እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሒ ጀርመን ንምንታይ ኣብ ሕግታት ዓለም ዝተመርኰሰ ስርዓት 'ድሕሪ ደጊም የሎን' ኢሉ?
እቲ ኣብ ሕግታት ዝተመርኰሰ ስርዓት ዓለም "ድሕሪ ደጊም የሎን፡" ክብል ቻንስለር ጀርመን ኣብ ዓመታዊ ዋዕላ ጸጥታ ኣጠንቂቑ።
ፍሪድሪክ መርዝ ኣብቲ ኣብ ሙኒኽ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ንመራሕቲ ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ናጽነትና ውሕስነት የብሉን፡" ኢሉ። ኣብዚ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንምጭባጥ ዝግበር ዘሎ መስርሕ ኤውሮጳውያን "መስዋእቲ" ክኸፍሉ ድልዋት ክዀኑ ከም ዘለዎም ገሊጹ።
"ኣብ መንጎ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዓሚቝ ፍልልይ ከም ዝተፈጥረ፡" ድማ ተኣሚኑ።
እዚ ዋዕላ ዝቃናዕ ዘሎ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንልዑላውነት ዴንማርክ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ንግሪንላንድ ምስ ሃገሩ ክጽንብራ ከምኡ'ውን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝኣቱ ንብረት ታሪፍ ክውስኽ ኣብ ዘፈራርሓሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ኣብቲ ዋዕላ ተረኺቡ ንመደረ መርዝ ዘዳምጽ ዝነበረን ንሰንበት ናይ ባዕሉ ቃል ዘስምዕን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣቐዲሙ፡ "ኣብ ሓድሽ ዘመን ናይ ጂኦፖለቲካ፡" ይመጽእ ከም ዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ኣስታት 50 መራሕቲ ዓለም ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር። ኣብዚ ዋዕላ ብዛዕባ ምክልኻል ኤውሮጳን ዝምድና ምስ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዝተኣሳሰር ዓለምን ክዝተየሉ እዩ።
እዚ ዋዕላ፡ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ዝኣተወቶ መብጽዓ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝወደቐሉ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ትራምፕ ንግሪንላድ ክጽንብራ ዘርእዮ ዘሎ ድሌት፡ ሓያሎ መራሕቲ ኤውሮጳ ምስታ ቀንዲ መሓዛኦም ኣመሪካ ዝነበሮም ምትእምማን ኣላሕሊሑዎ ኣሎ።
ትራምፕ ግዳም ካብ ዋይት ሃውስ ኰይኑ ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ግሪንላንድ ክትደልየና እያ... ምስ ኤውሮጳ እምብዛ ንሰማማዕ ኢና፣ ከመይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ግሪንላንድ ንዛተ ኣለና፡" ኢሉ።
ኲናት ሩስያን ዩክረይንን፣ ኣብ መንጎ ምዕራባውያን ሃገራትን ቻይናን ዘሎ ወጥሪ፣ ከምኡ'ውን ክህሉ ዝኽእል ስምምዕ ንዩክለር ኢራንን ኣመሪካን እውን ኣብቲ ዓመታዊ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኰይኑ ኣሎ።
መርዝ፡ ኣብ ሕግታት ዓለም ተመርኲስካ ክኽየድ ዝጸንሐ ኣገባብ ይፈርስ ከም ዘሎን ብዙሕ መጠንቀቕታታት ይቐርብ ምህላዉን ብምጥቃስ፡ "ብዝያዳ ግልጺ ገይርና ክንገልጾ ኣለና። እቲ ስርዓት ዋላ'ኳ ኣብ ልዑል ደረጃኡ ኣይንበር፡ ደሕሪ ደጊም በቲ ዝጸንሖ መልክዕ የሎን፡" ኢሉ።
"ኣብ መንጎ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዓሚቝ ፍልልይ ተፈጢሩ ኣሎ። ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ነዚ [ዘረባ] ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብዚ ኣብ ሙኒኽ ብኣዝዩ ግልጺ መንገዲ ተዛሪቡዎ ነይሩ፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ "ሓቁ እዩ ነይሩ፣ ንኣመሪካ ዳግማይ ሓያል ምግባራ ዝብል ኲናት ናትና ኣይኰነን። ብናጻ ምዝራብ ንኽብሪ ሰብ ይዅን ሕገ-መንግስቲ ክጐድእ ኣይንፈቅድን ኢና። ኣብ ታሪፍ ወይ ምክልኻል ኣይንኣምን ኢና፣ ኣብ ናጻ ንግዲ ኢና ንኣምን፡" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቫንስ ንኤውሮጳ - እንተላይ ንዓባይ ብሪጣንያ - ዘጥቅዕ ተዛሪቡ ነይሩ፣ ብዛዕባ ብናጽነት ምዝራብን ሕግታት ኢምግረይሽንን። እቲ ዘረባ ድማ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤውሮጳን ንምሉእ ዓመት ዝኸደ ወጥሪ ኣንቂሉ።
እንተዀነ መርዝ፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ሽርክነት ኣይደምሰሶን። ነቲ ኣብ ሓድሕዶም ዘሎ ምትእምማን "ንጸግኖን ነበራብሮን፡" ክብል እዩ ብቐጥታ ንኣመሪካ ጻውዒት ኣቕሪብላ።
መራሒ ጀርመን ኣስዒቡ፡ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ሓባራዊ ምክልኻል ንዩክለር ኤውሮጳ ንምፍጣር "ምስጢራዊ ልዝብ፡" ይቕጽል ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ኣብ ኤውሮጳ ንዩክለር ዝዓጠቓ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ጥራሕ እየን። ጀርመንን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳን ግን ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ኔቶ ዝርከብ ንዩክለር ኣመሪካ እየን ክምርኰሳ ጸኒሐን።
ማክሮን ድሒሩ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤውሮጳ ኣብዚ ዘሎ ሓድሽ ዓለማዊ ኵነታት "ጂኦፖለቲካዊ ሓይሊ ንምዃን ክትመሃር፡" ደጊሙ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኤውሮጳ ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሰራዊታ ዳግማይ ትሃንጽ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ብቕልጡፍ ክስጕሙን ብሓባር ክሰርሑን ከም ዘለዎም ኣስሚርሉ።
ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኻየደ ኲናት፡ "ናይ ህላወ ፈተና፡" ክብል ብምግላጽ፡ ኣብቲ ጠለባት ናይ ሩስያ ከይኣትዉን ሰላም ንምንጋስ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ጸቕጢ ክውስኹን ተማሕጺኑ።
ቅድሚ ዋዕላ ሙኒኽ፡ ሩቢዮ፡ ንኤውሮጳውያን ዝሃቦ መልእኽቲ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝሃቦ መልእኽቲ ዝያዳ ዕርቂ ዝፈጥር ድዩ ዝብል ሕቶ ድሕሪ ምሕታቱ፡ "ዓለም ልክዕ ኣብ ቅድመና ኣዝያ ብቕልጡፍ ትቕየር ኣላ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
"ኣብ ጂኦፖለቲካ ኣብ ሓድሽ ዘመን ኢና ንነብር ዘለና፣ ኵላትና ድማ እዚ እንታይ ይመስልን ተራና እንታይ ክኸውን ምዃኑን ብገለ መልክዑ ዳግማይ ክንምርምሮ ክሓተና እዩ፡" ኢሉ።