እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ፡ ጃፓንን ጣልያንን ዘማዕብልኣ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብረርቲ ኣንቢባ እትበርር ነፋሪት
ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጣልያንን ጃፓንን ብጽምዶ ኮይነን ብሰብ ዝሰርሖ ብልሒ [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ] ተሓጊዛ ኣእምሮ ናይ ኣብራሪ እናኣንበበት እትበርር ነፋሪት የማዕብላ ምህላወን ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እዚ ሓባራዊ ዕዮ ንኣሽሓት ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥርን ንመሓውራት ጸጥታ ዘደልድልን ምዃኑ ሓቢሩ።
እዘን ሰለስተ ሃገራት ብሓባር ኮይን ዘማዕብልኣ ዘለዋ ነፋሪት ነተን ታይፑን ዝብሃል ጀታት እትትክእ ኮይና፡ ኣብ መፋርቕ 2030ታት ኣብ ግብራዊ ስራሕ ክውዕላ ምዃነን’ውን ተገሊጹ ኣሎ።
ብዘይካ እዚ እተን ብሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ዝምርሓ ነፈርቲ እቲ ኣዝዩ ምዕቡል ዝብሃል ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክዓጥቓ ከምዝኽእላ’ውን ተስፋታት ተዋሂቡ ኣሎ።
እቲ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ፡ ቀንዲ ዕላምኡ እታ ነፋሪት ልዑል ፍጥነት፡ ሓያል ናይ ምልላይ [ሰንሰር] ዓቕሚ ከምኡ ከኣ ንኣእምሮ ኣብረርቲ ብምንባብ ብዘይዝኾነ ሓገዘ ከምእተበርር ንምግባራ’ዩ።
ብዘይካ እዚ እታ ነፋሪት ብዘይ ኣብራሪ ድሑን ዝኾነ በረራ ብምክያድ ዕላምኣ ብግቡእ ከምእትወቕዕ ንምግባራ’ዩ።
እንተኾነ ንኸምዚ ዝኣመሰለት ነፋሪት ምህናጽ ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት’ዩ ዝሓትት።
ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተሰርሓ ነፈርቲ፡ እተን ብፔንታጎን ዝማዕባላ ኤፍ35 ንምህናጽ እቲ ዝልዓለ ወጻኢታት’ዩ ክሓትት ጸኒሑ።
ወጻኢታት እዘን ሓደሽቲ ነፈርቲ ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ’ያ ብሪጣንያ መሻርሽቲ ሃገራት ከተናዲ ጸኒሓ።
ንዕድመ ብሪጣንያ መጀመርታ ሓንጎፋይ ኢላ ዝተቐበለት ጣልያን’ያ፡ ጃፓን’ውን ድሒራ ተጸንቢራተን።
ነቲ መደብ ካልኦት ሃገራት’ውን ክጽንበረኦ ከምዝኽእል ተስፋታት ኣሎ።
ንተመሳሳሊ መደብ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ስጳኛን ብሓበራ፡ ኣሜሪካ ከኣ ንበይን ይሰርሓ ምህላወን ይፍለጥ።
እዚ ጣልያንን ጃፓንን ተሓዊሰንኦ ዘለዋ መደብ ንብሪጣንያ ጉዳይ ውሕስነት ጸጥታ ጥራይ ዘይኮነ እንከላይ ውሕስነት ቁጠባ ዝህብ’ዩ።
ምምዕባል እዘን ነፈርቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝካየድ ስለዝኾነ፡ ንኣሽሓት ብሪጣንያውያን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ’ዩ እምነት ተነቢርሉ ዘሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነቲ መደብ ሎሚ ዓርቢ ብወግዒ ክኸፍቶ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።