ዕርቃነን ወጺአን ክፍተሻን ክምርመራን ዝተገብራ ደቂ ኣንስትዮ ዘቕረባኦ ክሲ ፈሺሉ

ምንጪ ስእሊ, Qatar Airways
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዶውሓ፡ ዕርቃነን ከም ዝወጽኣ ተገይረን ዝተፈተሻ ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ንመገዲ ኣየር ቐጠር ንምኽሳስ ዝገበራኦ ጻዕሪ ከይተዓወተ ተሪፉ።
ብ2020፡ ኣብ መአከቢ ጐሓፍ እቲ መገዲ ኣየር ሓደ ዕሸል ተደርብዩ ምስ ተረኽበ፡ ኣብቲ እዋን ዝወለደት ጓል ኣንስተይቲ እንተላ ንምፍላጥ ብዝብል ተሳፈርቲ ነፋሪት እቲ መገዲ ኣየር ዝነበራ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ካብታ ነፋሪት ክወርዳ ከም ዝተኣዘዛ ይፍለጥ።
እተን ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ፡"ብሰንኪ እቲ ዘይሕጋዊ ኣካላዊ ምትንኻፍ” ከምኡ’ውን ኣብ ልዕለና ኣስዒቡዎ ዝበላኦ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮን ድሕሪ ስንባደ ዝመጽእ ጸቕጥን ካሕሳ የድልየና’ዩ ብምባል ኣብ 2021 ናብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣውስትራልያ ክሲ ኣቕሪበን ነይረን።
ካልኦት ተጓዓዝቲ - ካብ ዓባይ ብሪጣንያን ኒውዚላንድን - ኣካል ናይቲ ክሲ ኣይነበራን።
እዚ ሓያል ቍጥዐ ዘስዓበ ኰይኑ፡ ብዙሓት ሃገራት ድማ ኰኒነናኦ እየን።
ቤት ፍርዲ ኣውስትራልያ ግን፡ እቲ ብመንግስቲ ዝውነን መገዲ ኣየር ካብ ናይ ወጻኢ ክሲ ናጻ እዩ ኢሉ።
ትማሊ ረቡዕ ግን ዳኛ ጆን ሃሊ፡ ብመሰረት እቲ መገዲ ኣየር ቐጠርን ተቘጻጻሪ ኣቬሽን እታ ሃገርን ዝመሓደርሉ ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ጕዕዞ ክኽሰሱ ከም ዘይክእሉ ገሊጹ።
ንሱ፡ ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ሞት ወይ መጕዳእቲ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን መገዲ ኣየራት ተሓተትቲ ንክዀና ዝተገብረ ውዕል ሞንትርያል ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
ብተወሳኺ፡ ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ኣየር፡ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ካብ በረራ ዘውጽኡ ፖሊስ ቐጠር፡ ከምኡ'ውን ነተን ኣብ ኣምቡላንሳት ዝምርምርወን ነርስታት ዝገብራኦ ተግባራት ክከላኸሉ ከም ዘይክእሉ ገሊጹ።
ይዅን’ምበር ዳኛ ሃሊ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ እቲ ማታር ዝተባህለ ንመንገዲ ኣየር ቐጠር ዝድግፍ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሓማድ ክሲ ክቕጽላ ከም ዝኽእላ ኣመልኪቱ።
ሰራሕተኛታት ማታር ተጓዓዚ ናይ ምሕብሓብ ግቡእ ነይሩዎም እዩ ኢለን ክማጐታ ይኽእላ’የን፤ እቶም ሰራሕተኛታት ድማ እተን ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን ወጺአን ካብ ምፍታሽን መርመራ ከይግበር ክከላኸሉለን ኣይክኣሉን።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ቅድም ክብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃባኦ ሓበሬታ፡ ነቲ መርመራ ክካየድ ከም ዘይተሰማምዓን ኣብ ልዕሊአን እንታይ ይፍጸም ከም ዝነበረን መብርሂ ከም ዘይተዋህበንን ገሊጸን ነይረን።
“ዝተዓመጽኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ” ትብል ማንዲ።
ካልእ ድማ ተጨውያ ጅሆ ተታሒዛ ዘላ መሲልዋ ከም ዝነበረ ትዛረብ።
ኣብቲ እዋን፡ ሰበስልጣን ቐጠር፡ እቲ ዝተደርበየ ህጻን ናብዮት ይግበረሉ ከም ዘሎ ክገልጹ እንከለዉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኻልድ ቢን ከሊፋ ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣ'ታኒ “ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ተሳፈርቲ ዝተፈጸመ ቅቡልነት ዘይብሉ ኣተሓሕዛ የሕዝነና . . . እቲ ተግባር ሕጊ ወይ ክብርታት ቐጠር ዘንጸባርቕ ኣይኰነን” ክብል ትዊት ገይሩ።
ወሽመጥ ዓረብ ገበናዊ ክሲ ክጅምር እንከሎ፡ ሓደ በዓል ስልጣን መዓርፎ ነፈርቲ ተኣሲሩ ኣሎ።
ጠበቓ ዳምያን ስቱርዛከር ግን ኣብ 2021 ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝኸሳሉ ዘለዋ ምኽንያት፡ ዶውሓ ስጕምቲ ብዘይምውሳዳ እዩ ኢሉ።
ንሳተን፡ ቐጠር ወግዓዊ ይቕሬታ ከተቕርብን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ እቲ ተግባር ዳግማይ ከይፍጸም ኣሰራርሓኡ ክቕይርን እየን ዝደልያ።
ሓንቲ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ “ብዛዕባኡ ብምዝራብ፡ ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ከምቲ ኣብ ልዕለና ዝተገብረ ሞራል ዝትንክፍ፡ ዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛ ከይገጥማ ከነረጋግጽ ንደሊ” ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







