ማልያ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ስለምንታይ ንጥዕና ሰባት ዘሻቕል ኮይኑ?

ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ካብ ትካላት ቁማር ምወላ (ስፖንሰርሺፕ) ክቕበላ እንከለዋ ኣብ ደገፍቲ ዘሕድሮ ጽልዋ ኣብ ግምት ከእትዋ ከምዘለወን ተገሊፁ።

ሓላፊት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ (ኤንኤችኤስ) ኣማንዳ ፕሪትቻርድ፡ እቶም ውዕላት ንህጻናት ቁማር ጽቡቕ ምዃኑ መልእኽቲ ከምዘመሓላልፉ እያ ትዛረብ።

ንሳ፡ ነዚ ምሕጽንታ ዘቕረበት፡ ቁጽሪ ብወልፊ ቁማር ንዝተሃሰዩ ሰባት ሓገዝ ሕክምና ዝህባ ክሊኒካት ዳርጋ ብዕጽፊ ከምዝወሰኻ ዝገልጽ ዜና ምቅልሑ ስዒቡ’ዩ። ብሰንኪ ወልፊ ቁማር ኩነታት ጥዕንኦም ተፀልዩ ናብ ሕክምና ዝመፅኡ ሰባት ብምውሳኾም እተን ክሊኒካት ቁፅረን ናብ 15 በፂሑ’ሎ።

ኣብ 2022-23 ጥራይ ኣስታት 1,389 ሕሙማት ንደገፍ ወልፊ ቁማር ናብተን ክሊኒካት ከምዝተልኣኹ ይግለፅ።

እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ ብዝሒ ዉሉፋት ብ775 ዝወሰኸ እዩ።

ቅድም ክብል 8 ተወሰኽቲ ክሊኒካት ዝተኸፈቱ ኮይኖም፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ካልኦት 7 ከምዝዳለዉ ተሓቢሩ’ሎ።

ሓላፊት ‘ኤንኤችኤስ’ [NHS] ኣማንዳ ፕሪትቻርድ ኣብ ቢቢሲ - መደብ ላውራ ኩንስበርግ ቀሪባ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ንኸቢድ ወልፊ ቁማር፡ "ሕሱም ሕማም"ን "ህይወት ዘበላሹ"ን ክብትል ገሊጻቶ።

"ኢንዱስትሪ ቁማር ከምኡ'ውን ከም ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ዝኣመሰላ ትካላት ኣብዚ ጉዳይ ብዛዕባ ዘለወን ሓላፍነታት ብዕቱብ ይግደሳ’ዶ ዝብል ምርኣይ ጽቡቕ ምኾነ" ትብል።

ናይ ማልያ ስፖንሰርሺፕ ውዕላት "ቆልዑ ቁማር ፀገም የብሉን ዝብል መልእኽቲ መዓልታዊ ክርእዩ ከም ምግባር’ዩ" ክትብል ኣረዲኣ።

ብተወሳኺ ሰባት መዓልታዊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ኣብ ሞባይሎም ክቋመሩ ከምዝኽእሉ ብምሕባር እዚ ከኣ ኣገልግሎት ሕክምና ወልፊ ቁማር ኤንኤችኤስ ኣብ ዘድልዮም “ርኡይ ወሰኽ” ከምዘስዕብ ተዛሪባ።

ፕሪትቻርድ ምኽፋት እተን ሓደስቲ ክሊኒካት ወግዓዊ ንምግባር ኣብ ዝሃበቶ ካልእ መግለፂ’ውን ህጻናትን ዓበይትን ብመወዓውዒ ቁማር "ይጨናነቑ" ከምዘለዉ ሓቢራ ነይራ።

ኤንኤችኤስ ሎሚ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት መግለፂ ዝሃበሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ 2021 ብሰንኪ ቁማር ናብ ከቢድ ዕዳ ኣትዩ ህይወቱ ዘጥፍአ ቁማርተኛ፡ ካብ ሞት ንምትራፍ እቲ ‘ቤትፈይር’ [Betfair] ዝተብሃለ ትካል ብዙሕ ነገራት ክገብር ምተገበአ ነይሩ ዝብል መደምደምታ ካብ መርመርቲ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ።

እቲ ዝሕተት ዘሎ ኩባንያ ቤትፈይር፡ ኣብቲ እዋን ንኹሉ ናይ ቁፅፅር ረቛሕታት ከምዘማልአ እኳ እንተገለጸ፡ ካብኡ ንላዕሊ ክገብር ከምዝነበሮ ግን ተኣሚኑ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰለስተ ጋንታታት ፕረምየርሊግ ምስ ትካላት ቁማር ሓድሽ ናይ ማልያ ስፖንሰርሺፕ ስምምዓት ከምዝፈፀማ ድሕሪ ምግላጸን ኣብዚ ሰሙን ሓደ ናይ ጎስጓስ ጉጅለ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ጉዳይ "ኢድ ከእቱ" ምሕፅንታ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ።

ክሊኒካት ወልፈኛታት ቁማር

እተን 7 ሓደስቲ ክሊኒካት ኣብ ብላክፑል፣ ብሪስቶል፣ ደርቢ፣ ሊቨርፑል፣ ሚልተን ኬይንስ፣ ሸፊልድን ቱሮክን እየን ተኸፊተን።

እዚአን ከኣ ናብተን ቅድሚኡ ኣብ ለንደን፣ ሊድስ፣ ኒውካስል፣ ማንቸስተር፣ ሳውዝሃምፕተን፣ ስቶክ-ኦን-ትረንትን ቴልፎርድን ኣብ ስራሕ ዝፀንሓ ዝተወሰኻ እየን።

ኣብ ለንደን ዝርከብ ሻምናይ ክሊኒክ ድማ ቁማር ጥራይ ዘይኮነስ ወልፊ 'ጸዋታ' ንዘለዎም ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ ምሕካም ይሰርሕ።