ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ 5 ደቒቕ ዝግበር ሌላ 'ፍጡን ኵሽማን'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብእንግሊዝኛ ‘ስፒድ ዴቲን” (speed dating) ይብልዎ። ብትግርኛ’ኳ ቃል ብቃል መግለጺ የብሉን። ዝገልጾ እንተዀይኑ ግን ‘ኣቋራጭ ኣለሻ መጻምድቲ’ ወይ ‘ፍጡን መስርሕ ኩሽማን’ ምበልናዮ።
ብሓጺሩ 'ፍቕራዊ መጻምድቲ ንምርካብ' ዝግበር ሓጺር መስርሕ እዩ። ዳርጋ ብሃድን ፍቕራዊ መጻምድቲ ምርካብ ይመስል።
ኣለሻ ፍቕሪ፡ ኣለሻ ሓዳር - ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቓይቕ መሳትይቲ ማይ ምርካብ።
ኣብ ሩባ ወሪድካ ምኩሻም ወይ ኣብ ኢንተርነት ምእላሽ ደጊም ነዊሕ ግዜ ዝወስድ መስርሕ እዩ።
‘ስፒድ ዴቲን’ ግን ኣብ ሓጺር ግዜ ዝፍጸም ቅልጡፍ ሌላ እዩ።
ኣብ መንጐ ዘይምርዕዋት ልሙድ እዩ። እንተዀነ ሓዳሮም ዘፍረሱ’ውን ይጥቀምሉ እዮም።
እዚ መስርሕ ኣብ ካፈታትን ኣብያተ መግቢ እዩ ዝዳሎ። ኣብ እንዳ መስተ እውን ክካየድ ይኽእል።
ብሓቂ እዚ መስርሕ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንቡር’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ሓድሽ’ዩ ዝመስል።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብስድራቤት ዝፍጸም ሕጸ፡ 'ጓልኩም ንወድና' ይተርፍ ኣሎ። ብሰንኪ ህይወት ንምግጣም ዘሎ ጉያን ጸደፍደፍን፡ መሳትይቲ ማይ ንምሕራይ ግዜ የለን፣ ስለዚ ድማ ‘ስፒድ ዴቲን’ ጀሚሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ግን ሰባት ክንድኡ ዝኣክል ሕጽረት ግዜ የብሎምን። እሞ እዚ መስርሕ ኣብታ ሃገር ኣድላዪ ድዩ ኢልና ንዝምልከቶም ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣብ ውሽጢ 5 ደቒቕ ጥራይ ባህሪ ሓደ ሰብ ምልላይ ይከኣል ድዩ?
ተራኺቦም ዘይፈልጡ ዘይምርዕዋት ብድሌቶም ኣብ ሓደ ቦታ 'ፍቕራዊ ዋዕላ' ክሳተፉ ይዕደሙ።
እዚ መስርሕ ሓሙሽተ ደቓይቕ ጥራይ’ዩ ዝወስድ።
ኣብ እንዳ ቡን፡ ዋላ ኣብ እንዳ መስተ ወይ ዝዀነ መዘናግዒ ቦታ ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ዝተገልጸ ዕለትን ሰዓትን ቈጸራ፡ 10 መናብር ብጸጋምን የማንን ይስርዑ፤ ኣብ ማእከል ጠረጴዛ ኣሎ።
ዘይምርዕዋት ደቂ ኣንስትዮ ካብ መንበረን ኣይትስኣን። ብኣንጻሩ ዘይምዕዋት ደቂ ተባዕትዮ ግን በብተራ የዘራርብወን። ንምኩሻም ዝኸውን ግዜ ግን የለን።
ጭዋን ህዱእን፡ ግን ከኣ ተዋዛያይ ስብእና ዘለዎ ሰብ ምዃን ኣድላዪ’ዩ።
እቶም ደቂ ተባዕትዮ ምስ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ን5 ደቓይቕ ጥራይ ናይ ምዕላል ዕድል ኣለዎም። ብድሕሪኡ ተሲኦም ናብታ ትቕጽል ጓል ይኸዱ።
ብኸምዚ ኣገባብ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ምስ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምዕላል ዕድል ይረኽቡ።
‘ስፒድ ዴቲን’ ማለት እዚ እዩ።
ኣብታ ህሞት እቲኣ ናይ ምርድዳእ ምልክት እንተርእዮም፡ እቲ መስርሕ ውጽኢታዊ ኰይኑ ኣሎ ማለት እዩ።
እዚ ምርድዳእ ናብ ዕርክነት፡ ኢሉ’ውን ናብ ሓዳር ከምርሕ ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ኣብ ውሽጢ 5 ደቓይቕ ዝግበር መስርሕ 'ቅልጡፍ ሌላ'፡ ኣብዚ ጽሑፍ ‘ዋዕላ ዘምርዕዋት’ ክንብል ገሊጽናዮ ኣለና።
ግን ሰብ ዝኣክል ዝተሓላለኸ ፍጡር ኣብ ውሽጢ 5 ደቓይቕ ምርዳእ ይከኣል ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Lucy Fragrances
ምስ ባህሊና ኣይቃዶን ዝብል ኣሎ
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ትዊተር ዘዛተየት ሓንቲ ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት፡ ኣብቲ እዋን ደገፍን ተቓውሞን ዝገልጹ ርእይቶታት ኣተኣናጊዳ ነይራ።
"ብፍጹም! እዚ ካብ ባህልና ምዝንባል እዩ። ምዕራባውያን ዝብልዎ ዘይረብሕ ነገር ኣምጺእኩም ኣይትደርብዩልና" ካብ ዝብሉ ርእይቶታት ዝተቘጥዑ ዓቃባዊ ዜጋታት ክሳብ "ጽቡቕ ባህሊ እዩ፤ ኣብ ዓድና ክልመድ ይግባእ” ዝብሉ ተራእዮም ነይሮም።
ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ወሃብቲ ርእይቶ፡ 'ዋዕላ ዘይምርዕዋት' እንተሃለወ ወይ እንተተጀመረ እንታይ ኣለዎ ክብላ ደገፈን ገሊጸን። ክሳተፋ ከምዝደልያ እውን ዝሓበራ ነይረን።
ካብቶም ሓሳባቶም ዘካፈሉ፡ ምስዚ መስርሕ ዝመሳሰል ነገር ኣብ ዙርያ ኣብያተ ክርስቲያናት ፕሮቴስታንት ይዝውተር ከምዘሎ ገለ ሓበሬታ ሂቦም።
ፍሽኽታ ዘስዕቡ ርእይቶታት እውን ተዋሂቦም ነይሮም።
ንኣብነት፡ "ሓበሻ ልክዕ ከም ፌሮ ሩስያ እዩ፡ ብስፒድ ዴቲን ኣይመውቕን" ዝበሉ ነይሮም።
“ሓበሻ ምልላይ ከም ጨጐራ ምህጻብ እዩ። ትዕግስቲ ይጠልብ" ብምባል ኣሽንኳይዶ 5 ደቓይቕ፡ 5 ዓመት እውን ኣይከኣልን ዝብሉ ርእይቶታት እውን ተስተውዒሎም እዮም።
ዓዲ ብሓዊ እናዓነወት ብዛዕባ ስፒድ ዴቲን ምዕላል ግዜኡ ድዩ ኢሉም ሕቶ ዘልዓሉ እውን ኣይተሰኣኑን።
ዝዀነ ኰይኑ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈተነ ሰብ ኣሎ’ዶ?
'ስፒድ ዴቲን' ኣብ ኢትዮጵያ ተፈቲኑ ድዩ?
ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ካብቶም ነዚ መስርሕ ዘዳለዉ "ኣትሞስፊየር ባር ኤንድ ሬስቶራንት" እዩ። ኣብ ቦሌ ድሕሪ ሲነማ ዓለም ድማ ይርከብ።
እዚ ትካል ዓማዊል ዘዘናግዓሉ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት እኳ እንተሃለዎም፡ 'ስፒድ ዴቲን' ግን ኣብ ቀረባ እዋን እዩ ጀሚሩ። ዛጊት ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ገይሩ ኣሎ።
ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ግን "ብዓማዊልና ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺብና ኣለና" ትብል ኣብቲ ትካል ቀንዲ ኣተሓባባሪት ፍጻመታት ዝዀነት ሃና።
“ብዛዕባኡ ብፊልም እየ ዝፈልጥ ነይረ። ንምንታይ ዘይንፍትኖ ኢልና ሓሲብና።"
ሃና ቅድሚ እቲ ፍጻመ ኣብ ገጽ ኢንስታግራም እቲ ትካል ብዛዕባኡ ክተወዓውዕ ነይርዋ። ብድሕሪኡ ምዝገባ ኣካይዶም።
ሕጊታት ናይቲ መስርሕ ኣውጺኦም፤ ተሌፎን ሒዝካ ምእታው ከልኪሎም፣ እቲ ናይ 5 ደቒቕ ሕጊ ተነዲፉ፣ ብድሕሪኡ ተጀሚሩ።
"እቶም ተባዕትዮ ግዜ ወስኹ ይብሉና፤ ንሕና ግን ኣይንውስኸሎምን ኢና” ትብል ሃና እናሰሓቐት።
ድሕሪ 5 ደቒቕ እተን ደቂ ኣንስትዮ ደስ ዝበለን ወዲ ተባዕታይ እንተሃልዩ፡ ቍጽሪ ተሌፎኑ ይወሃበን እሞ እቲ ኣብ 5 ደቓይቕ ዝተወልዐ ሽግ ክደምቕ ዕድል ይረኽባ።
ከምቲ ሃና ዘስተብሃለቶ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ክልተ ወይ ሰለስተ ኰይነን እየን ዝመጻ። እዚ ምናልባት ብስነ-ኣእምሮ ንምድግጋፍ ክኸውን ይኽእል።
ይዅን እምበር፡ ብውልቀን እምበር ብጕጅለ ኮፍ ክብላ ኣይፍቀደለንን።
ሃና ከምትብሎ፡ ኣትሞስፊየር ነዚ መስርሕ ካብ ዓማዊል ክፍሊት ይቕበል እዩ።
"ሓደ ሓደ ግዜ ተመዝጊበን ቅሩብ ሰዓታት ክተርፍ እንከሎ ከይመጻ ዝተርፋ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ" ትብል ሃና። ምናልባት ትውፊት ዓቃባውነት ኣብ መወዳእታ ሰዓት ጸቕጢ ስለዝፈጥረለን ክኸውን ይኽእል።
"ሓደ ሓደ ግዜ፡ እቲ 5 ደቓይቕ ምስተወድአ፡ መንበር ቀይሮም ኣብኡ እናዕለሉ ልዕሊ ግዜ ዝወስዱ እውን ኣለዉ። እቲ መስርሕ የቕልሉልና” ትብል ሃና እናሰሓቐት።
ነዚ መስርሕ ዝኸውን ተባሂሉ ዝጸደቐ ኣከዳድና የለን።
"ብሸበጥን ክዳን ለይቲን ኣይምጽኡ እምበር፡ ብዙሕ ጸቕጢ ኣይንገብርን፤ ናጽነት ክስምዖም ኢና ንደሊ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ብሕንከት ዘሸግሩና ደቂ ተባዕትዮ እዮም’
ነዚ መስርሕ ዝፈተነ ኣትሞስፈር ጥራይ ኣይኰነን።
ሰናይት ዳኒኤል ምስ ናይ ንግዲ መሻርኽታ ዝመስረታ 'ሉሲ ፍራግራንስ’፡ ነዚ ዋዕላ ዘይምርዕዋት ኣብ ቦሌ ቡልቡላ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ኣዳልያቶ እያ። ወርሓዊ ዝካየድ መደብ እዩ ነይሩ።
ሕጂ ድማ ከም ብሓድሽ ንምጅማር ካብ ቡልቡላ ናብ ቦሌ ኣምሪሑ ኣሎ።
ቀንዲ ዋኒንና ምፍራይ እኳ እንተዀነ፡ 'ስፒድ ዴቲን' ምክያድ ካብ ንጅምር ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ ትብል ሰናይት።
ሰናይት፡ ብዘይካ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ወጻእተኛታት እውን ኣብቲ መደብ ተገዳስነት ከምዘርኣዩ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ኣብ ፈለማ ነቲ ትካል ኣብ ኣዲስ ኣበበ ንምልላይ ተጸጊሞም ነይሮም። ሰባት ግን ቀልጢፎም ተቐቢሎምና ትብል።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምልላይ ኣብ ዝጀመሩሉ ህሞት፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሕቶታት ከምዝወሓዘ ትዝክር።
"እንታይ እዩ 'ስፒድ ዴቲን?'፡ 'መን እዩ ዝመጽእ?'፡ 'እንታይ ሒዝና ኢና ንመጽእ?'፡ 'እንታይ ክኽደን ኣለኒ?' ወዘተ..."
እቶም ዘየቋርጹ ሕቶታት ብውሽጣዊ መስመር ዝመጹ እዮም ነይሮም።
ካብቶም ሕቶታት ብምብጋስ ሰናይት ነቲ ፍጻመ ከም ናይ ዕርክነት መላለዪ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ምስ ዝኾነ ሓድሽ ሰብ ትላለየሉ መድረኽ ክኸውን መሪጻ።
"ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣለሻ ኣፍቃሪ ምዃኑ ክርድኣ እንከለዋ ክፈርሓን ክሓፍራን ስለዝኽእላ ኢና ከምኡ ዝገበርና" ትብል ሰናይት።
እዚ ጥራይ ዘይኰነስ ዝተሓተ ዕድመ ተሳተፍቲ 25 ክኸውን ብምግባር ናይ ዕድመ ገደብ እውን ኣቐሚጦም።
"መንእሰያት ንኻልእ ነገር ከይጥቀሙሉ ስለዝፈራሕና'ዩ" ክትብል ምኽንያቱ ትገልጽ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ቀዳሞት ዝተመዝገቡ 10 ደቂ ተባዕትዮን 10 ደቂ ኣንስትዮን ዕድል ተዋሂብዎም።
ናብ ብጽጌረዳን መኣዛዊ ጨና ብዘለዎ ሽምዓን ዝተሰለመ ክፍሊ ኣትዮም።
መስተ ወይኒ ኣብ ጠረጴዛታት ተቐሚጡ ነይሩ። ጽቡቕ ልስሉስ ናይ ፍቕሪ ሙዚቃ ድማ ተኸፊቱ።
እቶም ዘይምርዕዋት ዕላል ጀሚሮም። ስሒቘም። ኣብ ነንሕድሕዶም መጽናዕቲ ኣካይዶም። እዚ ድማ ን7 ደቓይቕ ጥራይ ዝቐጸለ ነይሩ።
እቶም ተባዕቶት ካብ መንበሮም እናተንስኡ ምስተን ዓሰርተ ደቂ’ንስትዮ ተላልዮም።
በዓል ሰናይት ግን ካብ ፍርሒ ኣይተናገፉን። ንመጀመርታ ግዜኦም ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ፍጻመ ዝዀነ ዕንቅፋት ክገጥሞ ኣይደለዩን።
ምናልባት እቶም መጻምድቲ ብሕፍረት ወግዒ ከየቋርጾም ስለዝሰግኡ ኣብቲ ጠረጴዛ መዳምቕቲ ወግዒ ዝሓዘ ካርድ ኣቐሚጦም ነይሮም።
ንኣብነት፡ ንዕርክነት/ዝምድና ኣገዳሲ ነገር እንታይ እዩ ዝብሉ ሕቶታት ቀሪቦም ነይሮም።
ሰናይት ኣብተን ደቂ ኣንስትዮ ስንባደ ኣስተብሂላ ነይራ።
ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ‘ስፒድ ዴቲን’ ምስታፍ ተስፋ ምቝራጽ ስለዝመስለን ይጭነቓ ነይረን።
ንኣብነት ጽልምት ዝበለ ቦታ ይመርጻ። ብብርሃን ሽምዓ ጥራይ፡ ምእንቲ መንነተን ከይልለ።
"ስእሊ ክንስእል ኣብ ዝፈተንናሉ እዋን ተቘጢዐን፡ ንሕና ንመወዓውዒ ክኸውን ኢና ደሊና ነይርና" ትብል ሰናይት፤ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይቲ ፍጻመ ዘጋጠማ ዘይተጸበየቶ ነገራት ክትዝክር እንከላ።
በዓል ሰናይት ነዚ ፍጻመ ምዝገባ ክጅምራ እንከለዋ ሓደ ዘስግአን ነገር ነይሩ።
ምናልባት እቶም ደቂ ተባዕትዮ መጺኦም እተን ደቂ ኣንስትዮ ፈሪሐን እንተተረፋ’ኸ?
እታ መዓልቲ ምስ በጽሐት ግን እቲ ነገር ብኣንጻሩ ኰይኑ። እቶም ዝመጹ ተባዕቶት ቍጽሮም ውሒዱ። ደቂ ኣንስትዮ ድማ በዚሐን።
"ብሓቂ ‘እናሓፈሩ ዘሸግሩና እቶም ደቂ ተባዕትዮ እዮም" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Lissy Cleminson
ካብ መተግበሪታት ሞባይል ብኸመይ ይፍለ?
ባህሊ ብቕልጡፍ ይቕየርን ይተሓዋወስን ኣሎ።
እቲ 'ውላድኩም ንውላድና' ዝብል ስርዓት ዝጠፍእ ዘሎ ይመስል።
ኣብ መጻኢ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (AI) ባህርያትና ብዝበለጸ ዝርድኡ መጻምድቲ ከምጽኣልና ይኽእል እዩ።
እንታይ ይፍለጥ? . . .
እዚ ዋዕላ ዘይምርዕዋት ካብ ሕቡዕ ዕርክነት (Blind date) ይዅን ካብ ናይ ፍቕሪ መተግበሪታት ሞባይል ዝተፈልየ እዩ።
ብናይ ፍቕሪ መተግበሪታት ሞባይል፡ መሳትይቲ ማይ ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን ይብሉ ብዙሓት መንእሰያትን ዓበይትን ሰባት።
መተግበሪታት ሞባይል፡ ሰብ ካብ ሰብ ኣይፈልዩን፤ ቀለልቲ’ኳ እንተዀኑ ዝተሓላለኹ እዮም።
ዘድክም እዩ። ኣብኡ ዝርከብ መማረጺ ወሰን የብሉን። መልእኽቲ ምልኣኽ እውን ከቢድ ስራሕ እዩ።
በዚ መስርሕ ርክብ ቴሌፎን ዝሓለፋ ደቂ ኣንስትዮ - ንደቂ ተባዕትዮ "መርሰኒ ልቢ" ብምባል ዘሰልክዩ ምዃኖም ይገልጻ።
እቲ ዝኸፍአ ድማ ሰባት ኣብ ኢንተርነት ዝተፈላለየ መንነት ክህልዎም ይኽእል እዩ። ብኣካል ምስ እትረኽብዎም ብኣንጻሩ ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ። . . . ስእሊ መደናገሪ እዩ።
ኣብዚ እዩ ስፒድ ዴቲን ዝሓሸ ዝኸውን።
ብርግጽ ንሓደ ሰብ ንምፍላጥ 5 ደቓይቕ እኹል ዘይክኸውንን ይኽእል እዩ። ልቢ ብፍቕሪ ክትወድቕ ግን 5 ካልኢት ይኣኽላ እዩ።
ምናልባት እተን 5 ደቓይቕ ናብ ፍቕሪ-ሓዳር-ውላድን ክመርሓ ተኽእሎ ኣሎ። እንታይ ይፍለጥ?
ምናልባት ቻይና ትፈልጥ ትኸውን።
ፈረንሳዊት መጽሔት ለ ሞንደ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ መሳጢ ጸብጻብ ኣውጺኣ ነይራ።
ብዛዕባ ምንካይ ብዝሒ ህዝቢ ስክፍታ ዝሓደሮ መንግስቲ ቻይና፡ መንእሰያት ዜጋታቱ ንፍቕራዊ ርክብ ግዜ ከምዘይብሎም ተረዲኡ ‘ስፒድ ዴቲን’፡ ዜጋታቱ ንኽምርዓዉን ውላድ ንኽወልዱን ዝሕግዝ መምርሒ ገይሩ ኣተኣታትዩ። ‘ዋዕላ ዘይተመርዓዉ’ ብቕልጡፍ ይጀመር ተባሂሉ።
እዚ ዋዛ ኣይኰነን።
ኮሚኒስት ሊግ መንእሰያትን ፈደረሽን ደቂ ኣንስትዮ ቻይናን ነቲ ጉዳይ ብሓላፍነት ክመርሑ ተገይሩ።
ንሳቶም እውን ብስፒድ ዴቲን ኣቢሎም ቻይናውያን ዘይምርዕዋት ከራኽቡ ክገብሩ ጀሚሮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ለ ሞንደ፡ ፍቕርን ሓዳርን ሕጂ ይጓሃሃር ኣሎ። እዚ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ይሰርሕ’ዶ ይኸውን?




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







