እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ሓደ ኣመሓዳሪ ዞባ ክቕተል እንከሎ 100 ተምሃሮ ተጨዊዮም
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣመሓዳሪ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ኣብ ከተማ ከሚሴ ብዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተለ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።
እቲ ብዓርቢ ካብ መስጊድ ናብ ገዛኡ እናተመለሰ እንከሎ ዝተቐተለ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባን ኣባል ማእከላይ ኮሚተ ብልጽግናን ዝዀነ ኣቶ ኣሕመድ ዓሊ ብዘይተፈልጡ ኣካላት ከምዝተቐተለ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ግን፡ እቲ ኣመሓዳሪ ብሸኔ ኢሉ ዝጸውዖም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከምዝተቐተለ ከሲሱ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ግን ብዛዕባ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ዝሃቦ ምላሽ የለን።
ኣቶ ኣሕመድ፡ ቅድሚ ኣመሓዳሪ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ምዃኑ ኣብ ሰልፊ ብልጽግናን ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ዝሰርሐ ኰይኑ ወዲ 39 ዓመት’ዩ ነይሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣምሓራ ተበጊሶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጕዓዙ ዝነበሩ ኣስታት 100 ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ብዕጡቓት ከምዝተጨውዩ ተገሊጹ።
እቶም መብዛሕቲኦም ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ደባርቕ ከምዝዀኑ ዝተነገረሎም መናእሰያት፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ገበረ ጉራቻ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ከምዝተጨውዩ መሰኻኽር ዓይንን ናይ ቀረባ ቤተሰብ እቶም ግዳያትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ ጭውያ ቅድሚ 5 መዓልቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 155 ኪሎ ሜትር ርሒቝ ዘጋጠመ ኰይኑ ውሑዳት ካብቲ መጭይቲ ከምልጡ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ተፈቲሖም።
እቲ ጭውያ “ሸኔ” ኢሎም ብዝጸውዑ ዕጡቓት ከምዝተፈጸመ ዝሓበሩ ካብቲ ፍጻመ ዘምለጡ ክልተ ተምሃሮ፡ ስናይፐርን ክላሽንን ዓሚሮም እናቐጥቀጡ ካብ ጽርግያ ናብ ጫካ ሒዞምዎም ከምዝጎየዩ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቶም ተምሃሮ ዝዓገቱ ዕጡቓት ንስድራ እቶም ግዳያት ብምድዋል ክሳዕ 700 ሽሕ ብር ይሓትዎም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
ብቕድሚ ትማሊ ካብቶም ዝተዓገቱ ኣስታት 50 ዝዀኑ ተምሃሮ “ዝተወለድሉ ዓዲ” ተፈልዩ ካብቲ ዕግታ ከምዝተፈትሑ ክልተ ተምሃሮ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ክህበሉ ዝተሓተተ ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ደባርቕ “ንዝምልከቶ ትካል መንግስቲ ፈደራል ኣመልኪትና ኣለና” ካብ ዝብል ሓጺር ምላሽ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህበና ፍቓደኛ ኣይኮነን።