ካናዳ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብመኪና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዛጊት እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብቐዳም 26 ሚያዝያ ኣብ ካናዳ ከተማ ቫንኮቨር ብመኪና ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣብቲ ኣብ ባህሊ ፊሊፒንስ ዝኽበር ዓመታዊ ፈስቲቫል 'ላፑ ላፑ' ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት እውን ቈሲሎም።
ወዲ 30 ዓመት ጥርጡር ካይ-ጂ ኣዳም ሎ ከምዝበሃል ኰይኑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ።ብዙሕ ክስታት ቅትለት ከኣ ይቐርበሉ ኣሎ።
እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
እቲ መጥቃዕቲ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ቀዳም ከባቢ ሰዓት 20፡14፡ ኣብቲ ዓመታዊ ፈስቲቫል 'ላፑ ላፑ' ዝኽበረሉ ምድላው እዩ ተፈጺሙ።
ፖሊስ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣብቲ ምድላው ተረኺቦም ምንባሮም ይሕብር።
ኣብቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓንቲ መኪና ከምዝተሳተፈት ተሳተፍቲ እቲ ፈስቲቫል ገሊጾም።
ኣቢጋይል ኣንዲሶ ዝተበሃለት ምስክር ዓይኒ፡ "በቲ ጐደና ጥሒሳ ዝሓለፈት መኪና ኣብ ቅድሚት ንዝጸንሐ ዅሉ ሰብ ትገጩ ነይራ" ክትብል ንወኪል ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ተዛሪባ።
"ሓደ ሞይቱ፤ ሓደ ሰብኣይ ከኣ ኣብ መሬት ወዲቑ ርእየ። ሽዑ ናብቲ እታ መኪና ዝኸደትሉ መወዳእታ ገጽ ከይደ፤ ዝያዳ ጉድኣት ከኣ ርእየ። ምናልባት 20 ሰባት ዝዀኑ ወዲቘም ነይሮም። ኵሉ ሰብ ሰንቢዱ፡ የእዊ ነይሩ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጀምስ ክሩዛት ዝተበሃለ ካልእ ምስክር ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ልቢ ዝሰብር እዩ ነይሩ። ብሓቂ ኣብ ሓቀኛ ህይወት ይፍጸም ከምዘሎ'ውን ክግምት ኣይከኣልኩን። ምኽንያቱ ከምኡ ዝበለ ፍጻመታት ቲቪ ወይ ፊልምታት ኢና ንርኢ፣ ናይ ብሓቂ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ፡" ክብል ነቲ ኵነታት ገሊጽዎ።
ካልኦት መሰኻኽር ከም ዝሕብርዎ፡ ገለ ካብቶም ዝተሃርሙ እግረኛታት ኣብቲ ናይ መግቢ መካይን ደው ዝበላሉ ቦታ ብቐረባ ነይሮም።
መራሒ እታ መኪና ኣብቲ ቦታ ብዝጸንሑ ሓለፍቲ መገዲ ዝተትሓዘ ኰይኑ ብኣባላት ፖሊስ ድማ ተወሲዱ።
በዓል 'ላፑ ላፑ' እንታይ እዩ?
ዝካየዱ ተመሳሰልቲ በዓላት፡ ነቲ ኣብ 1500ታት ንመግዛእቲ ስጳኛ ዝተቓወመ ሃገራዊ ጅግና ላፑ-ላፑ ንምዝካር፡ ዓመት መጸ ይካየድ።
ላፑላፑ መራሒ ናይቶም ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ደሴት ማክታን ዝነብሩ ደቀባት እዩ ነይሩ።
ኣብ 1521 ንሱን ህዝቡን ነቲ ብፈርዲናንድ ማጀላንን ገለ ካብቶም ተወለድቲ መሻርኽቱን ዝምራሕ ሓይልታት ስጳኛ ኣብ ውግእ ማክታን ብምስዓር፡ ስጳኛውያን ነቲ ዞባ ንምግዛእ ዝነበሮም ባህጊ ብ 40 ዓመታት ክደናጒ ገይሮም።
ኣብ ዘመናዊት ፊሊፒንስ ከም ጅግና ይቝጸር፤ ንኽብሩ ዝኸውን ሓወልትታት ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተተኺሎም ይርከቡ።
ሓያሎ ትካላት መንግስቲ ፊሊፒንስ - ከም ሃገራዊ ኣገልግሎት ፖሊስ - ምስሉ ኣብ ማሕተሞም ይጥቀሙሉ።
መዓልቲ ላፑ ላፑ ብምምሕዳር ብሪቲሽ ኮሎምብያ - ካናዳ - ኣብ 2023 ብወግዒ ኣፍልጦ ረኺቡ። ፊሊፒናውያን ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ጕጅለታት ስደተኛታት ኣብታ ግዝኣት'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ግዳያት መን'ዮም?
ኣብ ቫንኮቨር ዝካየድ ፈስቲቫል ላፑ ላፑ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ፊሊፒንስን ኣብ መላእ ዓለምን
ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ መንነት ናይቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉን ዝቘሰሉን ብዝርዝር ዝፍለጥ ነገር የለን።
ግዝያዊ ሓላፊ ፖሊስ ቫንኮቨር ስቲቭ ራይ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ካብቶም ግዳያት ምዃኖም ገሊጹ።
ዕድመኦም ከኣ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 65 ዓመት ከምዝዀነ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ቫንኮቨር ዝርከብ ስጡም ምትእስሳር ዘለዎ ማሕበረሰብ ፊሊፒናውያን ኣዝዩ ጸልይዎ ኣሎ።
ሓላፊ ትካል ቢሲ ፊሊፒንስ ኣር.ጀይ ኣኪኖ "ትማሊ ምሸት ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ። እዚ ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስምዒት ክኸውን'ዩ" ኢሉ።
"ብዙሕ ሕቶታት ይለዓል ከምዘሎን ንዅሉ መልሲ ከምዘይብልናን ንፈልጥ ኢና። እንተዀነ ንዅሉ ሰብ ንሓዝን ከምዘለና ክንነግሮ ንደሊ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ጥርጡር መን እዩ?
ፖሊስ ነቲ ወዲ 30 ዓመት ጥርጡር ካይ-ጂ ኣዳም ሎ ክብል ገሊጽዎ። ብሸሞንተ ገበናት ካልኣይ ደረጃ ቅትለት ድማ ከሲስዎ ኣሎ።
ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እቲ ገምጋም ክሲ ቀጻሊ ኰይኑ፡ ተወሳኺ ክሲ ክቐርብ ትጽቢት ይግበር" ኢሉ።
መርመርቲ መንቀሊ'ቲ መጥቃዕቲ እኳ እንተዘየረጋገጹ፡ ግዝያዊ ሓላፊ ፖሊስ ቫንኮቨር ስቲቭ ራይ ግን "ኣብዚ ጉዳይ ዘሎ መርትዖታት እቲ ተግባር ግብረሽበራዊ እዩ ኢሎም ክኣምኑ ከምዘይድርኾም" ርግጸኛታት ምዃኖም ገሊጹ።
እቲ ጥርጡር፡ "ምስ ጥዕና ኣእምሮ ብዝተኣሳሰር ምስ ፖሊስን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ዝነበሮ ርክብ ርኡይ ታሪኽ ከምዘለዎ" ስቲቭ ራይ ወሲኹ ሓቢሩ።
ከንቲባ ቫንኮቨር ኬን ሲም ብተመሳሳሊ "ኣብዚ መሰረታዊ ነገር፡ ጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ ኰይኑ ዘሎ ይመስል" ኢሉ።
እቲ ጥርጡር ቅድሚ ሕጂ ምስ ፖሊስ ዝገበሮ ርክብ፡ እንታይ ከም ዘጠቓለለ ወይ መዓስ ከም ዝተፈጸመ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







