ትራምፕ፡ ንኣዛተይቲ ሓማስን እስራኤልን ስለምንታይ ኣተሓሳሲቡ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሎሚ ሰኑይ፡ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ሓማስን እስራኤልን ኣብ ግብጺ ንምጅማር ምድላው ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኵሎም ኣብ ጻዕርታት ምውዳእ ኲናት ቓዛ ዝሳተፉ ሰባት "ብቕልጡፍ ክስጕሙ" ኣተሓሳሲቡ።
ሓማስ፡ ጅሆታት ንምፍታሕን ምሕደራ ቓዛ ንፍልስጤማውያን ቴክኖክራታት ምሃብን ሓዊሱ፡ ንገለ ክፋላት ናይቲ 20 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ኣመሪካ እኳ እንተተሰማምዓሉ፡ ኣብ ካልእ ጕዳያት ግን ድርድር ክገብር ይደሊ።
እቲ ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ እመማ ሰላም ዝሰፈሩ ቍልፊ ጠለባት ምፍታሕ ዕጥቂን ኣብ መጻኢ ምሕደራ ቓዛ ዝዀነ ተራ ከይህልዎን ንዝብሉ ነጥቢታት ኣይጠቐሰን።
ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ዝርርብ "ኣዝዩ ዕዉት" ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ "ቀዳማይ ምዕራፍ ኣብዚ ሰሙን ክዛዘም ከም ዘለዎ ተነጊሩኒ ኣሎ፤ ኵሉ ሰብ ድማ ብቕልጡፍ ክስጕም እሓትት፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ወሲኹ "ግዜ ኣገዳስነት ኣለዎ፤ እንተዘይኰይኑ ድማ ሰፊሕ ምፍሳስ ደም ክስዕብ'ዩ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ትራምፕ ኣቐዲሙ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት "ኣብ ቀረባ እዋን" ክፍትሑ ክጅምሩ እዮም ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ብዛዕባ እቲ ኣመሪካ ዘቕረበቶ እማመ ሰላም ድማ፡ "ኵሉ ሰብ ዳርጋ ተሰማሚዑሉ ስለ ዝዀነ ምትዕጽጻፍ ኣየድልየናን'ዩ፤ እንተዀነ ወትሩ ገለ ለውጢ ክህሉ'ዩ፡" ኢሉ።
"ንእስራኤል ዓቢ ነገር'ዩ፡ ንመላእ ዓረብ፡ ኣስላም ዓረብ ዓለምን ዓቢ ነገር'ዩ። ስለዚ ብእኡ ኣዚና ሕጕሳት ኢና፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ሓማስ ነቲ ዝቐረበ ውጥን ሰላም ምላሽ ድሕሪ ምሃቡ፡ ትራምፕ እስራኤል "ነቲ መጥቃዕቲ ቦምባታት ብቕጽበት ደው ከተብሎ" እኳ እንተተነግራ፡ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ቓዛ ቀጺሉ ክብል ብዓርቢ ነቒፉ ነይሩ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል ሾሽ በድሮስያን ብሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብዚ እዋን፡ ብሓቂ ኣብ ውሽጢ ወሽመጥ ቓዛ ዝተወሰኑ መጥቃዕቲታት ቦምባ ደው ክብሉ እንከለዉ፡ ተዅሲ ግን ደው ኣይበለን፡" ኢሉ።
በድሮስያን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ "ምክልኻል ዕላማ ዝገበረ ግብረ መልሲ ክወሃብ ... ኣብ ዓውደ ውግእ ቓዛ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ነገር እንተሃልዩ፡" ትእዛዝ ከም ዝሃበ ገሊጹ።
ካብ ቓዛ ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ እስራኤል ክሳብ ሰንበት መጥቃዕቲ ኣየርን ተኹሲ ታንክታትን ቀጺላ፡ ኣብ ከተማ ቓዛ ንዝርከቡ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ህንጻታት ከም ዘዕነወት ይሕብሩ።
ሓደ ወኪል ቢቢሲ፡ ትማሊ ሰንበት ንግሆ ኣብ እስራኤል ከተማ ክቡትዝ በዓሪ ኣብ ጥቓ ዶብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ፍንጀራታት ሰሚዑ፡ ትኪ ከም ዝረኣየ ሓቢሩ።
ኣብ 24 ሰዓታት ብወተሃደራዊ ስርሒታት እስራኤል ካልኦት 65 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ንመሻርኽቲ ዜና ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንምፍታሕ ዘኽእል መገዲ ንምምችቻእ እቲ መጥቃዕቲ ደው ክብል ከም ዘለዎ ገሊጹ።
"ደብዳብ እናተፈጸመ እንከሎ ጅሆታት ክትፈትሕ ኣይትኽእልን ኢኻ... እዚ ደው ክብል ኣለዎ፤ ኣብ ካልእ ሎጂስቲካዊ ነገራት እውን ክትሰርሕ ኣለካ፡" ክብል ተዛሪቡ።
"እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከነውጽኦም ንደሊ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ውጥን፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ዝእምት ኰይኑ፡ ሓማስ 20 ብህይወት ዘለዉ ጅሆ ዝተወስዱ እስራኤላውያን ብምፍታሕን ሬሳታት ናይቶም ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ሞይቶም ተባሂሉ ዝእመን ልዕሊ 12 ጅሆታትንን ብምርካብን፡ ምልውዋጥ ብኣማኢት ዝቝጸሩ እሱራት ፍልስጤማውያን ክግበር እዩ ይብል።
ነታንያሁ ብቐዳም፡ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት "ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት" ከም ዝፍትሑ ክሕብር ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ኔታንያሁ፡ እቲ ሎሚ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ወሳኒ ዝርርብ ዝሳተፍ ልኡኽ ክብገስ ኣዚዙ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዶሃ ቀጠር እስራኤል ብዘተኻየደቶ ፈተነ ቅትለት፡ ሓደ ካብቶም ዒላማ ዀይኑ ዝነበረ ዋና ተደራዳሪ ካሊል ኣል ሃያ ዝምራሕ ልኡኽ ሓማስ ድማ፡ ትማሊ ሰንበት ምሸት ናብ ካይሮ ክኣቱ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ፣ ሰብኣይ ጓሉ ንትራምፕ ጃሬድ ኩሽነርን ሚኒስትር ጕዳያት ወፃኢ ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣልታኒን እውን ክሳተፉ እዮም።
እቲ ዝርርብ ድሕሪ ምጅማር ውፅኢታዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ግጭት ደው ንምባል ዝወስድ መገዲ ምህላዉ ክውስን ይኽእል እዩ።
ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ቓዛ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ጀሚሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብወተሃደራዊ ስርሒታት እስራኤል ኣብ ቓዛ 67 ሽሕን 139 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።
ኣህጉራውያን ጋዜጠኛታት ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ጀሚሩ ብናጻ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ከይኣትዉ ብእስራኤል ዝተኸልከሉ ብምዃኖም፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝቐርብ ክሲ ምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ።
ንሕጂ ግን፡ ዋላ'ኳ ዓሚቝ ዘይምትእምማንን ፖለቲካዊ ኣፈለላይን እንተሃለወ፡ እዚ ዙርያ'ዚ ኣብ መወዳእታ ናብ ምቁራጽ ተኹሲ መገዲ ክኸፍት ይኽእል'ዩ ዝብል ተስፋ ብምግባር፡ ተደራደርቲ ኣብ ግብጺ ክእከቡ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ዞባ ተስፋ ሰላም ሒዙ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







