እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም 'መራሒ ሓማስ ቀቲለ' ኢላ
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ንሳልሳይ መዓልቱ መጥቃዕትታት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ፡ ንፍሊስጤማዊ መራሒ ሓማስን ካልኦት ክልተ ኣባላትን ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት እስራኤል ነቲ ዋሳም ካሃዘም ዝተብሃለ መራሒ ሓማስ ቶኲሶም ከምዝቐተልዎን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ክልተ ዕጡቓት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ብኣየር ከምዝደብደብዎምን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና’ውን እቶም ዋሳም ካሃዘም ዝርከቦም ክልተ ዕጡቓት ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቅ ጀኒን ትርከብ ከተማ ዛባበደህ ከምዝተቐተሉ ገሊጹ።
ሓማስ’ውን ሞት ዋሳም ካሃዘምን እቶም ክልተ ዕጡቓትን ኣረጋጊጹ ኣሎ።
መንግስቲ እስራኤል ካብ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ጀሚሩ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም መጥቓዕቲታት ካብ ዝጅምር ብውሕዱ 20 ፍሊስጤማውያን ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ገሊጹ።
መንግስቲ እስራኤል ብወገኑ ብምልኦም እቶም ዝተቐተሉ ‘ዕጠዑቓትን ግብረሽበራውያንን’ ምዃኖምን ኣብ እዋን ምልውዋጥ ቶኲሲ ከምዝተቐተሉን’ዩ ዝማጎት።
መንግስቲ እስራኤል 17 ጥርጡራት’ውን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።
ትማሊ ዓርቢ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ጸጥታ እስራኤልን፡ ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ዊሳም ከሃዘም ኣብ ጀኒን ብዘተኻየደ ስርሒት ከምዝተቐተለ’ዮም ገሊጾም።
ኣብቲ መግለጺ እቲ ሓላፊ ሓማስ ኣብ መኪና እንከሎ ከምዝተቐንጸለ ገሊጾም።
ዊሳም ከሃዘም ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕትታት ክፍጸም ዝእዝዝ ዝነበረ ምዃኑ’ያ እስራኤል ትኸስስ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ብወገኑ ሬሳ ዊሳም ከሃዘምን ናይቶም ምስኡ ዝተቐተሉ ክልተ ሰባትን ሰራዊት እስራኤል ከምዝወሰድዎ ገሊጹ።
ክንፊ ሓማስ ዝኾነ በርጌድ ኣል ቓሲም፡ ዊሳም ካሃዘም ሓላፊ መዓስከር ጀኒን ከምዝነበረን እቶም ምስኡ ዝተቐተሉ መሸራቓን ዓመርን’ውን ኣባላቱ ምዃኖም ሓቢሩ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ካብ ዝፍኑ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝተወደበን ዝተወሃሃደን መጥቃዕቲ ክፍጽም እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።
እዚ እስራኤል “ስርሒት ጸረ-መጥቃዕቲ ግብረሽበራ” ኢላ ኣብ ዝሰመየቶ ስርሒት ሰራዊታ ናብ ኣርባዕተ ከተማታት ምዕራባዊ ገማግም'ያ ሰዲዳ።
እዚ ስርሒት ከኣ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ካብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ እቲ ዝሓየለ’ዩ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከባ ኣርባዕተ ከተማታት ፍልስጤም መጥቃዕቲ ፈጺሞሙለን ኣለዉ።
ጀኒን፡ ቱልካርመን፡ ናብሊስን ቱባስን እተን ኣርባዕተ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመን ከተማታት ኰይነን፡ ኣብ ጥቓአን ዝነበረ መዓስከር ስደተኛታት’ውን መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ’ዩ።
ሰራዊት እስራኤል ናብ ሆስፒታል ጀኒን ክኣትዉ እንከለዉ ናብተን ኣብ ከተማ ቱልካርም ዝርከባ ክልተ ሆስፒታላት’ውን ሰብ ከይኣቱ ከምዝኸልከሉ ማዕከናት ዜና ፍልስጤም ኣቓሊሐን።
ብተወሳኺ ሰራዊት እስራኤል ናብ ከተማ ናብሉስ ብምእታው ነቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቘጻጸሮ’ዩ ዝንገር።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ሰራዊት እስራኤል ካብን ናብን እተን ከተማታት ዘራኽብ ጽርግያታት ንዅሉ ከምዝዓጸዎ ገሊጾም።
ናብ መዓስከር ስደተኛታት ብምእታው ከኣ ወረቐት መንነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምዝሓተቱ ሓደ ነባሪ እቲ መዓስከር ስደተኛታት ሓቢሩ።
ዓዲ እንግሊዝ ትማሎ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ እስራኤል ነብሳ ክትከላኸል ግቡእ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ እስራኤል ትፍጽሞ ዘላ ሞት ሰለማውያን ሰባትን ዕንወት ትሕተ ቅርጽን ዘስዕብ ዘሎ ኲናት ግን ከምዘሻቐላ ገሊጻ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ እቲ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዞባ ዘሎ ተባራዒ ኩነታት 'ነዳዲ ምውሳኽ እዩ" ብምባል ገሊጽዎ።