እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማንችስተር ዩናይትድ ካብ ባዶ ተላዒላ ክትረትዕ ከላ ኣርሰናል ኣይቀንዓን
ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ኣርሰናል ኣብ ሜድኣ ማዕረ ክትወጽእ ከላ ብክልተ ሸቶታት ክትምራሕ ዝጸንሐት ማንቸስተር ዩናይትድ ዓወት ኣመዝጊባ።
ኣርሰናል ኣብ ስታድዩም ኤሚሬትስ ንፉልሃም ኣአንጊዳ፡ 2ብ2 ማዕረ ተፈላልያ።
ፉልሃም ኣብ መበል 57 ካልኢት ብዘመዝገበታ ቀዳመይቲ ሸቶ መሪሕነት ሒዛ ነይራ።
እንተዀነ ኣርሰናል ኣብ መበል 72 ደቒቕ ፍጹም ቅላዕ ረኺባ፤ ሳካ ብዘመዝገባ ሸቶ ድማ ማዕረ ኰይና። ድሕሪ ክልተ ደቒቕ ኤዲ ንከቲያ፡ ኣርሴናል መሪሕነት ክትሕዝ ዘኽኣለት ሸቶ ኣመዝጊቡ።
እዚ ግን 'ጋነርስ' ንኽዕወቱ እኹል እኹል ኣይነበረን።
ካልቪን ቤሲ ኣብ መበል 83 ደቒቕ ኣብ ልዕሊ ንኬትያ ብዝፈጸሞ ፋውል ብቀይሕ ተባሪሩ።
10 ተጻወትቲ ሒዛ ትጻወት ዝነበረት ፉልሃም ኣብ መበል 87 ደቒቕ ጃኦ ፓሊንሃ ብዘመዝገባ ሸቶ ማዕረ ተፈላልያ።
ኣሰልጣኒ ኣርሴናል ሚከል ኣርቴታ፡ ኣርሰናል ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣዝያ ዝተመሓየሸት ጋንታ ምዃና ገሊጹ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ ኣብ መበል 2ን 4ን ደቓይቕ ብዝተመዝገባ ሽቶ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ 0ብ2 ብኖቲንግሃም ፎረስት ክትምራሕ’ያ ጸኒሓ።
ኖቲንግሃም ፎረስት ኣብ መጀመርታ ደቓይቕ እቲ ጸወታ ዘርኣይዎ ጽቡቕ ብቕዓት፡ ንደገፍቲ ማን ዩናይትድ ዘደንገጸ’ዩ ነይሩ።
ኣብ መበል 17 ደቒቕ ኤሪክሰን ብዘመዝገባ ሸቶ፡ ቀደማይ እብረ 1ብ2 ተዛዚሙ።
ኣብ ካልኣይ እብረ ካዛሜሮ ንማንችስተር ዩናይትድ ማዕረ ዝገበረት ሸቶ ኣመዝጊቡ።
ማን ዩናይትድ ኣብ መበል 76 ደቒቕ ዝረከበታ ፍጹም ቅላዕ፡ በሩኖ ፌርናንዴዝ ተጠቒሙላ።
እቲ ጸወታ 3ብ2 ብዓወት ማንቸስተር ዩናይትድ ክዛዘም ክኢሉ።
ኣብ ካልእ ጸወታታት ቶተንሃም ካብ ሜድኣ ወጻኢ ንበርንማውዝ 2ብ0 ክትስዕራ ከላ፡ ብሬንትፎርድን ክሪስታል ፓላስን ድማ ማዕረ ተፈላልየን።
ካብ ዓወት ርሒቓ ዘላ ኤቨርተን ኣብ ሜድኣ ብዎልቭዝ ተረቲዓ።
ዌስትሃም ዩናይትድ ድማ ናብ ብራይተን ተጓዒዛ 3ብ1 ዘደንቕ ዓወት ረኺባ ተመሊሳ።
ዓርቢ ምሸት ኣብ ስታንፎርድ ብሪጅ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፡ ቸልሲ ኣንጻር ንሉተን ታውን 3ብ0 ተዓዊታ’ያ።
ሎሚ ሰንበት፡ በርንሊ ኣንጻር ኣስቶንቪላ፡ ሸፊልድ ዩናይትድ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ከምኡ’ውን ኒውካስል ኣንጻር ሊቨርፑል ክጻወታ እየን።