ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበሮ ማዕቀብ ክቕፅል ኣዚዙ

ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ምስ ኵናት ትግራይ ብዝዛመድ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበሮም ማዕቀባት ከም ዘለውዎ ክቕፅሉ ወሲኑ።

እዚ ብረቡዕ ብዶናልድ ትራምፕ ዝተፈረመን ብዘለዎ ፀኒዑ ክቕፅልን ዝተወሰነ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ኲናት ትግራይ ናብ ካልኦት ከባብታት ተላቢዑ ኣብ ኣሻቓሊ ደረጃ ኣብ ዝበፅሓሉ እዋን ብጆ ባይደን ዝሓለፈ እዩ።

እዚ ዝተፈላለዩ እገዳታት ተፈፃሚ ዝገብር ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ንሓደ ዓመት ክቕፅል ተናዊሑ ኣሎ።

እዚ ሰነድ፡ "ንሰላም፡ ድሕነትን ምርግጋእን ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ስግኣት ዘእተወ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን ምስኡ ብዝዛመድ ዘሎ ኵነታትን፡ ኣብ ሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲ ወፃኢን ኣመሪካ ዘሻቕልን ፍሉይን ስግኣት ከንፀላሉ፡" ከም ዝገበረ ኣመልኪቱ።

በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ብነበር ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተነበረን ተፈፃምነቱ ብ07 መስከረም 2018 (ግእዝ) ከብቅዕ ዝነበሮን ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ህፁፅ እዋን፡ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክቕፅል ዶናልድ ትራምፕ ወሲኑ ኣሎ።

ባይደን ብ07 መስከረም 2014 (ግእዝ)፡ ምስዚ ደማዊ ኵናት ብዝዛመድ ግህሰታት ፈፂሞም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ውልቀሰባትን ትካላትን ማዕቀብ ምንባር ዘኽእል 14046 ዝተባህለ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ከም ዘሕለፈ ይዝከር።

እዚ ትእዛዝ፡ እቲ ኲናት ክናዋሕ ግደ ዘለዎም፡ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ዘተዓናቐፉ፡ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ንኸይግበር ዕንቅፋት ብምዃን ብቐጥታ ተሓተትቲ ኣብ ልዕሊ ዝዀኑ ወይ ተሓባበርቶም ማዕቀብ ክግበር ዝፈቅድ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ዝፈረሞ ትእዛዝ፡ ብቐንዱ ንሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ኣባላት ህወሓትን ዒላማ ዝገበረ እዩ።

እዚ ትእዛዝ ድሕሪ ምውፅኡ ኣፈፃሚ እዚ ትእዛዝ ዝዀነ ቤተ-ግምጃ ኣመሪካ (ዲፓርትመንት ኦፍ ትሬዠሪ)፡ ኣብቲ ኵናት ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ሰበስልጣን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ማዕቀብ ከም ዘንበረ ይፍለጥ።

እዚ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ንሓደ ዓመት ዝፀንዕ ብምዃኑ ድማ እቲ ውሳነ ካብ ዝሓለፈሉ መስከረም ጀሚሩ፡ በብዓመቱ ብፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ክሕደስ ፀኒሑ።

ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ፡ ሓደ ድንጋገ "ሃገራዊ ህፁፅ ግዜ" ዝተመደበሉ እዋን ቅድሚ ምብቅዑ ኣብ ዘለዉ 90 መዓልታት ፀኒዑ ክቕፅል ዝገብር ሕቶ እንተ ዘይቀሪቡ ተፈፃምነቱ ስለ ዘብቅዕ እዩ፡ ትራምፕ ብዘለዎ ንክቕፅል ዝእዝዝ ደብዳበ ብረቡዕ ፈሪሙ ዘሎ።

እዚ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ኣብቲ ደማዊ ኵናት ንዝተሳተፉ ኵሎም ኣካላት ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ዝተፈላለዩ ግህሰታት ዝፈፀሙን ሰላም ከይፍጠር ማሕለኻ ንዝዀኑን ተሓተትቲ ንምግባር፡ ንቤተ-ግምጃ ኣመሪካ ስልጣን ዝህብ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ትእዛዝ ኣብ ዝወፀኣሉ እዋን፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓዘቶ መርገፂ ዘለዎ ቅረታ ብደብዳበ ምግላፁ ይዝከር።

ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኽናዋሕ ተወሲኑ ዘሎ እዚ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ደማዊ ኵናት ትግራይ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ተገቲኡ ሳልሳይ ዓመት ክሕዝ ኣብ ዝገማገመሉ ዘሎ እዋን'ኳ እንተዀነ፡ ኣመሪካ ብዘንበረቶም ማዕቀባት ኣብ መርገፂኣ ፀኒዓ ትርከብ።