ኣደኡ፡ ሓፍቱን ደቂ 8 ኣዋርሕ ማናቱ ደቂ ሓፍቱን ኣቃጺሉ ዝቐተለ ኢትዮጵያዊ እንታይ ተፈሪዱ?

ምንጪ ስእሊ, Ilu Abba Bora Zone Police
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኢሉ ኣባ ቦራ፡ ኣደኡ እትርከቦም ኣርባዕተ ኣባላት ስድራኡ ብጭካነ ዝቐተለ ውልቀሰብ ን25 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።
እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ወረዳ ዳሪሙ በና 3ኛ ተባሂላ እትጽዋዕ ቁሸት እዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ኣሕመድ ዑስማን ዝተባህለ ገበነኛ፡ ወላዲት ኣደኡ፡ ሓፍቱን ደቂ 8 ኣዋርሕ ማናቱ ደቂ ሓፍቱን ኣቃጺሉ ከምዝቐተለ እዩ ተገሊጹ።
ኣሕመድ ነቲ ዘስካሕክሕ ገበን ብ29 ሰነ 2016[ግ] ከምዝፈጸሞ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ዞን ሓላፊ ዝተፈላለዩ ገበናት ዝዀነ ጉታ ዱጉማ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ሓላፊ ኣብታ መዓልቲ ኣሕመድ "ካብ ኣደኡ ልቓሕ ገንዘብ ሓቲቱ ስለዘይረኸበ ተቐይሙ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ተሓቢኡ" ከምዝጸንሐ እውን ወሲኹ ገሊጹ።
ብመሰረት’ቲ ሓላፊ፡ ኣሕመድ ዑስማን፡ ሰዓት 7 ናይ ለይቲ እዩ ናብ እንዳ ወላዲት ኣደኡ ተመሊሱ ነቲ እቶም ኣርባዕተ ኣባላት ስድራቤት ዝሓድሩሉ ዝነበሩ ብሓሰር ዝተሸፈነ ገዛ ብሓዊ ኣቃጺልዎ።
"ኣርባዕቲኦም ኣብ ውሽጢ እንከለዉ ብደገ ዓጽዩ ባርዕ ሓዊ ኣበጊሱ" ክብል ኣቶ ጉታ ነቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ኵነታት ኣብሪሁ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣደኡ፡ ሓፍቱን ደቂ 8 ወርሒ ማንታ ደቂ ሓፍቱን ህይወቶም ሓሊፉ።
እቲ ገበን ምስተፈጸመ እቲ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ መርመራ ከምዝተገብረሉን መስርሕ ፍርዲ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ ኢሉ ኣባ ቦራ ከምዝተኻየደን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብቲ መስርሕ፡ ተኸሳሲ ቅድሚ ሕጂ ገበናዊ ፍርዲ ከምዘይብሉ፡ ኣካለ-ጉዱእ ከምዝዀነን በዓልቲ ቤቱ ድማ ነፍሰጾር ከምዝዀነትን ብምግላጽ ምሕረት ክግበረሉ ተማሕጺኑ ነይሩ።
ኣኽባሪ ሕጊ ብወገኑ እቲ ተኸሳሲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራኡ ዘስካሕክሕ ገበን ዝፈጸመሉ ምኽንያት ብቒምታ ተደፋፊኡን ሓሲቡሉን ስለዝዀነ ከቢድ መቕጻዕቲ ክፍረድ ሓቲቱ።
ነቲ መስርሕ ዝተኸታተለ ቤት ፍርዲ ብዕለት 28 ነሓሰ 2016 [ግ] ውሳነ ሂቡ። ብመሰረት’ዚ ውሳነ ድማ ኣሕመድ ዑስማን ን25 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።
ኣቶ ጉታ ግን፡ እቲ ገበን ብኣረሜናዊ ኣገባብ ዕሸላት ዝርከብዎም ህይወት 4 ሰባት ዝቐዘፈ ብምዃኑ እቲ መቕጻዕቲ እኹል እዩ ኢሉ ከምዘይኣምን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ከም ዓቃቢ ሕጊ መጠን እቲ ዝተወሃበ ፍርዲ እኹል እዩ ኢልና ኣይንኣምንን። እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነኡ ኣብ ምንታይ ዝተመርኮሰ ከምዝዀነ ክንፈልጥ ቅዳሕ እቲ ውሳነ ክወሃበና ሓቲትና ኣለና። ብመሰረት እቲ ሕጊ ድማ ኣብ ቀጻሊ ይግባይ ክንሓትት ኢና" ንቢቢሲ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







