ትራምፕ፡ ናብታ ብጐንጺ ትሕመስ ዘላ ብማዕድናት ሃብታም ኮንጎ ገጹ ክጥምት ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣንጻር ሓይልታት መንግስቲ ምስ ዝግስግሱ ዘለው ዕጡቓት ኤም23 ዝኣተወቶ ረጽሚ ስዒቡ፡ መሓዛ ንምርካብ ገጻ ናብ ኣመሪካ ዘዘረት ትመስል።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጥቕሚ ኣብ ዝተመስረተ ዝምድናታት ከም ዘቐድም ብምግንዛብ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ዝቐረበ ስምምዕ ማዕድናት ዩክረይንን ኣመሪካን ብምርኣይ፡ እታ ብመዓድን ሃብታም ዝዀነት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ምስ ዋሽንግተን ናይ ገዛእ ርእሳ ስምምዕ ክትገብር ተስፋ ትገብር።
ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሓም ጓሉ ቲፋኒ ንዝዀነ ውልቀሰብ ኣብቲ ዞባ ጕዳይ ኣመሪካ ንክከታተል ክሾሞ'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኮንጎ ፓትሪክ ሙያያ፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ስምምዕ ንምግባር መደብ ከም ዘለዋን "ገለ ኣገዳሲ ማዕድናት" ከተቕርባ ከም እትደሊን ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
"ብርግጽ... ብዛዕባ ጸጥታ'ውን ክንዘራረብ ንኽእል ኢና፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ሕጂ ስለ ምንታይ ብዛዕባ ናይ ስምምዕ ወረ ይዝረብ?
እታ ሃገር፡ ብወተሃደራዊ መዳይ ተጸጋጊማ እያ ዘላ።
ብጐረቤት ሃገር ርዋንዳ ዝድገፉ ዕጡቓት ኤም23፡ ኣብ ገለ ክፋል ናይቲ ብማዕድናት ዝሃብተመ ዞባ ምብራቕ እታ ሃገር ሰፋሕቲ ቦታታት ተቘጻጺሮም ኣለው።
ካብ ሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዝተወጻጽአ ዞባዊ ሓይሊ ሓገዝ ክገብረላ እንተተላእኸ'ዉን፡ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ክገትኦ ኣይክኣለን።
ኤም23፡ ናብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ብምግስጋስ ነታ 1600 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ናይ ምቍጽጻር ዕላማ ኣለዎም።
እቲ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፕረዚደንት ፌሊክስ ትሺሰከዲ ንመርገጺኡ ዝድግፍ መገድታት ክጥምት ምጅማሩ ዘገርም ኣይኰነን።
ብ22 ለካቲት፡ ትሺሰኬዲ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ስትራተጂካዊ ማዕድናት ዘሳትፍ ስምምዕ ተገዳስነት ከም ዘርኣየ ምግላጹ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ጸብጺባ።
ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ንሴናተራት ኮንጎ ወኪሉ ናብ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ "ቁጠባውን ወተሃደራውን ሽርክነት" ዘጠቓለለ ስምምዕ ንምፍጣር ድልየት ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኣመሪካ እንታይ ትርባሕ?
ደሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ 24 ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ዘይተጠቕመሉ ጸጋታት ከም ዘለዋ ይግመት - እዚ ኮባልት፣ ወርቅን ነሓስን ይሓውስ።
ኣብዚ እዋን'ዚ እታ ሃገር ኣብ ዓለም ዝዓበየት ኣቕራቢት ኮባልት ኰይና እዚ መዓድን ንኣጽዋርን ምርምር ህዋን ከምኡ'ዉን ብኤሌክትሪክ ኣብ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ንዝርከቡ ባትሪታት ኣገዳሲ'ዩ።
እንተዀነ እዚ መብዛሕትኡ ናብ ቻይና'ዩ ዝለኣኽ።
ብተወሳኺ፡ ዕቍር ሊትየም፣ ታንታለምን ዩራንየምን ኣለዋ፤ እዚኦም እውን ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ይውዕሉ'ዮም።
ኵባኒያታት ኣመሪካ፡ ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ናብ ኣንጐላ ዝዝርጋሕ መገዲ ይሃንጹ እኳ እንተሃለዉ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ዕደና ኮንጎ ኣይተዋፈሩን ዘለዉ።
ቻይና ኣብ ጽላት ማዕድናት ኮንጎ ኣብ እትዕብለሉ ዘላ እዋን፡ "ዝሰፍሕ ስትራተጂካዊ ክፍተት ክህሉ ይኽእል'ዩ፡ ተጻባእቲ ሃገራት ንጸጋታት ኣፍሪቃ ክቈጻጸርኦ ይኽእላ'የን፡" ይብል እቲ ናብ ሩቢዮ ዝተላእከ ደብዳበ።
ኣብዚ እዋን ብዙሓት ግምታት'ኳ እንተሃለዉ፡ ወሃቢ ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ኣመሪካ "ንግዝኡ ዝዀነ እንርእዮ ኰነ ወግዓዊ እንገብሮ ነገር የለን፡" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ትራምፕ፡ ኣመሪካ "መሪሕ ኣፍራይት ካብ ነዳዲ ወጻእ ዝዀኑ መዓድናት ክትከዉን ኣለዋ፡" ብዝብል ዘውጽኦ መደብ ስዒቡ፡ ምስ ኮንጎ ስምምዕ እንተገይሩ ዘገርም ኣይኸዉንን።
ኮንኮ ኸ እንታይ ትርባሕ?
እቲ ቀንዲ ክትረኽቦ እትኽእል ረብሓ፡ "ወተሃደራዊ ዝምድና ምጥንኻር'ዩ፡" ይብል እቲ ናብ ሩቢዮ ዝተላእከ ደብዳበ።
እዚ ድማ፤
- መዓድናት ዝቐርበሉ መገዲ ንዝሕልዉ ወተሃደራት ስልጠናን ዕጥቅን ምሃብ
- ኣመሪካ ኣብ ኮንጎ፡ "ስትራተጂካዊ ዝዀኑ መዓድናት ንክትሕሉ" ወተሃደራዊ መዓስከራት ክሃንጽ ምፍቃድ
- ከምኡ'ውን ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ብወተሃደራት ኮንጎን ኣመሪካን ክትክኡ ምግባር ዝብል ይርከቦ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኮንጎ ነዚ ዝርዝራት ከረጋግጾ እኳ እንተዘይደለየ፡ ክውንነታውን ኣድማዕን ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ብመሰረት ተንታኒት ትካል ኣህጉራዊ ጕዳያት ደቡብ ኣፍሪቃ ስቲፋኒ ዎልተርስ፡ ኪንሻሳ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ እንተደየት'ዉን "እዚ ክዉን ክዀነሉ ዝኽእል ብዙሕ ተኽእሎ የለን፡" ትብል።
ካብዚ ሓሊፉ "ሓገዝ ኣጽዋርን ስልጠናን ነዊሕ ግዜ ዝወስዱ መስርሓት'ዮም፡" ኢላ።
ይኹን'ምበር፡ ንግዝኡ ክልቲኦም መንግስታት ብዛዕባ እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ስምምዓት ጭቡጥ ሓበሬታ ኣይሃቡን ዘለዉ።
ማሳድ ቦዉሎስ ግን፡ ልኡኽ ግሬት ሌክስ ኰይኑ ክሽየም ትጽቢት ይግበር።
ንሱ፡ ኣቦ ንጓል ትራምፕ ቲፋኒ ዝተመርዓወ ማይክል እዩ።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ድማ ንትራምፕ ኣማኻሪ ጕዳያት ሃገራት ዓረብን ማእከላይ ምብራቕን ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







