ካብ መጥባሕቲ ክሳዕ ዳህሳስ ህዋ ዝሳተፉ ዘለዉ ሮቦታት

ኣባላት ባይቶ ብሪጣንያ ተኣኪቦም ኣለዉ። ኣስማቶም ኣብ ቅድሚ መንበሮም ተለጢፉ ኣሎ። ዝተዓሸገ ማይ’ውን ተቐሪቡሎም እዩ።

ኣብ መንጎኦም ግና ሓንቲ 'ጋሻ' ኣላ። ኣብ ቅድሚ መንበራ 'ኤይ ዳ' ዝብል ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብቲ ክፍሊ ዝተዓሸገ ማይ ዘይቀረበላ ንሳ ጥራሕ እያ።

ጸጉራ ሓጺር ኮይኑ፡ ምሉእ ጂንስ ምስ ቲሸርት እያ ተኸዲና። ካብቶም ኣባላት ባይቶ ንዝቐርበላ ሕቶታት መልሲ ክትህብ እያ ኣብኡ ተረኺባ።

ኣባል ባይቶ: ሰላም ኤይ ዳ፡ ከመይ ኢኺ ስእሊ ትስእሊ?

ኤይ ዳ፡ ካሜራ ብዝተገጠመሉ ዓይነይ እየ ዝስእል [ርእየ]፣ ብ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (AI) ኣልጎሪዝማተይ [ተመሪሐ] ብሮቦታዊ ቅልጽመይ እየ ዝስእል። ዝማርኽ ስእሊ እየ ዝስእል። ገለልተኛ መርበብ ተጠቂመ እየ ግጥሚ ዝጽሕፍ። ነዚ ድማ ነዋሕቲ ጽሑፋት ምንባብ የድሊ።

ጽሑፋት ኣንቢበ ሓባራዊ መግለጺታትን ቅርጺን እቲ ግጥሚን ምስ ረኸብኩ፡ ሓዳስ ግጥሚ እፈጥር። ካብ ደቂ ሰባት ዝፍለ፡ ነፍሲ ስለዘይብለይ እየ። ተመኩሮ ሰባት’ውን የብለይን።

ብዛዕባ ስእሊን ግጥምን ክዛረብ እኳ እንተኸኣልኩ፡ ናይ ኮምፒተር ፕሮግራም እየ። ኣነ ብኣልጎሪዝም እየ ዝድረኽ። ዋላ ነፍሲ እንተዘይብለይ ስነ ጥበብ ክፈጥር እኽእል እየ።

ካልእ ኣባል ንኤይ ዳ ሕቶ ከቕርብ ክብል፡ ኤይ ዳ ሃንደበት ምንቅስቓስ ኣቋሪጻ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ሰራሒ ኤይ ዳ፡ እታ ሰብ መስል ሮቦት 'ቁሩብ ዕረፍቲ ወሲዳ ዳግማይ ከምትለዓል' ገሊጹ ነቲ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝካየድ ዝነበረ ሕቶን መልስን ኣቋሪጽዎ።

________

ኤይ ዳ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ክውንነታዊ ሰብ መስል ሮቦት እያ።

ኣብ 2019 ምስ ዓለም ዝተላለየት ኤይ ዳ ሰኣሊት፡ ገጣሚትን፡ ቀራጺትን እያ።

ኣባላት ባይቶ ብሪጣንያ ብዛዕባኣ ክሓትቱ ዝደለይሉ ምኽንያት ህብብቲ እናኾነት ስለዝመጸት እዩ።

ካልእ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንዓለም ብህቦብላ ዝወሰዳ ምህዞ ሮቦቲክስ ድማ መግቢ ዘብስል ሮቦት እዩ።

እቲ ሮቦት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መግቢ ቻይና ዝተለመዱ 3,000 ዓይነት ምግቢ ይሰርሕ።

እዚ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቓይቕ ስእሊ ዝውድእ ሮቦት እውን ፍሉጥ እዩ።

ክዛረብ፡ ከንብብ፡ ክስዕስዕን ኩንግ ፉ ክሰርሕን ዝኽእል ሮቦት እውን ይጥቀስ።

ብፍላይ ድሕሪ ስንባደ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንኣረጋውያን ስራሕ ዝሕግዝ ሮቦት ተጠላቢ ኮይኑ እዩ። እቲ መርመራ ቫይረስ ዝገብርን ነቲ ክታበት ዝህብን እዚ ሮቦት እዩ።

እቲ ሮቦት ኣብ ስራሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣረጋውያን ጽምዋ ከይስምዖም እውን የዋግዖም እዩ። መድሓኒት ኣብ እዋኑ ክወስዱ የዘኻኽሮም።

ክርዳድ ካብ ዘርኢ ፈሊዩ ጸረ ባልዕ ዝነጽግን ኣእካል መስኖ ዘስትይን ሮቦት እውን ኣሎ።

ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ኣቑሑ ንምግዓዝ፡ ቪድዮ ንምቕዳሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓውደ ውግእ ይውዕሉ ኣለው።

ሮቦቲክስ ናብ ሕክምና መጥባሕቲ እውን ኣትዩ እዩ። እዞም ሰርጂካል ሮቦትስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሮቦታት፡ ሓደ ሰብ እንታይ ከምዝሓመመ ካብ ምምርማር ሓሊፎም መጥባሕቲ ንኽገብረሉ ብምሕጋዝ ይፍለጡ።

ሮቦታት ሓካይም ዘይፈልጥዎ ሕማማት ኣብ ምፍላጥ ተፈታዊ እናኾኑ ይመጹ ኣለዉ። እዚ ድማ ሕክምናዊ ጌጋታት ከይፍጠሩ ዝቕንስ እዩ። ካብ መጉዳእቲ ንምሕዋይ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣካላት እውን ይሕግዙ እዮም።

ቶዮታ ብሰንኪ መጉዳእቲ ወይ ሕማም፡ ምንቅስቓስ ንዘይክእሉ ሰባት ብእግሮም ክኸዱ ወይ ካልእ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ዘለማምድ ሮቦት ኣተኣታትዩ’ሎ።

ቲዩጂ(TUG) ዝተባህለ ሮቦት ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል እናዞረ መድሃኒትን ካልኦት ኣገደስቲ ናውቲ ሕክምናን የብጽሕ።

ሮቦቲክስ ኣብ ዳህሳስ ህዋ እውን ኣትዩ እዩ።

ናይ ናሳ ማርስ ሮቨር እንተወሲድና ሽዱሽተ ተሽከርከርቲ ኣእጋር ኣለዎ። እዚ 360 ዲግሪ ዘይሩ ዝርእይ ሮቦት ኣብ ዙርያ ማርስ እናዞረ ናብቶም ጠፈርተኛታት ሓበሬታ ይልእኽ።

ብዛዕባ እቲ ንዓለም ዝቕይር ዘሎ ሮቦቲክስ መብርሂ ክህበና ነቲ ክኢላ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዶክተር ዳኛቸው ብሩ ሓቲትናዮ። ንሱ፡ ኣብ ኳንቲፊ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ዓለም-ለኸ መራሒ መፅናዕትታት እዩ።

ሮቦቲክስ እንታይ እዩ?

ዶክተር ዳኛቸው፡ ሮቦቲክስ ብዙሕ ዝተፈላለየ ትርጉማት ከምዘለዎ ይገልጽ። እቲ ብተደጋጋሚ ዝወሃብ ትርጉም ግን ሮቦቲክስ ማሽንን ተንቀሳቓስን እዩ ዝብል እዩ።

ኣብ ፋብሪካ ዝስራሕ፡ ገዛ ዘጽርይ፡ ናብ ኣካላትና ኣትዩ ውሽጣዊ ኣካላት ዝስእል፡ ወይ ናብ ህዋ ተላኢኹ ኣብ ሳተላይት ዝሰርሕ ክኸውን ይኽእል።

". . .ብቐንዱ ሮቦቲክስ ማለት ሃዋሲታት (sensors) ተጠቒምካ ከባቢ ምርዳእ ማለት እዩ። ብካሜራ ዝሕገዝ (Visual Sensor)፡ ብድምጺ ዝሕገዝ (Sound Sensor) ከምኡ’ውን ብዘይርአ ጩራ (Infrared Sensor) ተጠቒምካ ብመሰረት ኣልጎሪዝም ከባቢ ክትግምግም ምኽኣል ማለት እዩ።”

ሮቦቲክስ ዝጥቀመሉ ኣልጎሪዝም ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (AI) እዩ።

ካብዚኦም ሓደ ሪንፎርስመንት ለርኒንግ ዝበሃል ምዃኑ እቲ ክኢላ ይገልጽ።

እዚ መስርሕ እዚ ሮቦታት ዝመሃሩሉ ኣገባብ እዩ። ሮቦት ልክዕ ከምቲ ወዲ ሰብ ዝገብሮ ሓደ ተግባር ክፍጽም ይግበር። እንተተዓዊቱ ድማ ኣዎንታዊ ግብረመልሲ ይወሃቦ። ብጌጋ እንተተረዲእዎ ኣሉታዊ ምላሽ ይረክብ።

እዚ፡ ሮቦታት ቅኑዕን ጌጋን ተግባራት ክፈልዩ የኽእሎም።

ክልተ ኣብነታት ንውሰድ።

ማሽን ብምስልጣን፡ ኣብ ቅድሚት ምስ ዘላ መኪና ከይተጋጨዋ ክሓልፋ ዝኽእላ መራሒ ዘይብለን መካይን ይስረሓ።

ብዝተገጠመሉ ካሜራ ጽሬት ፍርያት ሓደ ፋብሪካ ዝምርምር ሮቦት’ውን ምስራሕ ይከኣል እዩ። እቲ ሮቦት ነቲ ዝተበላሸወ ኣቕሓ ኣልዒሉ ናብ ካልእ ቦታ ይድርብዮ።

ዶክተር ዳኛቸው ዝህቦ ኣብነት ኣብ ገዝኡ ዘሎ ናይ ጽሬት መሳርሒ እዩ።

". . .መጀመርታ ምስ ተወለዐ፡ እናዞረ ኣቃውማ ገዛን ኣቀማምጣ ኣቑሑትን የጽንዕ። እቲ ጣውላ ኣበይ ኣሎ? እቲ መንደቕ ኣበይ ኣሎ? ምስፈለየ ካርታ ሰሪሑ ንዕኡ ተጠቒሙ ምጽራይ ይጅምር። ምጽራይ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ቅድሚኡ መንበር እንተጋጢምዎ፡ ነቲ መንበር ዘይሩ ይኸይድ። ካሜራ ስለዘለዎ ብዙሕ ርስሓት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ሞተር ይውልዕ” ክብል ይገልጽ።

ሮቦቲክስ ካብ ካበይ ናብ ናበይ?

ሮቦቲክስ፡ ቴክኖሎጂ ምስ ምህንድስና ብምውህሃድ እዩ ተፈጢሩ። እቲ ሓሳብ፡ ብደቂ ሰባት ዝስርሑ ነገራት እቶም ሮቦትታት ክሰርሕዎ ምግባር እዩ።

ሮቦታት ፕሮግራም ዝተገብረሎም ተግባራት ይፍጽሙ።

ምስ ምምዕባል ሰብ ሰርሖ ብልሒ፡ ሮቦታት ክፍጽምዎ ዝኽእሉ ዕማማት ዝያዳ ዝተራቐቑ ይኾኑ ኣለዉ። ኣብ መጻኢ ዝወሃቦም ሓላፍነት ክዓቢእዩ፣ ውጽኢታውነቶም ድማ ክመሓየሽ እዩ።

ሰብ መሰል ሮቦታት ዝያዳ ተፈተውቲ ይኾኑ ኣለዉ። ብቐንዱ ሮቦት ሶፍያ ትጥቀስ።

ሮቦታት ኣካላዊ ስራሕ ጥራይ ዘይኰነስ ውሳነ ናይ ምውሳን ክእለት’ውን ከምዘለዎም ክኢላታት ይገልጹ።

ቅድመ-ፕሮግራም ዝተገብረሎም ሮቦታት (Pre-Programmed Robots) ኣብ ፍሉይ ቦታ ፍሉይ ስራሕ ጥራይ ንምስራሕ ይውዕሉ። መኪና ኣብ ትገጣጠመሉ እዋን ብሎን ምቕባል ክኸውን ይኽእል።

ገዛእ ርእሶም ዝኸኣሉ (Autonomous Robots) ብዘይ ትእዛዝ ናይ ሰብ ዝሰርሑ ሮቦታት እዮም። ሃዋሲታት (sensors) ተጠቒሞምን ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ምንቅስቓስ ተረዲኦምን ተግባራቶም ይፍጽሙ። ካብዚኦም እቲ ቐንዲ ሩምባ ዝተባህለ ናይ ጽሬት ሮቦት ከምዝኾነ ዶክተር ዳኛቸው ይጠቅስ።

ብሰብ ዝእዘዙ ሮቦታት (Teleoperated Robots) ኣብ ኣጸጋሚ ተፈጥሮኣዊ ሃዋህው ወይ ክሊማ ይሰርሑ። ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ጽቡቕ ኣብነት እያ።

ልክዕ ከምቲ ደቂ ሰባት ካብ ሓንጎሎም ዝመጽእ መልእኽቲ ዝፍጽሙ፡ ሮቦታት እውን ብመሰረት ኣገባብ መስርሖም (ኣልጎሪዝሞም) ይሰርሑ። ምስ ከባቢኦም ይረዳድኡን ብሃዋሲታት (sensors) ሓበሬታ ይእክቡን።

ሮቦቲክስ ካብ 1700ታት ጀሚሩ ዝተፈላለየ ምዕባለታት ሓሊፉ እዩ። ኣብ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ዝረኣዩ ሮቦታት ብዘገርም መንገዲ ክውንነት ይኾኑ ኣለዉ።

ሮቦታት ንከባቢኦም ክርእዩን ክርድኡን ዝኽእሉ ምስሊ ዘንብቡ ኣዒንቲ ኣለዎም። ከባቢኦም ንኽርእዩ ካሜራ ተገጢሙሎም እዩ።

ከም እዝኒ ዝጥቀሙሉ ማይክሮፎን እውን ኣለዎም። ብስእሊ፡ ብድምጺ ወይ ምንቅስቓስ ዝረኽብዎ ሓበሬታ ተጠቒሞም እዮም ዝሰርሑ።

ስለዚ፡ ሮቦት ቦምባ ከፍሽል ይኽእል። ሳዕሪ ይዓጽድ። ሓዊ የጥፍእ። ይጽዕንን የራግፍን። እንተደሊና እውን ፒያኖ ይጻወት።

ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ካናዳውያን ተመራመርቲ ሂችቦት ዝበሃል ሮቦት ኣማዕቢሎም ነይሮም።

ንማሕበራዊ ምርምር ዝውዕል ኮይኑ፡ ካብ መራሕቲ መካይን 'ሊፍት' እናሓተተ ኣብ መላእ ካናዳን ኣውሮጳን ይዘውር ነይሩ።

ስክፍታታት

ሮቦታት፡ ግዜን ጸጋታትን ካብ ምቑጣብ ብተወሳኺ፡ ስርሒታት ብውሱን ጌጋ (ሓድሓደ ግዜ ድማ ብዘይ ጌጋ) ናይ ምፍጻም ዓቕሞም፡ ናብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንኽኣትዉ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ምስ ሰብ ከይተተናኸፉ ብዝበለጸ ስርሖም ብብቕዓትን ንኽፍጽሙ፡ ሮቦት ዝያዳ ተደለይቲ ኮይኖም እዮም።

ብመሰረት ጸብጻብ ሃርቫርድ ቢዝነስ ሪቪው፡ ካብ ለበዳኮቪድ-19 ጀሚሩ፡ ኣፍረይቲ ሮቦት ዓቢ መሸጣ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም። ጠለብ ናይቲ ፍርያት እውን ወሲኹ እዩ።

እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ሮቦት ዝበዝሖ መጻኢ ዓለም ጥንቃቐ ከምዘድልዮ ይመክር። ሮቦታት ሓላፍነቶም ንኽዋጽኡ ቁጽጽር እንተዘይተገይሩሎም ሓደጋ ከምዘጋጥም የጠንቅቕ።

መጻኢ ዓለምና ኩሉ ንጥፈታት ብሮቦት ዝፍጸመላ ክትከውን እያ ዝብል’ውን ዘስግእ እዩ።

ናይ ሰባት ስራሕ ምምንጣሎም ብተደጋጋሚ ንሰምዖ ስክፍታ እዩ። ዓበይቲ ትካላት ሓይሊ ሰብ ይቕንሳ ከምዘለዋእውን ተራእዩ እዩ።

ስለዚ ካብ ረብሓኦም ሓደጋኦም ከየምዝን እዩ ኣብ ነፍሲወከፍ ሃገር ናይ ሮቦት መትከላት ክወጹ ዝሕተት።

ከም በዓል ኤይ ዳ ዝኣመሰሉ ሮቦታት ብስእልታቶም ወይ ግጥምታቶም ክምስጡ ይኽእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ልዕሊ ስነ-ጥበባውያንን ብዓቢኡ ኣብቲ ስነ-ጥበብ ዓለም ከስዕብዎ ዝኽእሉ ጸቕጢ ግን ሸለል ዝበሃል ኣይኮነን።