እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕማም በዲዶ ህበይ ሞት ሓደ ሰብ ተመዝጊቡ
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕማም በዲዶ ህበይ (ሞንኪፖክስ) ዝተለኸፈ ሓደ ሰብ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።
ቁጽሪ በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት እውን ሽዱሽተ ከምዝበጽሐ ወሲኹ ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ትማሊ ቀዳም 23 ግንቦት 2017 (ግእዝ) ኣብ ዘውጽኦ መዓልታዊ ሓበሬታ እዩ ነዚ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰንበት 17 ግንቦት፡ ብሕማም በዲዶ ህበይ ዝተለኸፉ ሰባት ኣብ ክልል ኦሮምያ ሞያሌ ከምዝተረኸቡ ምኒስተር ጥዕናን ትካል ጥዕና ማሕበረሰብን ኢትዮጵያን ኣፍሊጦም ምንባሮም ይዝከር።
በቲ ሕማም ተለኺፎም ተባሂሎም ካብ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ዝተወሰደ ቅምሶ ዝተገብረ መርመራ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ሓደ ወዲ 21 መዓልቲ ዕሸል ተረኺቡ፡ ኣዲኡ እውን ነቲ ቫይረስ ተቓሊዓ'ያ።
ምንጪ ናይቲ ቫይረስ፡ ናብ ጎረቤት ሃገር ኬንያ ተጓዒዙ ዝነበረ ኣቦ እቲ ህጻን ከም ዝዀነ ይጥርጠር።
እቲ ሰብ ዝተጓዕዘሎም ከባቢታትን ምስቲ ሰብ ምትንካፋት ዝነበሮምን ሰባት ብምልላይ ክትትል ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ህጻንን ኣዲኡን፡ ተወሺቦም ዘድሊ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከም ዘሎን ብኸቢድ ንህይወቶም ኣብ ዘየስግእ ኵነታት ከም ዝርከቡን ኣፍሊጦም።
ብሰሉስ ድማ ካልእ ተወሳኺ ሰብ በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዐ ዝተረጋገጸ ኰይኑ፡ ብረቡዕ እቲ ቁጽሪ ብዕጽፊ ወሲኹ። በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ድማ ብድምሩ ናብ ሽዱሽተ በጺሑ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መዓልታዊ እዋናዊ ሓበሬታ፡ ካብቶም ሽዱሽተ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ኣፍሊጡ ኣሎ።
መንነት ናይ ህይወቱ ዝሓለፈ ሰብ ግን ኣይተገልጸን።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ ማእከላት ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ (CDC)፡ ኣብ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዝነበረ ሕማም በዲዶ ህበይ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ 'ሓደገኛ ስግኣት ጥዕና' ክብል ኣዊጁ ነይሩ።
እዚ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝረአ ዘሎ ቫይረስ፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተራእየ ዝያዳ ሓደገኛ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ እቲ ዝረአ ዘሎ ቫይረስ ሓዱሽ ዓይነት ስለ ዝዀነ እዩ ተባሂሉ።
በዲዶ ህበይ፡ ብሰንኪ ቫይረስ ዝመጽእ ኰይኑ፡ እዚ ቫይረስ ኣብ ጕጅለ ቀለልቲ ቫይረሳት ዝምደብ እዩ።
እቲ ቫይረስ ፈለማ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ እኳ እንተ ነበረ፡ ድሒሩ ግን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ጀሚሩ።
እዚ ሕማም ኣብ ከም ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኣመሰላ ኣብ ዕሙር ጫካታት ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ካብ ዝረአ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብዞም ከባቢታት በብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት በዚ ሕማም ዝልከፉ ኰይኖም፡ ኣማኢት ድማ ህይወቶም ይስእኑ።
ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ቈልዑን በዚ ሕማም ብዝያዳ ይጥቅዑ።
ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፡ ብበዲዶ ህበይ ዝተለኸፉ ልዕሊ 500 ሕሙማት ካብ ማእከላት ሕክምና ሃዲሞም ምጥፈኦም ሻቕሎት ፈጢሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።