ብሕማም ረሲዕ ንዝተጠቕዑ ዝሕግዝ ዘሎ ቴክኖሎጂ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ 18 ሽሕ ሕማም ረስዒ ዝነብሮም ኣረጋውያን ካብ ገዝኦም ወጺኦም ኣብ ጐደናታት ጃፓን ኮለል ክብሉ ተራእዮም። ኣስታት 500 ኣረጋውያን ሞይቶም ተረኺቦም።
ፖሊስ ከምዚ ዓይነት ጕዳያት ካብ 2012 ጀሚሩ ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ገሊጹ። እቲ ቅልውላው፡ ብዝሒ ኣፍራዪ ሓይሉ እናነከየ ብምምጽኡን ክንክን ንምሃብ ዝኣትዉ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ጽኑዕ ገደብ ብምህላውን ተጋዲዱ ይርከብ።
መንግስቲ ጃፓን፡ ሕማም ረስዒ ሓደ ካብቲ ህጹጽ ፖሊሲ ብድሆታቱ ምዃኑ ኣለልዩዎ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ድማ ምስ ሕማም ረስዒ ዝተኣሳሰር ወጻኢታት ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ክሳብ 2030፡ 14 ትሪልዮን የን (90 ቢልየን ዶላር) ክበጽሕ ምዃኑ ይግምት።
እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2025 ዝነበረ ትሽዓተ ትሪልዮን የን ዝዛየደ እዩ። መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ስትራተጂ፡ ነቲ ጸቕጢ ንምቅላል ትዅረቱ ናብ ቴክኖሎጂ ከም ዘዘምብል ኣመላኺቱ ኣሎ።
ኣብ መላእ ሃገር፡ ነቶም ኮለል ዝብሉ ሰባት ንምክትታል፡ ኣብ ጂፒኤስ ዝተመኰሰ ስርዓታት ይጥቀሙ ኣለዉ።
ገለ ዞባታት ሓደ ሰብ ካብ ዝተመደበሉ ቦታ ኣብ ዝወጽኣሉ ህሞት ንሰበስልጣን ሓበሬታ ክህብ ዘኽእል ናይ ጂፒኤስ መለለዪታት የቕርባ።
ኣብ ገለ ከተማታት፡ ሰራሕተኛታት ድኳናት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ንዝጠፍአ ሰብ ሓበሬታ ዝህቦም መሳርሒታት ቴክኖሎጂ ተዋሂቡዎም ኣሎ።
ኣለይቲ ሮቦትን ኤ.ኣይን
እቶም ካልኦት ቴክኖሎጂታት ድማ ሕማም ረስዒ ኣቐዲምካ ንምፍላጥ ዝዓለሙ እዮም።
'Fujitsu's aiGait' ኣቃውማን ቅዲ ምጕዓዝን ዝትንትን ኤኣይ ይቀጥም፤ ብኣጋኡ ምልክታት ሕማም ረስዒ ይወስድ - ሓደ ሰብ ብእግሩ ኣብ ዝኸደሉ እዋን እግሩ ዝጐትት ወይ ሓጺር ስጕሚ ዝገብር እንተዀይኑ ወይ ደው ምባል ምጽጋም ዝብሉ ምልክታት ብምእካብ ሰብ ሞያ ስሩዕ መርመራታት ኣብ ዝገብርሉ እዋን ገምጋም ንክገብሩ ዘኽእሎም ሓበሬታታት ይእክብ።
"ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰሩ ሕማማት ብኣግኡ ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ፡" ይብል ወሃቢ ቃል ፉጂትሱ ሂዴኖሪ ፉጂዋራ።
"ሓካይም ነዚ ዝእከብ መረዳእታ ክጥቀሙ እንተኽኢሎም፡ ኣቐዲሞም ጣልቃ ክኣትዉን ሰባት ንነዊሕ እዋን ንጡፋት ኰይኖም ክጸንሑ ክሕግዙን ይኽእሉ።"
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ዋሰዳ፡ "መጻኢ" ኣላዪ ክኸውን ዝተዳለወ 'AIREC' ዝተባህለ 150 ኪሎ ዝምዘን ሰብ ዝመስል ሮቦት የማዕብሉ ኣለዉ።
ሓደ ሰብ ካልሲ ክለብስ፡ እንቋቑሖ ከብስልን ክዳውንቲ ክዓጽፍን ክሕግዞ ይኽእል።
ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ዋሰዳ ዝርከቡ፡ ኣብ ቀጻሊ፡ እዚ ሮቦት ሙሉእ ንሙሉእ ሕሙማት ከላዕል ከም ዝኽእል ተስፋ ኣለዎም።
ድሮ ተመሳሳሊ ሮቦታት ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን ሙዚቃ ንምጽዋት ወይ ኣብ ቀለልቲ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ምሕጋዝ ይውዕሉ ኣለዉ።
ብተወሳኺ ንሕሙማት ኣብ ለይቲ ይከታተሉ ኣለዉ፤ እዚኦም ኣብ ትሕቲ ፍራሽ ብምቕማጥ ኵነታት ድቃስ ይከታተሉ።
ዋላ እኳ ሰብ ዝመስሉ ሮቦታት ይምዕብሉ እንተሃለዉ፡ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ታሞን ሚያከ ግን ኣ ብጥቕሚ ቅድሚ ምውዓሎም፡ እቲ ዝድለ ደረጃ ብልሒ ንከማዕብሉ ብውሑድ ሓሙሽተ ዓመት ክወስድ ምዃኑ ይረዛብ።
"ኵነታት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከመይ ገይርካ ትከታተሎ ዝብል፡ ምሉእ ኣካላት ናይ ምልላይን ምርዳእን ዓቕሚ ይሓትት፡" ይብል።
ስምዒታዊ ደገፍ ክህቡ ምግባር እውን ኣካል ናይቲ ናይ ምህዞ እዩ።
ፖኬቶሞ ዝተባህለ 12 ሴንቲ ሜተር ቁመት ዘለዎ ሮቦት፡ ኣብ ቦርሳ ተሰኪምካዮ ክትዘውር ትኽእል ወይ ድማ ኣብ ጁባ ክኣቱ ይኽእል።
እዚ፡ ተጠቀምቲ መድሃኒት ክወስዱ ዘዘኻኽር ኰይኑ፡ ኣብ ደገ ንዘሎ ኵነታት ኣየር ከመይ ጌርካ ከም እትዳሎ ይነግረካን ነቶም በይኖም ዝነብሩ የዕልሎምን።
መሃዝቲ እዚ ሮቦት፡ እዚ ዓቕምታቱ ሰባት ዘጋጥሞም ማሕበራዊ ተነጽሎ ክንኪ ይሕግዝ ይብሉ።
"ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ኢና ነተኩር ዘለና... ከምኡ'ውን ነቶም ጸገማት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ምጥቃም፡" ክብል ሓላፊ ልምዓት ሻርፕ፡ ሚሆ ካጌይ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ መንጐ ሰባት ዘሎ ምትእስሳር ዝህቦ ሩፍታ ዝትክእ ነገር'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ሮቦታትን መሳርሒታትን ሓድሽ መገዲ ሓገዝ ክተኣታቶ ይሕግዙ ኣለው።
"ሮቦታት ንሰባት ኣለይቲ ክምልኡ እምበር ክትክኡዎም የብሎምን፡" ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ዋሰዳ ሚያከ።
"ገለ ዕማማት ክሕዙ ይኽእሉ፤ ቀንዲ ተራኦም ግን ንኣለይትን ሕሙማትን ምሕጋዝ'ዩ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







