ሓማስ ንእማመ ሰላም ትራምፕ መልሲ ሂቡ፡ ትራምፕን ናታንያሁንከ እንታይ ይብሉ?

ፕረዚደንትን ትራምፕን ኢዶም ተጨባቢጦም ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ነቲ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝቐረበ እማመ ሰላም ቓዛ እወታዊ ግብረመልሲ ዝሃበ ኰይኑ፡ ጅሆ ሒዙዎም ዘሎ ኵሎም እስራኤላውያን ክፈትሕ ተሰማሚዑ። እንተዀነ፡ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ናይቲ ብዓል 20 ነጥብታት እማመ ግን ክመያየጥ ሓቲቱ ኣሎ።

ሓማስ ነቲ እማመ ክሳዕ ሰንበት እንተ ዘይተቐቢሉ "መዓት" ክወርዶ ምዃኑን እስራኤል ስግኣታ ንምእላይ ኣብ እትገብሮ ወፍሪ ሃገሩ ኢዳ ከም እተእቱን ኣጠንቂቑ ዝነበረ ትራምፕ፡ እወታዊ ምላሽ ሓማስ ብዝሰምዐ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ እትገብሮ ደብዳብ ብቕልጡፍ ደው ከተብሎ ብምጥላብ ግብረመልሲ ሂቡ።

እዚ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እስራኤል ግብረመልሲ ንምሃብ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዘካየደትሉ ልዕሊ 66,000 ፍልስጤማውያን ዝቐተለን ብዙሓት ዘመዛበለን ኲናት፡ ብሓቂ ድዩ መኽተያ ክረክብ?

ሓማስ እንታይ እዩ ኢሉ?

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ እማመ ምስ ኣፍለጠን ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ምስ ተቐበሎን ኵለን ኣዕይንቲ ዓለም ናብ ሓማስ እየን ከቋምታ ጸኒሐን።

ኣብዚ ጉዳይ መንጎኛታት ዘለዋ ሃገራት ዓረብን ቱርክን ሓማስ ነቲ እማመ ብእወታ ክቕበሎ ጸቕጢ ክገብራ ጸኒሐን እየን።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር፡ ሓማስ ነቲ እማመ ዋይት ሃውስ "ሓላፍነት ብዝተመልኦ" የጽንዖ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ እማመ፡ ኵሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክልቀቑን ከም ኣምሳያኡ ድማ እስራኤል ኣሲራቶም ዘላ ኣማኢት ቓዛውያን ክትፈትሕን ስለ ዝጠልብ፡ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንሓማስ ኣውራ መደራደሪኦም ስለ ዝዀነ ክቕበሉዎ ድዮም ዝብል ስግኣት ኣንጠጥዩ ጸኒሑ።

መወዳእታኡ ግን ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ሓማስ ንዅሎም ጅሆ ሒዙዎም ዘሎ - ብህይወት ዘለዉን ዘየሎውን - ክፈትሕን እስራኤል ድማ ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ክትወጽእን ከም ዝተሰማምዐ ገሊጹ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እቲ ንቓዛ ከመሓድር ዝጸንሐ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ስልጣኑ ንፍልስጤማውያን ቴክኖክራት (ካብ ፖለቲካዊ ውግንና ሓራ ዝዀኑ ክኢላታት) ኣረኪቡ ከም ዝወጽእ ሓቢሩ።

ኣብ ካልኦት ጉዳያት ናይቲ 20 ነጥብታት እማመ ትራምፕ፡ ንኣብነት ምፍታሕ ብረት ሓማስ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ፍልስጤማውያን ክዝትየሉ ምዃኑን "ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ኣበርክቶ ከም ዝገብር፡"ን ቃል ኣትዩ።

ቓዛውያን፡ ንነዊሕ እዋን ሃረር ዝበሉዎ ሕልሚ ጋህዲ ክዀነሎም ብተስፋ ይጽበዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቓዛውያን፡ ንነዊሕ እዋን ሃረር ዝበሉዎ ሕልሚ፡ ጋህዲ ክዀነሎም ብተስፋ ይጽበዩ

ትራምፕኸ እንታይ በለ?

ትራምፕ ንእወታዊ ምላሽ ሓማስ ብሓጐስ ከም ዝተቐበሎን እቲ ፍልስጤማዊ ጕጅለ፡ "ንነባሪ ሰላም ድልው እዩ፡" ዝብል እምነት ከም ዘለዎን ኣብ ሶሻል ትሩዝ ጽሒፉ።

ቀጺሉ፡ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ምእንቲ ክፍትሑ፡ "እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ደብዳብ ንእለቱ ደው ከተብሎ ኣለዋ፡" ኢሉ።

"ድሮ ኣብቶም ክስርሓሎም ዘለዎም ዝርዝራት ንመያየጥ ኣለና። እዚ ብዛዕባ ቓዛ ጥራሕ ኣይኰነን - ብዛዕባ'ቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንነዊሕ እዋን ሰላም ንምስፋን ዝነበረ ድላይ እዩ፡" ክብል ጽሒፉ።

ኣብ ዝሰደዶ ካልእ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ'ውን፡ "እዛ ዕለት፡ ዓባይ እያ። ኵሉ ብኸመይ ከም ዝቕጽል ክንርእዮ ኢና። ናብቲ ናይ መወዳእታ ጭቡጥ ቃል ክንበጽሕ ኢና፡" ኢሉ።

"እዚኣ እምበረ-መጠን ፍልይቲ መዓልቲ ምዃና ጥራሕ እየ ክሕብረኩም ዝደሊ። ኵናት ከኽትምን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክሰፍንን ኣብ ዝነበረ ድሌት ኵሉ ሰብ ይሰማማዕ ነይሩ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ኣብ ድርኵኺት በጺሕና ኣለና።"

ቀጠር፡ ቱርኪ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ዮርዳኖስን ግብጽን ኣብ ስምምዕ ሰላም ንኽዛተ ንዝገበርኦ ጻዕሪ ድማ ኣመስጊኑ።

እስራኤልከ እንታይ ትብል ኣላ?

ትራምፕ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ኰይኑ እዩ ብሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ እማመ ሰላም ቓዛ ኣፍሊጡ።

ናታንያሁ፡ እማመ ትራምፕ ንሸቶታት ኲናት እስራኤል ዘስምር ብምዃኑ ከም ዝድግፎ ገሊጹ።

"ንዅሎም ጅሆታትና ናብ እስራኤል ክመልሶም፡ ወተሃደራዊ ዓቕምታት ሓማስን ፖለቲካዊ ምሕደራኡን ክፈርስን ቓዛ ድሕሪ ደጊም ንእስራኤል ሓደጋ ከም ዘይትፈጥር ከረጋግጽን እዩ፡" ኢሉ።

ቀጺሉ፡ ሓማስ ነቲ እማመ እንተ ዘይተሰማሚዕሉ ወይ'ውን ተቐቢሉዎ ብድሕሪኡ ንምትዕንቓፉ ስጕምቲ እንተ ወሲዱ፡ እስራኤል፡ "ነቲ ዕማም ባዕላ ክትውድኦ፡" ምዃና ኣጠንቂቑ።

ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ብቛንቋ ሃገሩ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘካፈሎ ቪድዮ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ገለ ክፋል ቓዛ ክጸንሕ ከም ዝኽእልን እስራኤል ንሃገር ፍልስጤም "ብጽኑዕ ክትቃወም" ምዃናን ገሊጹ።

ኣደታት ናይቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንትራምፕ የመስግና

ምንጪ ስእሊ, Handout

መግለጺ ስእሊ, ኣደታት ናይቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንትራምፕ የመስግና

ቀንዲ ዘዘራርቡ ነጥብታት ኣየኖት እዮም?

እቲ እማመ፡ ቓዛ ብኸመይ ከም እትመሓደር ኣቐሚጡ ይርከብ፣ "ካብ ፖለቲካ ናጻ ዝዀነ ፍልስጤማዊ ሽማግለ ቴክኖክራት፡" ንግዜኡ ዘመሓድራ ኰይኑ፡ ብትራምፕ ዝምራሕ "ቦርድ ሰላም" ዝተባህለ ሓድሽ ኣህጉራዊ መሰጋጋሪ ኣካል ድማ ክከታተሎ እዩ።

ሓማስ ነቲ ብትራምፕን ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌርን ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳርን ካልኦት መዳያትን ክቕበል ፍቓደኛ ከም ዘይኰነን ክመያየጥሎምን ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ምፍታሕ ኣጽዋር ዝብል ነጥቢ'ውን ጸገም ክህሉዎ እዩ። ትራምፕን ናታንያሁን እቲ ጕጅለ ብቕጽበት ዕጥቁ ክፈትሕ ኣለዎ ይብሉ፣ ሓማስ ግን ነቲ ኣርእስቲ ክዛተየሉ ፍቓደኛ ምዃኑ ጥራይ እዩ ተዛሪቡ።

ሓማስ ነቲ እማመ "ብጥንቃቐ" ይርእዮ ከም ዘሎን ንኻልኦት ውድባት ፍልስጤም'ውን ከም ዘጠቓለለን እዩ ክግለጽ ጸኒሑ። ሓያሎ መዓልታት ክወስድ ትጽቢት እኳ እንተ ነበረ፡ እወታዊ ግብረመልሲ ሂብሉ ኣሎ።

ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተሳተፈን ቅድሚ ሕጂ ንገለ እስራኤላውያን ጅሆ ዝሓዘን ዕጡቕ ጕጅለ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድ (PIJ) ነቲ ውጥን ብሰሉስ ነጺጉዎ እዩ።

ሓማስን እስራኤል ኣብቲ ዝርዝሩ ከመይ ክሰማምዓ እየን ግዜ ዝምልሶ ክኸውን እዩ።

መራሕቲ ዓለምከ እንታይ ይብሉ ኣለዉ?

ፕረዚደንት ማክሮንን ቀዳማይ ምኒስተር ስታርመርን ኢድ ንኢድ ተጨባቢጦም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ "ኵሎም ወገናት ነቲ ኣብ ቓዛ ዘጋጠመ ዘሕዝን ግጭት ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ ነዚ ዕድል ክጥቀምሉ እላቦ፡" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ ሓማስ ንእማመ ውጥን ሰላም ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሃቦ መልሲ "ዘተባብዕ" ምዃኑን "እዚ ህሞት ክቐውም ኣለዎ፡"ን ኢላ።

ኤውሮጳ እቲ ኲናት ከብቅዕን ክልተ ሃገራት ዝሓቘፈ ፍታሕ ንምድንፋዕ ዝግበር ኵሉ ጻዕርታትን ክትድግፍ ምዃና ብምግላጽ፡ እቲ እንኮ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል መፍትሒ ሰላም ክትብል ረቚሓቶ።

ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር፡ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝያዳ ዘተ ክትድግፍን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ነባሪ ሰላም ክሰፍን ክትሰርሕን ቃል ኣትዩ። ኵሎም ወገናት ነቲ እማመ ብዘይ ወዓል ሕደር ከተግብሩዎ ብምጽዋዕ፡ ሓማስ ንገለ ክፋል ናይቲ እማመ ምቕባሉ፡ ተዅሲ ደው ንምባል፡ ጅሆታት ናብ ቤቶም ክምለሱን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቶም ዘድልዮም ክበጽሕን ዕድል ከም ዝህብ ሓቢሩ።

ቐጠር ንመግለጺ ሓማስ ብሓጐስ ከም እትቕበሎ ብምግላጽ፡ "ጅሆ ዝተታሕዙ ብውሑስን ቅልጡፍን ንኽፍትሑ ኣብ ምምችቻእ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ቓዛ ዝፈስስ ዘሎ ደም ፍልስጤማውያን ደው ንምባል ንዝጽውዕ መገልጺ ፕረዚደንት [ትራምፕ] ደገፍና ነረጋግጽ፡" ኢላ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ "ሓማስ ተዅሲ ደው ንምባል ዘኽእል እማመ ቓዛ ምቕባሉ፡ ነባሪ ሰላም ንምውሓስ ሃናጽን ኣገዳሲ ስጕምትን እዩ፡" ኢሉ።

ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ፡ "ምፍታሕ ጅሆታትን ሰላም ቓዛን ጭቡጥ እዩ ዘሎ። እዚ ሰላም ንምንጋስ ዝበለጸ ዕድል እዩ፡" ክብል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ "ምፍታሕ ኵሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባትን ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛን ጭቡጥ ኰይኑ ኣሎ። ሓማስ ንዝኣተዎ ቃል ብዘይ ውዓል ሕደር ከተግብር ኣለዎ፡" ኢሉ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ፡ "ሕጂ ቀዳምነት ዝወሃቦ ምቍራጽ ተዅሲ ክኸውን ኣለዎ፣ ምኽንያቱ፡ ጅሆ ዝተታሕዙ ንኽልቀቑ ባብ ዘርሕው ስለ ዝዀነ። ኢጣልያ እጃማ ክትፍጽም ድልውቲ እያ፡" ክትብል ቃል ኣትያ።

ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ "ኵሎም ወገናት፡ ዝኣተውዎ ቃል ናብ ተግባር ንምቕያር ብቕልጡፍ ክሰርሑ ንላቦ፡" ኢሉ።