ጃልባ በጻሕቲ ብምግልባጣ ብውሕዱ 37 ሰባት ሞይቶም

መብዛሕትኦም እቶም ተሳፈርቲ ካብ ርእሰ ከተማ ሃኖይ ዝበጽሑ ቬትናማውያን'ዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቬትናም ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ሓንቲ ጃልባ በጻሕቲ ድሕሪ ምግልባጣ ብውሕዱ 37 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓያሎ ድማ ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ጠፊኦም ኣለዉ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ህቡብ መዕረፊ በጻሕቲ ሃ ሎንግ ቤይ እዩ ኣጋጢሙ።

መብዛሕትኦም እቶም ተሳፈርቲ ካብ ርእሰ ከተማ ሃኖይ ዝበጽሑ ቬትናማውያን ስድራቤታት ምዃኖም ይግለጽ።

ብርቱዕ ዝናብ ነቶም ብህይወት ዝደሓኑ ሰባት ንምድላይ ክዕንቅፍ ጸኒሑ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ 11 ሰባት ካብቲ ቃላይ ከም ዝተስሓቡ ሰብ ሞያ መድሕን ሰባት ገሊጾም።

እታ ዋንደር ሲዝ ዝተባህለት ጃልባ 53 ሰባት ጽዒና ከም ዝነበረትን ሃንደበታዊ ህቦብላ ድሕሪ ምግጣሙ ድማ ከም ዝተገልበጠት ካብ ሓለዋ ዶባትን ሓይሊ ባሕርን ቬትናም ዝወጽአ መግለጺ ሓቢሩ።

ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ትማሊ ቀዳም ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 14፡00 ሰማይ ከም ዝጸልመተ ገሊጹ። "ኣጻብዕቲ እግሪ ዝውሕጥ በረድ ምስ ብርቱዕ ዝናብ፡ ነጐዳን በርቂን" ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ሓደ ወዲ 10 ዓመት ቈልዓ ካብታ ዝተገልበጠት መርከብ ከም ዝደሓነ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

"ኣዕሚቑ ኣስተንፊሰ ድሕሪኡ ሓምቢሰ ንላዕሊ። ሓገዝ ክሓትት ኣእውየ፡ ድሕሪኡ ብጃልባ ተጎቲተ" ክብል ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቬትናምኔት ተዛሪቡ።

ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዝተረኸቡ ሬሳታት፡ እንተወሓደ ሸሞንተ ህጻናት ምዃኖም ቪኤንኤክስፕረስ ጸብጺቡ።

እቶም ገና ደሃዮም ዘጥፍኡ ንምርካብ ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ክሳብ ለይቲ ክቕጽል ተዳልዩ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፋም ሚን ቺንህ ንስድራቤት እቶም ዝሞቱ "ጽንዓት ይሃብኩም" ኢሉ።

ሰብመዚ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ክምርምሩን "ንጥሕሰት ሕጊ ብጥብቂ ክሕዝዎን እዮም" ዝብል መግለጺ መንግስቲ ሓቢሩ።

ኣብ ኣውራጃ ኳንግ ኒን ዝርከብ ሃ ሎንግ ቤይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደቀቕቲ ደሴታት ዝተኸበበን ኣብ 2019 4 ሚልዮን በጻሕቲ ዝስሕብ ኮይኑ፡ ሓደ ውርሻታት ዓለም ዩኔስኮ እዩ።