ኢራን፡ ህዝባዊ ቁጥዓ ዝፈጥር ዘሎ 40 ሰባት ዝቐተለ ባርዕ-ሓዊ

IRANIAN RED CRESCENT/HANDOUT

ምንጪ ስእሊ, IRANIAN RED CRESCENT/HANDOUT

ኣብ ሓደ ዓቢ ወደብ ኢራን ብዘጋጠመ ሰፊሕ ፍንጀራ ብውሕዱ 40 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 1000 ድማ ቈሲሎም ኣብ ዘለዉሉ፡ እቲ ክስተት ሰፊሕ ቁጥዓ ኣስዒቡ።

ብዙሓት ሰባት ደም ንምሃብ ናብቲ ኣብቲ ዝርከባ ሆስፒታላት ክጓየዩ ተራእዮም።

እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ንግሆ ኣብ ከባቢ ከተማ ባንዳር ዓባስ ኣብ ዝርከብ ዝዓበየ ንግዳዊ ወደብ እታ ሃገር ሻሂድ ራጃይ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ክሳብ 50 ኪ.ሜ ርሒቑ ክስማዕ ከምዝኽኣለ'ውን ነበርቲ ይዛረቡ።

ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ባርዕ ገና ዝነድድ ዘሎ ኰይኑ፡ መርዛማት ኬሚካላት ዝሓዘለ ፀሊም ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ከባቢ ኣንጸላልዩ ይርከብ።

ነበርቲ እታ ከተማን ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ነበርትን፡ "ክሳብ ተወሳኺ ምልክታ" ዝወሃቦም፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክጸንሑን ዝያዳ መከላኸሊ ክዳውንቲ ክለብሱን ብሚኒስትሪ ጥዕና ተነጊርዎም ኣሎ።

ኣብታ ኣብ ጥቓ ደቡባዊት ከተማ ባንዳር ዓባስ እትርከብ፡ ቀንዲ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ዝርከበላ ወደብ፡ ሰበስልጣን ኣብቲ ህጹጽ -ህይወት ናይ ምድሓን ጻዕሪ ከተኩሩ ምእንቲ፡ ኵለን ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ጽሕፈታትን ክዕጸዋ ከምዝኣዘዙ መንግስታዊ ተሌቪዥን ሓቢሩ።

ኣብ ከባቢ ወደብ ሻሂድ ራጂ ንተሃድሶ ዝተኣከበ ህዝቢ፡ ብሰንኪ'ቲ ሓደጋ ሃንደበት ናብ ዝኽርን ጸሎትን ምዉታትን ንዝተጐድኡ ምጽላይን ተቐይሩ፤ እቲ ኣጋጣሚ ቍጥዐ ዝተሓውሶ ከምዝዀነ ድማ ዝወጹ ዘለዉ ሓበሬታታት የመልክት።

ሰብመዚ ሰኑይ ሃገራዊ ሓዘን መዓልቲ ዝኣወጁ ኰይኖም፡ ኣብ ዞባ ሆርሞዝጋን ተወሳኺ ናይ ክልተ መዓልታት ሓዘን ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኢራን፡ ብሓደ ወገን በቲ ፍንጀራን ባርዕ ሓውን ብኣካል ክትናወጽ እንከላ፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ምውቕቓስን ቁጥዐን ይምዕብል ኣሎ።

ሓደ ናይ ብሕቲ ኩባንያ ሓይሊ ባሕሪ፡ እቶም በቲ ባርዕ ዝተሃስዩ ኮንተይነራት፡ ኣብ ምፍራይ ባሊስቲክ ሚሳይላት ዝውዕል ነዳዲ ዝሓዙ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይገልጽ።

ትካል ጸጥታ ኣምብሬ፡ እቲ ባርዕ "ንባሊስቲክ ሚሳይላት ኢራን ዝውዕል ነዳዲ ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ" ስዒቡ ከምዝተፈጥረ ገሊጹ።

ኣምብሬ፡ እታ ባንዴራ ኢራን ተንበልብል መርከብ፡ "ኣብ መጋቢት 2025 ሶድየም ፐርክሎሬት ዝበሃል ነዳዲ ሮኬት ኣብቲ ወደብ ኣራጊፋ" ኢሉ።

ኒውዮርክ ታይምስ ንሓደ ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ርክብ ዘለዎ ሰብ ብምጥቃስ፡ እቲ ዝተፈንጀረ ሶድየም ፐርክሎሬት - ቀንዲ ቀመም ነዳዲ ሚሳይላት ምዃኑ ገሊጹ።

ገለ ኢራናውያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወተሃደራውን ሓለዋ ሰውራን ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቻይና ኣብቲ ወደብ ዘራገፉዎ ነዳዲ ሮኬት ይዕቅብዎ ከምዘለዉ ዝገልጽ ግምታት ይንዛሕ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ነቲ ክሲታት ይነጽግ።

ብዙሓት ግን፡ ንሰበስልጣን ብዘይብቕዓትን ሸለልትነትን ይወቕሱ ኣለዉ።

እቲ ባርዕ ሓዊን ፍንጀራን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብቢቢሲ ዝተራእየን ዝተረጋገጸን ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዘመላክቶ፡ ቅድሚ እቲ ፍንጀራ ባርዕ ሓዊ ከምዝነበረ ይሕብር።

ኣብቲ ስእሊ፡ ሰባት ካብቲ ሓደጋ ንምድሓን ክጐዩን ግዳያት እቲ ፍንጀራ ኣብ መሬት ክወድቁን ይረኣዩ ነይሮም።

ሓደ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሰብ፡ "እቲ መኽዘን ምሉእ ብምሉእ ብትኪ፡ ሓመድን ሓሙኽሽትን መሊኡ ነይሩ። ንባዕለይ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጠረጴዛ ተሸጒጠ ረኺበ፤ ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ክኣቱ ዝኸኣልኩ ባዕለይ ድየ ወይስ እቲ ፍንጀራ ደርብዩኒ ኣይዝክሮን እየ፡" ክብል ንሃገራዊ መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ካብ ሰማይ ዝተቐድሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ እቲ ባርዕ ብውሑዱ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ቦታታት ከምዝተዘርግሐ ዘርኢ ኰይኑ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢራን ድማ እቲ ባርዕ ካብ ኮንተይነር ናብ ኮንተይነር ይዝርጋሕ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽክያን ትማሊ ሰንበት ናብቲ ፍንጀራ ዝተፈጸመሉ ቦታ ብምኻድ፡ "መንግስቲ ክከታተሎ ዝግባእ ነገር ወይ ዝኾነ ጉዳይ እንተሃልዩ ብቐጥታ ክንርኢ ኢና መጺእና" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ፍጻመ ክምርመር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ መርመራ ክመርሕ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ናብቲ ቦታ ልኢኹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ረዛ ታላይ-ኒክ፡ ድሒሩ ንመንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብቲ ከባቢ ንወተሃደራዊ ነዳዲ ወይ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ወይ ዝለኣኽ ጽዕነት ከምዘየለ" ኣፍሊጡ።

ሰበስልጣን ጉምሩክ እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ግን፡ እቲ ፍንጀራ ኣብ ሓደ ሓደገኛ ኬሚካላት ዝሓዘ መኽዘን ብዝተፈጥረ ባርዕ ዝተበገሰ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ወደብ ሻሂድ ራጃይ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩን ዘመናውያንን ንግዳዊ ወደባት ኢራን ኰይና፡ 80 ሚእታዊት ኣታውን ወጻእን ዝግበረሉ እዩ። እቲ ፍጻመ ንቝጠባ እታ ሃገር ከይጸሉ ድማ ተሰጊኡ ኣሎ።

ባርዕ ሓዊ ኢራን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሰንበት፡ ሰበስልጣን እቲ ወደብ ንዝተወሰነ እዋን ካብ ስራሕ ወጻኢ ብምዃኑ፡ ሕጽረት መግቢ ክህሉ ከምዝኽእል ኣጠንቂቘም ነይሮም።

ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ፍንጀራ ንገለ ክፋል ናይቲ ወደብ ጥራይ ከም ዝጸለዎን ዝተረፈ ድማ ብንቡር ይሰርሕ ከም ዘሎን ብምግላጽ ነቲ ስግኣት መሊሶም ከናእሱዎ ጀሚሮም።

ትማሊ ሰንበት ካብ ማዕከን ዜና ታስኒም ኢራን ዝተወስደ ምስሊ፡ ሄሊኮፕተር ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ከባቢ ማይ ንምዝርጋሕ ፡ ኣብቲ ብትኪ ዝተሸፈነ ሰማይ ትበርር ከምዝነበረት ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ንዝመጽእ ሳዕቤናት ንምሕጋዝ ብዙሓት ፍሉያት ነፈርቲ መጥፋእቲ ሓዊ ናብ ኢራን ክለኣኻ ኣዚዙ ምህላዉ ገሊጹ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ፓኪስታን፡ ህንዲ፡ ቱርኪ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሩስያን መልእኽቲ መግለጺ ሓዘን ሰዲደን ኣለዋ።

ባርዕ ሓዊ ኢራን

ምንጪ ስእሊ, IRANIAN PRESIDENCY/HANDOUT

እቲ ብቐዳም ዝተፈጸመ ፍንጀራ፡ እታ ሃገር ምስ ኣመሪካ ብዛዕባ ኑክሌሳዊ ፕሮግራማ ኣብ እትዘራረበሉ ዘላ እዋን'ዩ ተፈጺሙ።

እቲ ኣብ ዖማን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ብጽቡቕ ይካየድ ከምዘሎ'ኳ እንተተገልጸ፡ ሓደ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢራን ነቲ ፍልልይ ንምጽባብ ገና ክግበር ዘለዎ ነገራት ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

እቲ ዝርርብ ዝመጽእ ሰሙን ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

ኢራን፡ ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ እንተተላዒሉ፡ ኑክሌሳዊ ፕሮግራማ ከተጉድል ድልውቲ ምዃና ትገልጽ፤ እንተዀነ ዩራንየም ንቝጠባዊ ልምዓት ክትብል ክትቅጽል ምዃና ኣፍሊጣ።