ቓዛ፡ ትራምፕን ነታንያሁን ዝተሰማምዕሉ ሓድሽ ውጥን ሰላም እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁን ኣብ ሓድሽ ውጥን ሰላም ቓዛ ከምዝተሰማምዑ ብምግላጽ፡ ሓማስ ንኽቕበሎ ኣተሓሳሲቦም።
እቲ ውጥን፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ዝእምት ኰይኑ፡ ሓማስ 20 ብህይወት ዘለዉ ጅሆ ዝተወስዱ እስራኤላውያን ብምፍታሕን ሬሳታት ናይቶም ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ሞይቶም ተባሂሉ ዝእመን ልዕሊ 12 ጅሆታትንን ብምርካብን፡ ምልውዋጥ ብኣማኢት ዝቝጸሩ እሱራት ፍልስጤማውያን ክግበር እዩ ይብል።
ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ተዅሲ ደው ምባል ዝፈልጥ ፍልስጤማዊ ምንጪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰበስልጣን ሓማስ እቲ 20 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ዋይት ሃውስ ከም ዝተዋህቦም ሓቢሩ።
እዚ ድማ፡ ሓማስ ኣብ ምምሕዳር ቓዛ ዝዀነ ተራ ከም ዘይህልዎ ይጠልብ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ንምስረታ ሃገረ ፍልስጤም ማዕጾ ርሑው ምዃኑ የመላኽት።
ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ውጥን "ታሪኻዊ መዓልቲ ሰላም" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ፡ ሓማስ በቲ ውጥን እንተ ዘይተሰማሚዑ "ስግኣት ሓማስ ናይ ምጥፋእ ስራሕ ንምውዳእ፡" ደገፍ ኣመሪካ ከም ዝህሉ ገሊጹ።
ቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ ብወገኑ፡ ሓማስ ነቲ ውጥን እንተ ነጺጉዎ ወይ እንተ ዘይተኸቲሉ እስራኤል፡ "እቲ ስራሕ ክትውድኦ እያ፡" ኢሉ።
ብእስራኤል ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ዘመሓድር ብዓልመዚ ፍልስጤም፡ ጻዕርታት ፕረዚደንት ኣመሪካ "ቅንዕናን ቈራጽነትን፡" ዝተመልኦ ክብል ገሊጹዎ።
እቲ ብዓልመዚ ብማዕከን ዜና ዋፋ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኲናት ቓዛ ንምቍራጽ፡ እዅል ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ንምብጻሕ፡ ከምኡ'ውን ጅሆ ዝተታሕዙን እሱራትን ንምፍታሕ፡ "ምስ ኣመሪካ፡ ዞባዊ መንግስታትን መሻርኽትን ንምስራሕ ሓባራዊ መብጽዓኡ ከም ዘሐድስ፡" ገሊጹ።
ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቐጠር፡ ግብጺ፡ ዮርዳኖስ፡ ቱርኪ፡ ኢንዶነዥያን ፓኪስታንን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ትራምፕ "ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምውዳእ ዝገበሮ ልባዊ ጻዕርን መሪሕነትን፡" ብሓጐስ ከም ዝቕበልዎ ገሊጾም።
ነቲ ስምምዕ ንምዝዛምን ንምትግባርን፡ ምስ ኣመሪካ ንምትሕብባር ድሉዋት ምዃኖም ብምሕባር፡ እዚ ድማ "ናብ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ዘምርሕ ክኸውን፡ ኣብታ እትምስረት ሃገረ ፍልስጤም ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ምስ ምዕራባዊ ገማግም ክትጠቓለል፡" ኣለዋ ኢሎም።
እቲ ውጥን ብተወሳኺ እንታይ ይብል?
እቲ እማመ ግብራዊ እንተዀይኑ፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍ ደው ምባል ክጅምር እዩ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ዝነበሩ "መስመራት ውግእ" እቲ ቅድመ-ዅነት ክሳብ ዝማላእ ኣብ ቦታኦም ክጸንሑ ምዃኖም ይገልጽ።
ብመሰረት ውጥን ትራምፕ፡ ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕ፡ ጋለርያታቱን ኣጽዋር ዘፍርየሎም መሳለጥያታትን ክዓንው እዮም።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እቲ ውጥን፡ ንነፍሲወከፍ ሬሳኡ ዝተለቐቐ እስራኤላዊ ጅሆ፡ እስራኤል ሬሳ 15 ዝሞቱ ቓዛውያን ክትህብ እያ ይብል።
እቲ ውጥን ክልቲኦም ወገናት በቲ እማመ ምስ ተሰማምዑ "ምሉእ ሓገዝ ብቕጽበት ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክለኣኽ'ዩ፡" ዝብል ነጥቢ ኣለዎ።
ቀጺሉ፡ ሓማስ ኣብቲ ሓድሽ ትጽቢት ዝግበር ምሕደራ፡ "ብቐጥታ፡ ብተዘዋዋሪ ወይ ብዝዀነ መልክዕ" ዝዀነ ተራ ክህልዎ የብሉን ይብል።
መብዛሕትኡ እቲ ትልሚ ኣብቲ ኣመሪካ፡ "ትልሚ ቍጠባዊ ልምዓት" ኢላ እትጽውዖ ዳግመ ህንጸት ቓዛ ዘተኰረ እዩ።
ብተወሳኺ፡ "እስራኤል ንቓዛ ኣይትሕዛን ኣይትሕውሳን፡" ብምባል፡ ሓይልታታ ድማ ምስ ግዜ ብብደረጃኡ ካብቲ መሬት ክወጽኡ እዮም።
ትራምፕ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበሎ ብዝተፈለየ መልክዑ፡ ፍልስጤማውያን ድማ ካብ ቓዛ ክወጽኡ ኣይክግደዱን እዮም።
ኣብ ክንድኡ እቲ ሰነድ፡ "ሰባት ክጸንሑ ከነተባብዕን ዝሓሸት ቓዛ ንምህናጽ ዕድል ክንህቦምን ኢና፡" ኢሉ።
እቲ ውጥን፡ ኣብ መወዳእታ ንምስረታ ሃገረ ፍልስጤም እውን ማዕጾ ክፉት ዝገብር እዩ።
መራሕቲ ሃገራት ነዚ ብኸመይ ተቐቢሎሞ?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣመሪካ ንመጻኢ ምሕደራ ቓዛ ዘለዋ መደብ እውን ዝገለጸት ኰይና፡"ቴክኖክራት፡ ዘይፖለቲካዊ ፍልስጤማዊ ኮሚቴ" ንግዚኡ፡ "ብዓለምለኻዊ ኣካል መሰጋገሪ ቦርድ ሰላም ዝተባህለ፡ ብትራምፕ ዝምራሕ፡ ምሕደራ ክህሉ ኣለዎ፡" ኢላ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ሰር ቶኒ ብሌር ምስ ካልኦት መራሕቲ ብምዃን፡ ኣካል ናይቲ ምምሕዳር ክኸውን እዩ። ሰር ቶኒ ነቲ ውጥን "ተባዕን በሊሕን፡" ኢሉዎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር ነቲ ውጥን ብሓጐስ ብምቕባል፡ "ኵሎም ወገናት ናብ ሓደ ክመጽኡን ምስ ምምሕዳር ኣመሪካ ብምትሕብባር ነዚ ስምምዕ ክዛዝሙን ናብ ክውንነት ክወስዱን ንጽውዕ፡" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ሓማስ ሕጂ ኣብቲ ውጥን ተሰማሚዑ ነቲ ሕሰም ከብቅዕ ይግባእ፤ ዕጥቁ ብምውራድ ንዅሎም ዝተረፉ ጅሆታት ክፈትሕ ኣለዎ፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ባይቶ ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ ነቲ እማመ፡ ብ"ዝሃቦ እወታዊ ምላሽ ከም ዝተተባብዐ፡" ብምግላጽ፡ "ኵሎም ወገናት ነዚ ህሞት ተጠቒሞም ንሰላም ሓቀኛ ዕድል ክህቡ ኣለዎም፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ነቲ እማመ ብምንኣድ፡ "ፈረንሳ ነቲ ኲናት ንምቍራጽን ምሩኻት ንምፍታሕን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣበርክቶ ክትገብር ድልውቲ እያ፡" ኢሉ።
"እዞም ባእታታት እዚኦም፡ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ምርኵስ ብምግባር፡ ኣብቲ ዞባ ነባሪ ሰላም ንምትካል፡ ምስ ኵሎም ዝምልከቶም መሻርኽቲ ብዕምቈት ዝርርብ ንኽካየድ መንገዲ ክኸፍቱ ኣለዎም፡" ይብል ማክሮን።
ብዛዕባ እቲ ተዅሲ ደው ምባል ዝፈልጥ ፍልስጤማዊ ምንጪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሰበስልጣን ቐጠርን ግብጽን ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምቍራጽ ዝዓለመ ውጥን ዋይት ሃውስ ንሰበስልጣን ሓማስ ኣብ ዶሓ ኣረኪቦም፡" ኢሉ።
ኣቐዲሙ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሓማስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ጕጅለ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ኲናት ከብቅዕ ዝኽእል ዝዀነ ይዅን እማመ ንምጽናዕ ክፉት ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ግን ንረብሓታት ፍልስጤም ክሕሉ፡ እስራኤል ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ክትወጽእ ከረጋግጽን ነቲ ኲናት ኣብ መወዳእታ ከብጽሖን ከም ዘለዎ ኣስሚሩሉ።
ብዛዕባ ኣጽዋር እቲ ጕጅለ ዝተሓተተ እቲ ብዓል ስልጣን፡ "እቲ ጐበጣ ክሳብ ዝቐጸለ፡ ኣጽዋር ተቓውሞ ዘይስገር ቀይሕ መስመር'ዩ፡" ኢሉ።
"ጉዳይ ኣጽዋር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ዶባት 1967 ናጻ ሃገር ፍልስጤም ንምቛም ውሕስነት ዝህብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ጥራይ እዩ ክዝረበሉ ዝኽእል።"
ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ምዕራብ ንሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ከም ዝሃባ ይዝከር።
ነታንያሁ ነቲ ናይ ኣፍልጦ ምንቅስቓስ "ምልክት ሕፍረት" ኢሉ ብምጽዋዕ ብትሪ ተቓዊሙዎ እዩ።
ኣብ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት'ውን፡ ኣብቲ መድረኽ ብዘስምዖ መደረ ዓሰርተታት ሰበስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን ረጊጾም ብምውጽኦም ሰፊሕ ክፋል ናይቲ ኣዳራሽ ዋዕላ ባዶ ኰይኑ ተራእዩ ነይሩ።
ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡብ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብ ቓዛ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስጕምቲታት ክወስድ ጸኒሑ ኣሎ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 66,055 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኣካል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ቓዛ ጥሜት ከም ዘጋጠመ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ መርማሪ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ከም ዝፈጸመት ደምዲሙ - እዚ ድማ እስራኤል ብትሪ ትነጽጎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







