እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓዲ እንግሊዝ፡ ብምስግጋር ሰባት ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ተታሒዙ
ሓደ ብምስግጋር ሰባት ተጠርጢሩ ኣብ ቤልጂም ኣብ መዝገብ ተደልይቲ ሰባተ ኣትዩ ክድለ ዝጸንሓ ኤርትራዊ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
እቲ ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ፡ ብሓሙስ'ዩ ኣብ ከተማ ኮቨንተሪ ብፍሉያት ኦፊሰራት ኤጀንሲ ሃገራዊ ገበናት [ National Crime Agency (NCA) ]ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ቤልጂም እዚ ውልቀሰብ፡ ስደተኛታት ብመትረብ እንግሊዝ ብጃልባ ንምስጋር ብ2500 ኤሮ፡ ብመኪና ከኣ 1500 ኤሮ ከፊሎም ንምስጋር መንገዲ ከጣጥሕ ከምዝጸንሐ'ዮም ዝገልጹ።
እዚ ክሱስ ሓሙስ ናብ ቤት ፍርዲ ዌስት ምኒስተር ክቐርብን ናብ ቤልጂየም ዝርከበሉ መስርሕ ክጅምር ምዃኑን'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ኤጀንሲ ሃገራዊ ገበናት፡ እቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ካብ ጥቅምቲ 2021 ክሳብ ግንቦት 2024 ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝፈጸሞ ኣብ ሓሙሽተ ጉዳያት ዝተሓሓዝን ምዃኑ ኣብሪሁ።
እቲ እዋን፡ ምስቲ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽሰግሩ ኣብ ቤልጅማዊት ወደብ ዚቡርጅ ተታሒዞምሉ ዝነበረ ግዜ ዝተኣሳሰር'ዩ።
ምኒስተር ጸጥታ ዶባት ዳመ ኣንገላ ኢግል፡ እዚ ወዲ 25 ዓመት ጥርጡር "ገንዘብ ንምርካብ ንህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ብዘይሕጋውን ሓደገኛን መስመር ሰባት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከሰጋግር ዝጸንሐ'ዩ" ኢላ።
ሓላፊት ዞባዊ ምርመራ ኤጀንሲ ሃገራዊ ገበናት ጃኲ ቢር ብወገና "እቲ ብውዱባት ገበናት ኣሰጋገርቲ ሰባት ዝመጽእ ስግኣት ሕዱርን ነባርን'ዩ" ኢላ።
ኣስዒባ፡ ነዞም ተወዲቦም ሰባት ብመትረብ እንግሊዝ ዘሰጋገሩ ውልቀሰባትን ጕጅለታትን ምሓዝን ናብ ሕጊ ምቕራብን ከኣ ናይ ቤት ጽሕፈቶም ናይ ቀዳምነት ቀዳምነቱ ምዃኑ ኣብሪሃ።
እዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተታሒዙ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ናብ ቤልጂም ምስ ተሰጋገረ እቲ ዝተኸሰሰሉ ኵሉ እንተተረጋጊጹ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረድ ከምዝኽእል ይግመት።
ኣብ ምስግጋር ሰባት ዝሳተፉ ሓያለ ገበነኛታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ከም ዝተሓዙን ዝእሰሩን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ 2021፡ "ወሊድ" ብዝብል ሳጓኡ ዝፍለጥ ተወልደ ጎይትኦም ዝተብሃለ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ፡ ኣብ ሰነ'ቲ ዓመት ኣብ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ቀሪቡ፡ ኣብ ሊብያ ኣሽሓት ስደተኛታት ብምስግጋርን ብምስርጣይን ተኸሲሱ 18 ዓመት ማእሰርቲን ክልተ ሚእቲ ሽሕ ብር ከምዝተፈርደን ይዝከር።
ተወልደ ምስ ዘይሓጋዊ ምስግጋር ሰባት ብዝተሓሓዝ ብሓሙሽተ ክስታትት'ዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።
ሽሻይ ጎደፋይ ደሞዝ ዝተባህለ ተሓባባሪኡ'ውን 16 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒን ማእሰርቲ ከምኡ'ውን 50 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ተፈሪዱ እዩ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ጥሪ 2023 እውን፡ ነዊሕ ክህደን ዝነበረ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝተባህለ ዕሉል ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኣብ ሱዳን ተታሒዙ እዩ።
ሽዑ ብዓለምለኻዊ ማሕበር ፖሊስ (ኢንተርፖል) ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ ኪዳነ ብሰንበት 1 ጥሪ'ዩ፡ ብመሪሕነት ሰብመዚ ጸጥታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተኻደ ስርሒት ኣብ ሱዳን ቀይዲ ኣትዩ።
ስለያ ኢንተርፖል ብዝሃቦም ሓበሬታ መሰረት፡ ሰብመዚ ኢማራት ዓረብ ነቶም ኣብ መርበብ ኪዳነ ዝነጥፉ ዝነበሩ ሓዉ ዝርከቦም ሰባት ክከታተልዎም ጀሚሮም።
"ሓዉ ኣብ ክንድኡ ኰይኑ ገንዘብ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ የሰጋግር ነይሩ። እቲ ብሰብመዚ ጸጥታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተጠልፈ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፡ ኪዳነ ኣብ ሱዳን ከም ዝነበረ ክፍለጥ ኣኽኢሉ" ብምባል ድማ ተኸታቲሎም ኣብ ከምዝሓዝዎን ተገሊጹ ነይሩ።
እዚ ሕጂ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተታሒዙ ዘሎ መንእሰይ፡ ስሙን ዝርዝር ዝቐረበሉ ክሲታትን ዛጊት ኣይተገልጸን ዘሎ።