መኪና ህዝቢ ናብ ዝተኣከበሉ ጥሒሳ ብምእታዋ 'ብዙሓት ሰባት' ሞይቶም

ቫንኮቨር

ምንጪ ስእሊ, Google

ካናዳ ኣብ እትርከብ ከተማ ቫንኮቨር፡ ሓንቲ መኪና ናብ ህዝቢ ጥሒሳ ብምእታዋ ስዒቡ "ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ" ፖሊስ እቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ፖሊስ ቫንኮቨር፡ ኣብቲ ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ጎደናታት ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኣብ ዘጋጠመ ፍጻመ ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉ'ውን ገሊጹ።

ፖሊስ፡ እቲ መራሒ መኪና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘሎ ዝሓበረ ኮይኑ ክንደይ ሰባት ከምዝተቐትሉ ዛጊድ ኣይተፈልጠን።

ፖሊስ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሓደ መራሒ መኪና ኣብ ጎደና ፈስቲቫል ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ሰዓት 20፡00 ህዝቢ ናብ ዝተኣከበሉ ስፍራ ጥሒሱ ከምዝኣተወን ኣብቲ ጉዳይ ምርመራታት የካይድ ከምዘሎን ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ካናዳ መርመራ እናተኻየደ እንከሎ ተወሳኺ ሓበሬታ ከስዕብ ምዃኑ'ውን ወሲኹ ገሊጹ'ሎ።

ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ከምዝሓበርኦ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ባህሊ ፊሊፒንስ ዘኽብር በዓል ላፑ ላፑ፡ እግረኛታት ብመኪና ከምዝተሃረሙ ይሕብሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘይተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ብርክት ዝበላ መካይን ፖሊስ፡ ኣምቡላንሳትን ሞተር መጥፋእቲ ሓዊን ኣብቲ ቦታ ከምዝነበራን፡ ዝተጎድኡ ሰባት ኣብ መሬት ደቂሶም ከምዘለዉን ይሕብር።

ከንቲባ ቫንኮቨር ኬን ሲም ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "በቲ ኣብ ናይ ሎሚ መደብ መዓልቲ ላፑ ላፑ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ከም ዝሰንበደን ኣዝዩ ከም ዝሓዘንን" ገሊጹ።

ኣስዒቡ ድማ፡ "ሕሊናና ምስ ኩሎም ዝተጎድኡን ማሕበረሰብ ፊሊፒናውያን ቫንኮቨርን'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።