ኣብ ኣላማጣን ኮረምን እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ምንጪ ስእሊ, Alamata comm
ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ፈደራልን ካብ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ከም ዝወጽኡ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ንድሕነቶም ክብሉ ካብቲ ከባቢ ይሃድሙ ከም ዘለዉ ነበርቲ ገሊጾም።
ግጭት ከይለዓል ብምፍራሕን ዕጡቓት "ዝወስዱዎ ስጕምቲታት ስግኣት ፈጢሩልና፡" ብምባልን ናብ ጐረባብቲ ከባቢታት ይሃድሙ ከም ዘለዉ ነበርቲ ተዛሪቦም።
ናይቲ ከባቢ ብዓል ስልጣን ዝነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዓል ስልጣን ዝዀነን ነባሪ ኣላማጣን ኣቶ ዝናቡ ደስታ፡ ኣብታ ከተማ ወጥሪ ከም ዝነበረን ነበርቲ ይሃድሙ ከም ዘለዉን ገሊጹ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰብ፡ ካብ ኣላማጣ ሃዲሞም ናብ ቆቦ ከም ዝኸዱ ሓቢሩ።
"ሕጂ [ሓሙስ] ኣብ ቆቦ ኢና ዘለና፣ ሆቴል የሎን፣ ክቡራት ዝዀኑ ሆቴላት ጥራይ እዮም ዘለዉ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ኣዝማድ ዘለዎ እንዳ ዘመዱ ወይ ድማ ሓደ ክፍሊ ሆቴል ንኽልተ ወይ ሰለስተ ሒዙ እዩ ዘሎ፡" ክብል ይገልጽ።
"መብዛሕትኡ መንእሰይ ተገፊፉ ናብ ዓውደ ውግእ ከይውሰድ ሰጊኡ እዩ ዝወጽእ ዘሎ፣ ኵሉ ሰብ ክሃድም እዩ ዝደሊ፡" ክብል ይውስኽ።
"እቲ ኮማንድ ፖስት፡ ማለት ሓይልታት ምክልኻልን ፈደራልን ነብሶም ከውጽኡ ጀሚሮም። [ንሶም] ካብ መዓስከሮም ምስ ወጽኡ ህዝቢ ብእግሩ ክወጽእ ጀሚሩ።"
ብሓሙስ ንግሆ ብመኪና ዝወጽኡ ሰባት ብምጥቃስ፡ "ሕጂ መካይን ስለ ዝተኸልከላ ይወጽኡ የለውን። ንብረት ሒዝካ ክትወጽእ ኣይከኣልን፡" ኢሉ።
ነበርቲ እታ ከተማ፡ ካብ ረቡዕ 20 ጥሪ 2018 (ግ) ምሸት ጀሚሮም ብእግሮም ከም ዝነቐሉ ገሊጾም። "ካብ ጫካ ናብ ጫካ ብእግሮም [ወጺኦም]። ነዚ ሰሚዖም ድማ ሕጂ መንገዲ ጫካ ዓጽዮሞ ኣለዉ።"
ሓይልታት ምክልኻልን ፈደራልን ካብ መዓስከሮም ወጺኦም፡ "ናብ ጥሙጋ ኣንሳሒቦም ምስ በሉና ሰንቢድና፡" ብምባል ንህዝቢ ዘጋጠሞ የብርህ።
ሰራሕተኛታት ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ ኣብ ሓደ ቦታ ክእከቡ ምጅማሮም ምስ ሰምዑ፡ "ሰበስልጣን ትግራይ፡ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ነተን ትካላት ክሕዙወን ጀሚሮም፡" ይብል።
ሓይልታት ምክልኻልን ፈደራልን ብረቡዕ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳዕ 10፡00 ድሕሪ ቀትሪ (ግ) ክወጽኡ ከም ዝጀመሩ ሓቢሮም።
"ሰላማውያን ሰባት ድማ ሰንቢዶም ሰዓት 5፡00 ወይ 6፡00 ንግሆ ክወጽኡ ጀሚሮም፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ነባሪ ወሲኹ፡ "ተዅሲ ኣይነበረን። ንሓደ ቤትጽሕፈት ክኣትውዎ ከለዉ ባንዴራ ይተኽሉ፣ ናብ ኣየር ከኣ ይትኵሱ፣ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣይነበረን። ኣርሚታት 24 ከምኡ'ውን 33 ብብዝሒ ይኣትዉ ነይሮም።"
ብጸጥታዊ ምኽንያት ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ብዓል ስልጣን ናይቲ ከባቢ ነበር፡ ሓይልታት ፈደራል ካብታ ከተማ ሰዓት 8፡00 ምሸት ከም ዝወጽኡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ኣካታዒ ቦታ'ዩ፤ መንግስቲ ፈደራል እዩ ዝቈጻጸሮ ነይሩ። ብኽልተኡ ወገን ዝነበረ መሓውር መንግስቲ ፈሪሱ፡ ብኮማንድ ፖስት እዩ ዝመሓደር ነይሩ፡" ይብል።
እቲ ብዓል ስልጣን ነበር ወሲኹ፡ "ሕጂ ግን ሰራዊት ካብ ዝወጽእ ጀሚሩ ሰባት ምሉእ ለይቲ በቶም ዕጡቓት ክእሰሩን ክጭወዩን እዮም ሓዲሮም፣ ራስያ'ውን ኣሎ። መብዛሕትኦም ነበርቲ ናብ ቆቦን ወልድያን ሃዲሞም፡" ኢሉ።
ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ከባቢ ተዅሲ ከም ዘይነበረ፣ "ሓይልታት ትግራይ፡ ዝተፈላለዩ ኣርሚታት የጸግዑ ስለ ዝነበሩ፡ ሓይልታት ፈደራል ሓይሎም ንምእካብ ኢሎም፡" ካብቲ ከባቢ ወጺኦም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።
እቲ ብዓል ስልጣን ናይቲ ከባቢ ነበር፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት "ናብ ግጭት ዘመርሕ ዘሎ ይመስለኒ" ብምባል፡ ሕጂ እቲ ሰራዊት ኣብ ቆቦን ጮቢን ከም ዝሰፈረ ገሊጹ።
"ሓይልታት ትግራይ ኣቐዲሞም ኣብታ ከተማን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ገጠራትን ነይሮም እዮም፡" ዝበለ እቲ ብዓል ስልጣን፡ "ዋላ'ኳ ዝተፈላለየ ገበናት እንተ ተፈጸመ፡ ናይ ሓይሊ ምምጥጣን ስለ ዘይነበረ ሓይልታት ምክልኻል ይዅኑ ፖሊስ ፈደራል ደው ከብልዎም ኣይከኣሉን።"
ቀጺሉ፡ "ሕጂ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቍጽጻር ሓይልታት ትግራይ እዩ ዘሎ፡" ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ነበርቲ፡ "ልዑል ደረጃ ራዕድን ፍርሕን፡" ከም ዘሎ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ዝነበረን ሕጂ ንዅነታት እታ ከተማ ብቐረባ ዝከታተል ዘሎን ኣቶ ዝናቡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ቅድሚ ክልተ-ሰለስተ መዓልቲ፡ እቲ ኲናት ብወግዒ ኣብ ከባቢ ማይጸብሪ፡ ጸለምቲ እዩ ተጀሚሩ፡" ኢሉ።
"ምስቲ ናይ 2013፡ 2014 ከምኡ'ውን 2015 ዝመሳሰል ህልቂት መንእሰያት ጀሚሩ ኣሎ። ቀልጢፉ ደው ክብል እንተ ዘይክኢሉ ህዝቢ ትግራይ - ብሕልፊ ኣደታት - ዝሓዝነሉ ክኸውን እዩ፡" ይብል።
ትማሊ ረቡዕ ምሸት፡ ሓይልታት ምክልኻልን ፈደራልን ካብ ኣላማጣ ከም ዝወጽኡ ኣረጋጊጾም፡ "ሕጂ ኣብታ ከተማ ዓቢይ ወጥሪ ኣሎ፡" ክብል ሓቢሩ።
"ኣብዚ ግዜ'ዚ ሰባት ይጭወዩ ኣለዉ፡" ዝበለ ኣቶ ዝናቡ፣ "ኣብ ረዞር ዝበሃል ከባብን ኣብ ጥቓ መደበር ፖሊስ ራያ ኣላማጣን መዳጐኒ ማእከላት ኣለዉ።"
እቲ ኮማንድ ፖስት ካብቲ ቦታ ምስ ወጽአ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ሓይሊታት ትግራይ ከም ዝኣተወ ብምሕባር፡ ህዝቢ ከም ዝተረበሸን ኣብ ስግኣት ከም ዝወደቐን ገሊጹ።
ሓይልታት ምክልኻልን ፈደራልን ምስ ወጽኡ፡ "ምልውዋጥ ተዅሲ ኣይነበረን፣" ከምኡ'ውን፡ "ሕጂ ኣብቲ ከባቢ፡ ድምጺ ተዅሲ ደኣ ኣይተሰምዐን እምበር፡ ሃዋህው ኲናት እዩ ዘሎ፡" ኢሉ።
"እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዓቢይ ወጥርን ፍርሕን እዩ ዘሎ፤ ይእሰሩ፡ ይዝመቱ ኣለዉ። ሕጊ ኣልቦነት ነጊሱ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ክሳዕ ሕጂ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መልሲ ኣይረኸበን። ቢሲሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ በዓልስልጣን ናይቲ ከባቢ ነበር ኣቶ ዝናቡን፡ "ራስያ፡ ማእሰርትን ጭውያታትን" ይፍጸም ከም ዘሎ እኳ እንተ ገለጹ፡ ቢቢሲ ግን ነቲ ክሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ኣብ ህሉው ኵነታት ብዝምልከት ካብ ምምሕዳር ትግራይ ይዅን መንግስቲ ፈደራል ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ኣብ ካልእ ከባቢ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻልን ሓይልታት ትግራይን ግጭት ከም ዝተላዕለ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ሓቢሮም።
ማዕከን ዜና ፈረንሳን ሮይተርስን ንጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ከባቢ ጸለምቲ ግጭት ከም ዝነበረ ኣረጋጊጾም።
ብሓሙስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ትግራይ ክገብሮ ዝጸንሐ በረራታት ደው ከም ዘበለ ተጓዓዝቲ፡ ሓደ ብዓል ስልጣን ናይቲ ክልልን ምንጪ መንገዲ ኣየርን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ኲናት ድሕሪ ምክያዱ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ምስ በለ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ውግእ ኣይነበረን። እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት ካልእ ዙርያ ኲናት ከይቅስቅስ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዛዕባ'ዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጠሩ ፍጻመታት ርእይቶ ኣይሃቡን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







