ምቁራጽ ረድኤት 'ፖለቲካዊ' ስጉምቲ'ዩ - መንግስቲ ኢትዮጵያ

ረድኤት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣህጉራዊ ትካል ሓገዝ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ቀረብ ረድኤት ንምቁራጽ ዝወሰዶ ውሳነ 'ፖለቲካዊ' እዩ ብምባል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ዩኤስኤኣይዲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዘለዎ ረድኤት ኣብ ዘይመዓልኡ ስለዝወዓለ ነታ ሃገር ዝልግሶ ዝነበረ ረድኤት ከም ዘቋረጸን ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሚኒስትር ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገስ ቱሉ ትማሊ 11 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ብመንግስቲ ተቐባልነት የብሉን ክብል ነቒፉ።

እቲ ሚኒስተር እቲ ስጉምቲ "ጃምላዊ ውሳነ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንግስቱ ንሚልዮናት ዝቐጽዕ "ፖለቲካዊ እምበር ሰብኣዊ” ስጉምቲ ከም ዘይኰነ ከም ዝኣምን ገሊጹ።

ወሲኹ ዩኤስኤኣይዲ ኣብዚ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጽቡቕ ኣስማት ትካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጸሊሙ ክብል ከሲሱ።

ዩኤስኤኣይዲ፡ ትካላት መንግስቲ ፌደራልን ክልላትን ከምኡ’ውን ሓይልታት ምክልኻል ኣካል እቲ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም’ዮም ምባሉ ዝዝከር’ዩ።

ይኹን’ምበር እቲ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ፡ እቲ ብዩኤስኤኣይዲ ዝተኻየደ ስጉምቲ፡ መርመራ ቅድሚ ምዝዛሙ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንመንግስታት ፌደራል፡ ክልላትን ሓይልታት ምክልኻልን "ዘሕፍር" ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ዝዀነ ‘ረፍዩጂ ኢንተርናሽናል” ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ "ብዙሕ መጠን ረድኤት ኣብ ዘይመዓልኡ ምውዓሉ” ስዒቡ መንግስቲ ኣመሪካ "ነዚ ዓይነት ስጉምቲ ከም ዘይጻወሮ" ብንጹር ከርኢ ከም ዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ።

ብኣንጻሩ ሚኒስትር ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ውሳነ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዘሳቕይን ንቅልውላው ዘቃልዕን ስለዝዀነ መንግስቲ ከም ዘይቕበሎን ዳግማይ ክረአን ሓቲ ኣሎ።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ረድኤት ካብቲ ዝተሓሰበ ዕላማ ወፃኢ ኣብ ጥቕሚ ዘውዕሉ ውልቀሰባት ስጉምቲ ክወስድ ድሉው ምዃኑ ግን ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ግጭትን ድርቅን ሓገዝ ዘድልዮም ኣስታት 20 ሚልዮን ህዝቢ ከም ዘለዉ ይንገር።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሎም፡ ዩኤስኤድን ትካል ምግቢ ዓለምን፡ ኣብ ትግራይ ምጥፍፋእ ረድኤት ተፈጺሙ ብዝብል ምኽንያት ናብቲ ብዙሕ ሰብ ብሰንኪ እቲ ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ተጸባዪ ሓገዝ ዝዀነላ ክልል ዝገብሮ ረድኤት ጠጠው ምባሉ ዝዝከር እዩ።

እንተኰነ፡ ድሒሩ በቶም ትካላት ረድኤት ዝወጽአ መግለጺ፡ እቲ ምጥፍፋእ ኣብ ሽድሽተ ክልላት ምፍጻሙን፡ ሰብ ስልጣንን መንግስትን ወተሃደራትን ዘሳተፈ ምዃኑን ኣብ'ዚ ሰሙን ዕላዊ ገይሮም እዮም፡ ናብታ ሃገር ዝሰድዎ ረድኤት ደው ክብል ወሲኖም።