።
ከም ኢንሶምኒያ ወይ ስእነት ድቃስ፡ ዝኽሪ ምስኣን፡ ሕማም ርእሲ፡ ጸገም ምዕባለ ኣተሓሳስባን ኣካላዊ ዘይስሩዕነትን፡ ጸገማት ስርዓት ምስትንፋስን ጸገም ኵሊትን ድማ የስዕብ።
ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብብዝሒ ኣብ ዕደና ስለ ዝዋፈሩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ቈልዓ ኣብ ዝወልዳሉን ዝጠንሳሉን ዓመታት ዝያዳ ተቓላዕቲ ከም ዝዀና ዓለምለኸ ትካል ዕዮ ይገልጽ።
ሜርኵሪ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ማህጸን ዝርከብ ዕሸል ክሕከም ዘይኽእል ጸገም ምዕባለ ኣእምሮ (ኒውሮዲቨሎመንት) ከስዕብ ይኽእል።
ብፍላይ ህጻናት፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ዕብየቶም፡ ናይ ትዅረት ዓቕሞም፡ ቋንቋን ናይ ምርኣይን ክእለቶም ከምኡ'ውን ናይ ምግንዛብ ዓቕምታቶም ክዳኸም ይገብር።
"እንታይነት ሜርኵሪ ዘይፈልጥ ማሕበረሰብ'ዩ ዘሎ" ዝብል ክኢላ ሜታጕሪካል ኢንጅነሪንግ ዶ/ር ዮናስ ወልደማርያም ኣብ ኣጠቓቕምኡ ክግበሩ ዝግብኦም ጥንቃቐታት መምርሒ ክቕመጥ ኣለዎ ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ነዚ ኬሚካል ዝጥቀሙ ትካላት፡ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ዝህልዎ ጽልዋ ከባቢ ምጽናዕ፡ ነቲ ከባብን ሕብረተሰብን ብዘይጐድእ መገዲ፡ ከወግዱዎ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
"ሕጂ እንሪኦ ዘለና ግን ተጠቒምካ ምድርባይ እዩ፤ እዚ'ዩ ክኣ ከቢድ ገይሩዎ ዘሎ። ዝዀነ ዓይነት ቍጽጽርን ሕገ ደንቢ ኣጠቓቕማን የብሉን፤ እቲ ኬሚካላት፡ ወርቂ ክርከበሉ ብዘኽእል መጠን ይጥቀምሉ ስለ ዘለው እቲ ዓቐኑ ሓደገኛ ኣብ ዝብሃል ብርኪ'ዩ በጺሑ ዘሎ" ይብል።
ንሱ ወሲዅ፡ "እዞም ኬሚካላት ቀልጢፎም ናብ ስርዓተ ምትንፋስ ደቂ ሰባት ኣትዮም ሓደጋ ክፈጥሩ ዝኽእሉ'ዮም፤ ቀልጢፎም'ውን ቀተልቲ'ዮም። ሰብነት ናይ ምቅጻል ሓዊሱ ኣብ ሓመድ ምስ ኣተው'ውን ንነዊሕ እዋን ጸኒሖም ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘራእቲ ተሓዊሶም ናብ ወድሰብ ከም ምግቢ ክኣትው ይኽእሉ'ዮም፤ ተሓጺቦም ናብ ማይ ክኣትው እንከለው ድማ እቶም ኣብ ማይ ዝነብሩ ህይወታውያን ክንምገቡዎም እንከለው፡ ኣብኦም ጸኒሖም ሰብ ክምገቦም እንከሎ ሓደጋ ከብጽሑ ዝኽእሉ'ዮም" ኢሉ።
ሳይናይድ
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፡ ትግራይን ቤንሻንጕልን ብብዝሒ ዕደና ወርቂን ካልኦት መዓድናትን ይካየድ እዩ።
ኣብዚ ዓውዲ ብርክት ዝበሉ ዘቤታውን ግዳማውን ዓበይቲን ንኣሽቱን ትካላት ዝተዋፈሩ ኰይኖም፡ ሰፊሕ ባህላዊን ዘይስሩዕን ዕደናታት'ውን ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ብዙሓት ትካላት ዕደና ወርቂ ድማ፡ ልዑል ሃልኪ ሳይናይድ ክጥቀማ ይስትውዓል።
እዚ ብብዝሒ ኣብ ዕደና ወርቂ ዝውዕል ኬሚካል ኰይኑ፡ ካብ ግቡእ ኣተሓሕዛ ወጻእ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እንከሎ፡ ንሰብኣውን ከባብያውን ጥዕና ሃሳዪ ዝዀነ ሳዕቤናት እዩ ዘምጽእ።
ሰራሕተኛታት ካብዚ ቀጥታዊ ጽልዋ ግዳያት ክዀኑ እንከለው፡ እዚ ኬሚካል ምስ ማይን ናይ ሕርሻ ከባቢታትን ናይ ምብካል ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ።
ሓደ ሰብ ነዚ ኬሚካል ዝህልዎ ተቓላዕነት፡ ብጋዝ ሃይድሮጅን ሳይናይድ ምስሓብ [Inhalation]፡ በዚ ኬሚካል ዝተበከለ መግቢ ብምውሳድ [Ingestion] ብምትንኻፍ ቈርበት [ብሳይናይድ ኣብ ዝተቓልዐ ጥራሕ እግርኻ ምኻድ]፡ ከምኡ'ውን በቲ ኬሚካል ዝተበከለ ማይን መግብን ክመጽእ ይኽእል።
እዚ ኬሚካል ሕማም ርእሲ [ወቕዒ ምንፍርፋር]፣ ሕማማት፣ ልብን ኣእምሮን፡ ጸገማት ስርዓት ምስትንፋስ ከም ዘስዕብ ውድብ ጥዕና ዓለም የገንዝብ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ዓጽሚ ሰብ ንምድልዳል ዝዉዕሉ ከም ኣይረን ዝበሉ ንጥረ ነገራት ካብ ሰብን እንስሳን መጠኖም ይንኪ።
እዚ ባእታ፡ዓጽሚ ከም ዘላሕልሕን ከም ዝሰባበርን ይግለጽ።
ሓደ ሰብ፡ ልዕሊ 300 ሚሊ ግራም/ኲዩቢክ ሜተር ሳይናይድ እንተስሒቡ ኣብ ውሽጢ 30 ክሳብ 60 ደቒቕ ዘሎ ግዜ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ኣስጋኢ ጸገማት ከጋጥሞ ይኽእል።
ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ካብ ፋብሪካ ዝወጽእ ኬሚካል ብርክት ዝበሉ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ጸገማት ጥዕና ዓጽሚን ምስትንፋስን ከጋጥሞም ተራእዩ።
ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስዎች፡ ኣብ ከባቢ ለገ ደንቢ ኣብ ዝርከብ ዕደና ዝነብሩ ሰባት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ነበርቲ ከቢድ ጕድኣት የስዕብ ኣሎ ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞባ ጕጂ ወረዳ ሻኪሶ ዕደና ወርቂ ኣብ ዝካየደሉ ቦታ ዝርከቡ ነበርቲ፡ "ነፍሰ-ጾር ኣደታት ጥንሰን ይንጸል" ዝወልደኦም ህጸናት ሽከነኦም ይንእስ ናይ ዓይኒ ጸገም ሒዞም እውን ይዉለዱ ከም ዘለው ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዕደና ዘካይድ ኵባኒያ ሚድሮክ ክስታትን ጥርዓንን ከቕርቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ዘዘራረቦም ስድራቤታት፡ ሰብ ሓሚሙ ናብ ሕክምና እንተኸይዱ 'ነርቭ' ከም ዝተጠቕዐ ይንገሮ ብምባል፡ ኣዒንቶም ካብቲ መፍረዪ ብዝወጽእ ኬሚካል ከም ዝተጐድአን ብኣግኣባቡ ጠጠዉ ኢሎም ክኸዱ ከም ዘይክእሉን'ዉን ተዛሪቦም'ዮም።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጸገም ኣብ ልዕሊ እንስሳታት በረኻን ከብትን ጉድኣት ከብጽሕ ምጽንሑ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ኣእዳዎም ምልክታት ዝተርኣዮም ሰባት ከም ዘጋጠሙዎ ዝጠቅስ ዶ/ር ዮናስ ወልደማርያም፡ ሳይናይድ ካብቶም ቀተልቲ ዝበሃሉ ሳዕቤናቶም ናብ ወለዶታት ክሓልፉ ዝኽእሉ ኬሚካላት ሓደ'ዩ ኢሉ።
እቶም ዓበይቲ ዕደና ዘካይዱ ኣካላት ነዞም ኬሚካላት ተጠቒሞም ወርቂ ክሓጽቡ እንከለው ዝወጽእ ፈሳሲ ናብ ካልኦት ተፋሰሳት ክወርድ እንከሎ፡ "እቲ ባህላዊ መገዲ ወርቂ ዝኣሪ፡ ኣብ ሩባ ሩባ'ዩ ዝሓጽብ። እቶም ኬሚካላት ናብቲ ሩባ ክኣትው እንከለው እቶም ብባህላዊ መገዲ ዝዕድኑ ይጕድኡ ማለት'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ዝተፈላለያ ከም ነሓስ፡ ኣልማዝን ካልኦት ክቡራት መዓድናት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ሳልፈሪክ ኣሲድ፡ ሶልቨንትን ካልኦት ሓደገኛ ኬሚካላትን ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕሉ ይፍለጥ።
ኮሎምቢያን ገለ ሃገራትን ሜርኩሪ ኣብ ጥቕሚ ከይውዕል ኣጊደን'የን።
ኢትዮጵያ ኣብ 2013 [ኣ.ኤ] ውዕል 'ሚናማታ' ፈሪማ እያ፤ እዚ ውዕል ሜርኩሪ ከምኡ'ውን ሳይናይድ ኣብ ዝዀነ ይኹን ንጥፈታት ዕደና ምጥቃም ፍጹም ዝኽልክል እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዕደና ዝግበር ወፍሪ ልዑል ቀዳምነት ዝወሃቦ ኰይኑ፡ እቲ ዓውዲ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ኢትዮጵያ ካብ ዝህልዋ ስትራቴጂያዊ ኣዕኑድ ቁጠባዊ ዕብየት ሓደ ገይራ ትወስዶ።
ዓመታዊ ብ33 ሚእታዊት ክዓቢ ምዃኑን፡ ዓንዲ ሕቘ ሕርሻን ንዕብየት ኢንዱስትሪ፡ ምፍጣር ስራሕን ኣታዊታት ሰደድን መበገሲ ክኸውንን ድማ ትጽቢት ይግበር።