ባጀት መንግስቲ ኣመሪካ ደው ክብል ይኽእል'ዩ፡ ብዛዕባ'ዚ ደውታ እንታይ ንፈልጥ?

ህንጻ ዋይት ሃውስ ይርአ፣ ኣብ ቅድሚኡ ድማ "Stop Trump" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ታቤላ ይርአ።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

መራሒ ሰልፊ ሪፓብሊክ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ውጥን ወጻኢታት ናይታ ሃገር ምስ ሰልፊ ደሞክራት ክሰማማዕ እንተ ዘይክኢሉ፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ዝግበር ምወላ ደው ክብል ይኽእል እዩ።

ገለ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ድማ ንሓጺር እዋን ደው ከብሉ ክግደዱ እዮም።

ኣብ ባህሊ ፖለቲካ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ባጀት ምንሕናሕ ዘጋጥም እኳ እንተዀነ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስፍሓት መንግስቲ ፈደራል ክጽልጽል ስለ ዝጸንሐ ግን እዚ ወጥሪ'ዚ ፍሉይ ኰይኑ ኣሎ።

ንምንታይ ባጀት መንግስቲ ደው ይብል?

ደውታ ባጀት መንግስቲ ዝፍጠር፡ ክልተኦም ወገናት ክሳዕ ጥቅምትን ኪኖኡን ብዛዕባ ምወላ ኣገልግሎታት መንግስቲ ክሰማምዑ ምስ ዘይክእሉ እዩ።

ሪፓብሊካውያን ንኽልተኡ ክፋላት ኮንግረስ ይቈጻጸሩዎ፣ ኣብ ሰኔት ግን እኹል ድምጺ የብሎምን (60 የድልዮም)።

ኣብዚ ቃልሲ፡ ደሞክራስያውያን ገለ ስልጣን ኣለዎም። ዜጋታት ኣገልግሎት ሕክምና ንምርካብ ከም ዝጽገሙ ክገብሩዎም እዮም ንዝብሉዎም ሪፓብሊካውያን ክድግፉዎም ኣይደልዩን።

ደሞክራስያውን መድሕን ጥዕና ንሚልዮናት ሰባት ሕሱር ክኸውን ዘኽእል ግብሪ ክናዋሕ ይደልዩ፣ እዚ መድሕን ከብቅዕ ቀሪቡ ብምህላዉ ድማ ነቲ ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተኻየደ ምቝራጽ ናብ ዝነበሮ ክመልሱዎ ድሌት ኣለዎም።

ብተወሳኺ፡ ንማእከላት ምቍጽጻር ሕማማት (CDC)ን ሃገራዊ ትካላት ጥዕናን (NIH) ወጻኢታት ክቕንስ ዝቐረበ ሓሳብ ይቃወሙ።

ግዝያዊ ናይ ወጻኢታት እማመ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ (ታሕተዋይ ባይቶ) ጸዲቑ'ኳ እንተ ነበረ፡ ዛጊት ግን ኣብ ሰኔት ኣይሓለፈን።

ምዓስ'ዩ ባጀት ደው ምባል ክህሉ ዝኽእል?

ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይበጺሖም ብ1 ጥቅምቲ ደው ክብል ይኽእል፣ ድሕሪ ኣስታት ሸውዓተ ዓመታት ዘጋጠመ ፍጻመ ድማ ክኸውን እዩ።

ክልተኦም ወገናት እቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ፕረዚደንት ትራምፕ ዘጓነፈ ደውታ ዳግማይ ከየጋጥም ብዙሕ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንፈለማ እዋን ምስ ኣርባዕተኦም ላዕለዎት መራሕቲ ኮንግረስ - ካብ ክልተኡ ባይቶን ሰኔትን ዝመጽኡ ደሞክራስያውያንን ሪፓብሊካውያንን ክራኸብ እዩ።

እንተዀነ፡ ትራምፕ ንማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ነዚ ጉዳይ ብኸመይ ክንፈትሖ ከም እንኽእል ኣይፈልጥን'የ፡" ኢሉ።

ደው ክብል ዘኽእሎ እንታይ እዩ?

ኣብዚ እዋን'ዚ ደው ክብል ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል እዩ።

ሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ዛጊት ትርጕም ዘለዎ ሕድገታት ንምግባር ድልውነት ኣየርኣዩን። መንግስቲ ግሉጽ ክኸውን ለውጢ ዝሓቱ ዘለዉ ደሞክራስያውን ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበሩዎ፡ ነቲ ወቐሳ ኣብ ልዕሊ ሪፖብሊካውያን ዘውርዱዎ እዮም ዝመስሉ።

ደሞክራስያውያን፡ ኣብ መድሕን ጥዕና ዝግበር ድጎማ ክቕጽል ዝገብሩዎ ዘለዉ ጸቕጢ ህዝባዊ ሕቶ ምዃኑ ይኣምኑ። ሓያሎ ደሞክራስያውያን ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ባጀት ንሕንሕ ከምቲ ዝግባእ ከም ዘይተቓለሱ ብምእማን፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣበርቲዖም ክቃለሱ ይደልዩ። እዞም ኣብ ስልጣን ዘየለዉ ሰልፊ፡ እዛ ባጀት መንግስቲ ምውሳን ሓንቲ ካብ ዘላቶም ስልጣን እያ።

ነዚ ስግኣት'ዚ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ እዩ?

እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዓቢይ ፍልልይ ኣብ መርገጺ ዋይት ሃውስ እዩ ዝምርኰስ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ደው ዝበለ፡ ንዕለታዊ ህይወት ስለ ዝዘርግን ዜጋታት ንኣባላት ባይቶን ፕረዚደንትን ብኸመይ ከም ዝርእዩዎም ስለ ዝጸሉን ፖለቲካዊ ሓደጋ ነይሩዎ። ሰበስልጣን፡ ነዚ ደው ምባል ተጠቒሞም ክባረሩ ዝኽእሉ ቀንዲ "ኣገደስቲ ዘይኰኑ" ሰራሕተኛታት ንምልላይ ክጥቀምሉ ከም ዝኽእሉ ከይተረፈ ተዘራሪቦም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ እቲ ምንሕናሕ ምስ ተዛዘመ መብዛሕትኡ ዕማማት መንግስቲ ናብ ንቡር ተመሊሱ፣ ሰራሕተኛታትን ወጻኢታትን'ውን ብተመሳሳሊ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ትሽዓተ ኣዋርሕ ግን ትራምፕ ንፕረዚደንታዊ ስልጣኑ ብዝፍትን መንገዲ ሰራሕተኛታት ኣባሪሩን ወጻኢታቱ ኣጕዲሉን። ባጀት ደው ምባል ድማ ነዚ ምጕዳል'ዚ ከቀላጥፎ ይኽእል እዩ።

እዚ ደው ምባል ጽልዋኡ እንታይ እዩ?

ኵሎም መንግስታውያን ኣገልግሎታት ኣይኰኑን ደው ዝብሉ፤ ከም ሓለዋ ዶባት፡ ሆስፒታላት፡ ምኽባር ሕጊ፡ ምቍጽጻር ትራፊክ ኣየር ዝኣመሰሉ ዕማማት ይቕጽሉ እዮም።

ማሕበራዊ ድሕነትን ሓገዝ ክፍሊት ሕክምናዊ ኣገልግሎታትን ግን ደው ክብል ይኽእል እዩ። ናይ ጥቕሚ ቸክን መድሕን ካርድን ድማ ክድንጕዩ ይኽእሉ።

ኣገደስቲ ዝበሃሉ ሰራሕተኛታት ዕዮኦም ዝቕጽሉ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣገደስቲ ዘይኰኑ ግን ንዘይክፈሎም ዕረፍቲ ክወጽኡ ይክእሉ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ግን ገለ ዘይኣገደስቲ ሰራሕተኛታት ድሒሮም ክኽፈሉ ጀሚሮም ነይሮም።

ከም መደባት ሓገዝ መግቢ፡ ብፈደራል ዝምወል ቅድመ-ትምህርቲ፡ ልቓሕ ተምሃሮ፡ ክትትል መግቢ፡ ከምኡ'ውን ስርሓት ሃገራዊ ፓርክ ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ክቕነሱ ወይ ክዕጸዉ ይኽእሉ።

ንነዊሕ እዋን ደው እንተ ኢሉ መገሻታት ክጐድል ይኽእል፣ ንቝጠባ ኣመሪካ'ውን ዝጐድእ እዩ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ባጀት መንግስቲ ደው ምባል ክሳዕ ክንደይ ልሙድ እዩ?

ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ልሙዳት ኰይኖም እዮም ጸኒሖም።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ትራምፕ ሰለስተ ደውታታት ተራእዩ፤ እቲ ኣብ መጀመርታ 2019 ብሰንኪ ምህናጽ መንደቕ ዶብ ሜክሲኮ ዝተራእየ ደው ምባል ዝነውሐ ነይሩ - ን36 መዓልታት።

ቤትጽሕፈት ባጀት ኮንግረስ (CBO)፡ እቲ ኣብ 2019 ዘጓነፈ ድውታ ንቝጠባዊ ፍርያት ኣመሪካ ብኣስታት 11 ቢልዮን ዶላር ከም ዘጕደሎ ገሊጹ። እቲ 3 ቢልዮን ዶላር ካብኡ ክምለስ ኣይተኻእለን።

ኣብ 1980ታት፡ ኣብ ግዜ ካብ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ዝነበረ ፕረዚደንት ሮናልድ ሬጋን ንሓጺር እዋን ዝጸንሑ ሸሞንተ ግዜ ደውታታት ኣጋጢሞም።

ኣብ ኣመሪካ፡ እቲ ዝስላዕ ባጀት ብሕጊ ቅድሚ ምጽዳቑ ዝተፈላለያ ጨናፍር መንግስቲ ኣብ ኣወጻጽኣኡ ክሰማማዓ ስለ ዘለወን ናይ ባጀት ንሕንሕ ልሙድ እዩ።