ምስ ኣንስቲ ሰበስልጣን ከይተረፈ ዝተፈጸመ ጽዩፍ ጾታዊ ርክብ፡ ብኸመይ ተቓሊዑ?

ምንጪ ስእሊ, Baltasar Ebang Engonga / Facebook
እቲ ንብዙሓት ዘስሕቕን ዘገረምን ኰይኑ ዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ዕንደራ ጾታዊ ርክብ፡ ብሓቂ ኣካል እቲ 'ቀጻሊ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ መን ክኸውን’ዩ?' ዝብል ድራማ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን መንግስቲ ኣብ ቤት ጽሕፈቱን ካልእ ቦታታትን ምስ ዝተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ዘርእዩ፡ ካብ 150 ክሳብ 400 ዝበጽሑ ቪድዮታት ተዘርጊሖም ከዘራርቡ ምቕናዮም ዝዝከር እዩ።
እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዕለቕሊቘም ዝቐነዩ ቪድዮታት ኣብታ ንእሽቶ ማእከላይ ኣፍሪቃዊት ሃገርን ክንዮኡ ንዝርከቡ ሰባት ኣሰንቢዶምን ኣሕሪቘምን።
ብዙሓት ካብተን ብቪድዮ ዝተቐድሓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣንስቲን ኣዝማድን ናይቶም ናብ ማእከል ስልጣን ዝቐረቡ ሰባት እየን።
ገሊአን ምስቲ “ቤሎ” [መልከዐኛ] ተባሂሉ’ውን ዝፍለጥ ባልታሳር ኤባንግ ኢንጎንጋ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ከለዋ ብቪድዮ ከምዝቕድሓ ዘለዋ ዝፈልጣ ይመስላ።
ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ናጻ ፕረስ ዘይብላ ኣዝዩ ዕፁውን ድሑርን ፖለቲካዊ ኵነታት ዘለዋ ሃገር ብምዃና እዚ ፍጻመታት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ።
ሓደ ክልሰ ሓሳብ ግን፡ እቲ ምዕልቕላቕ ቪድዮታት ነቲ ሰብኣይ ሽሙ ንምጽላም ዝሕግዝ መንገዲ እዩ ነይሩ ዝብል እዩ።
ሚስተር ኢንጎንጋ ወዲ ሓው ንፕረዚደንት ቴዎዶሮ ኦብያንግ ንጉኤማ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ንዕኡ ክትክእዎ ተስፋ ዝገብሩ እዮም ተባሂሎም ዝሕሰቡ ሰባት እዩ።
ኦብያንግ ካብ 1979 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ'ዩ። ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዓለም’ውን ምዃኑ ይፍለጥ።
እዚ ወዲ 82 ዓመት መራሒ፡ ብሰንኪ እቲ ሕጂ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ውህሉል ሃብቲ ነዳዲ፡ ብብልሽውና ዝሕመ ኰይኑ፡ ሰፊሕ ቍጠባዊ ሃብቲ ተቘጻጺሩ ይርከብ።
ብሓደ ሸነኽ ንእሽቶን ኣዝዩ ሃብታምን ልሂቅ (ኤሊት)ን ተፈጢሩ ኣሎ። እንተዀነ ብዙሓት ካብቶም 1.7 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዓሚቝ ድኽነት ይነብሩ።
ምምሕዳር ኦብያንግ ብዘለዎ ድሑር ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሃበተረኽበ ቅትለትን ስቅያትን ዝኣመሰሉ ግህሰታት ዝሕተት ከምዝዀነ ጸብጻብ መንግስቲ ኣመሪካ ይሕብር።
ሓደ ካብ ደቂ'ቲ ፕረዚደንት ዝዀነ ኣብዚ ሕጂ ምክትል ፕረዚደንት ዘሎ፡ ኣብ ሓደ እዋን ማይክል ጃክሰን ዝለበሶ 275 ሽሕ ዶላር (210 ሽሕ ፓውንድ) ዝዋግኡ ብክሪስታል ዝተሸፈነ ጓንቲ ኢድ ይውንን ነይሩ።
መረጻታት እኳ እንተተኻየዱ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮምን ተሰዲዶምን፡ ኣብታ ሃገር ሓቀኛ ተቓውሞ የለን።
እቲ ኢንጎንጋ ዝተረኣየሉ ዕንደራ ፆታዊ ርከብ፡ ብዛዕባ ተንኮል ቤተ መንግስቲ ክኸውን ተኽሎታት ከምዘሎ ይግለፅ ኣሎ።
ንሱ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ትካል መርመራ ፋይናንስ ዝነበረ ኰይኑ፡ ከም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዝኣመሰሉ ገበናት ኣብ ምምካት ይሰርሕ ነይሩ።
ንባዕሉ ግን ኣብ ትሕቲ መርመራ ከም ዝነበረ ኣይፈለጠን።
ንሱ ብ25 ጥቅምቲ ካብ ካዝና መንግስቲ ዝወጽእ ዝነበረ ልዑል መጠን ገንዘብ ብምጥፍፋእን ኣብ ገለ ደሴታት ካይማን ኣብ ምስጢራዊ ሕሳባት [ኣካውንት] ገንዘብ ኣቐሚጡን ተባሂሉ ተኸሲሱ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ብዛዕባ እቲ ክሲ ርእይቶ ኣይሃበን ዘሎ።
ብድሕሪኡ ሚስተር ኢንጎንጋ ናብቲ ተቓወምቲ መንግስቲ ዝሳቐይሉ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ማላቦ ዝርከብ ዕሉል ቤት ማእሰርቲ 'ብላክ ቢች' ተወሲዱ።
ተሌፎናቱን ኮምፒዩተራቱን ተታሒዘን።
ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ድማ እተን ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ክዝርገሓ ጀሚረን።
ቢቢሲ ኣብ ፌስቡክ ንዓኣቶም ዝረኸቦ ናይ መጀመርታ መወከሲ፡ ካብ 28 ጥቅምቲ ኣብ ገጽ ናይቲ ኣብ ስጳኛ ኣብ ስደት ብዘሎ ጋዜጠኛ ዝምራሕ ዲያሪዮ ሮምቤ ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ኰይኑ፡ “ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብግሉጽ ምስልታትን ቪድዮታትን ክዝርግሑ ጀሚሮም” ይብል። .
ንጽባሒቱ ኣብ ኤክስ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ “ጽዩፍ ቪድዮታት ንማሕበራዊ መራኸቢታት የዕለቕልቑ” ክብል “ነቲ ምልካዊ ስርዓት ዘንቀጥቅጥ ዕንደራ” ክብል ጠቒሱ።
ፈለማ ግን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ቴሌግራም፡ ኣብ ሓንቲ ካብተን ብጽዩፍ ስእልታት ብምሕታም ዝፍለጣ ቻነላት ናይቲ መድረኽ፡ በብሓደ ከምዝተራእያ ይእመን።
ብድሕሪ’ዚ፡ ሰባት ኣብ ተሌፎናት ኣውሪዶም፤ ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ኣብ ዝርከቡ ጉጅለታት ዋትስኣፕ ተዘርጊሖም፡ ኣብኡ ድማ ሓያል ምንጋዕ ኣስዒቦም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኢንጎንጋ ምስ ገለ ካብተን ኣብቲ ቪድዮታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዝማድ ናይቲ ፕረዚደንት፣ ኣንስቲ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰበስልጣንን ሓዊሱ ብቐሊሉ ተለልዩ።
መንግስቲ፡ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ሸለል ክብሎ ስለዘይከኣለ ብ30 ጥቅምቲ፡ ምክትል ፕረዚደንት ቴዎዶሮ ኦብያንግ ማንጉ (ኣብ ሓደ እዋን ወናኒ ጓንቲ ማይክል ጃክሰን ዝነበረ) ንኩባንያታት ቴሌኮም ዝርግሐ ናይቲ ቪድዮታት ደው ዘብሉሉ መንገዲ ንኽሓስቡ 24 ሰዓታት ሂብዎም።
"ስድራቤታት ክፈርሱ እናረኣና ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ክንዕዘ ኣይንኽእልን ኢና" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ክሳብ ሽዑ ግን፡ ምንጪ ናይዞም ጽሑፋት፡ ደራሲ ወይ ጸሓፍቲ ንምርካብን ንተግባራቶም መልሲ ንኽህቡን ይምርመር ኣሎ።
እቲ መሳርሒ ኮምፒተር ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ስለዝነበረ፡ ጥርጣረ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣብኡ ዝነበረ ሰብ ወዲቑ’ሎ። ምናልባት’ውን ቅድሚ ፍርዲ ንዝና ሚስተር ኢንጎንጋ ከጸልም ዝደለየ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ፖሊስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ሚስተር ኢንጎንጋ ክሲ ክምስርታ ጸዊዑ ኣሎ። ሓንቲ ትኸስሶ ከምዘላ ድሮ ኣፍሊጣ ኣላ።
እቲ ንጹር ዘይኮነ ግን ኢንጎንጋ ንምንታይ ነቶም ቪድዮታት ከምዝቐድሐ እዩ።
ደለይቲ ፍትሒ ግን ድሕሪ እዚ ፍጻመ ካልእ ድራኸታት ክህሉ ከምኽእል ግምታት ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ሚስተር ኢንጎንጋ ምስ ፕረዚደንት ዝምድና ዘለዎ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ወዲ'ቲ ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ጽልዋ ዘለዎሓላፊ ዞባዊ ቍጠባውን ገንዘባውን ሕብረት [ሴማክ] ባልታሳር ኢንጎንጋ ኤድጆኦ እዩ።
"እዚ ንርእዮ ዘለና መወዳእታ ሓደ ዘመን እዩ። መወዳእታ ናይቲ ሕጂ ዘሎ ፕረዚደንት እዩ። እቲ ንርእዮ ዘለና ድማ ውሽጣዊ ቃልሲ'ዩ" ይብል ደላዪ ፍትሒ ኢኳቶጒኒያን ንሳንግ ክርስቲያ ኤሲሚ ክሩዝ።
ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ምክትል ፕረዚደንት፡ ንዝዀነ ንስልጣኑ ሓደጋ እዩ ኢሉ ዝጥርጥሮ ሰብ 'ፖለቲካዊ ምእላይ' ከምዘካይድሉ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ምክትል ፕረዚደንትን ኣደኡን፡ ነቲ ን10 ሚኒስተር ነዳዲ እታ ሃገር ዝነበረ ጋብሪኤል ኦብያንግ - ካብ ካልእ ሰበይቲ ዝውለድ ወዲ ፕረዚደንት - ዝኣመሰሉ ናብ ስልጣን ክመጽኡ ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ምእላይ ከምዝሰርሑ እዩ ዝጥርጠር።
እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ብዛዕባ ነንሕድሕዶም ንህዝቢ ከይቅላዕ ዝመርጽዎ ነገራት ከም ዝፈልጡ ዝግመት ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ቪድዮታት ንሓደ ፖለቲካዊ ተቓዋሚ ንምውራድን ንምጽላምን ይጥቀሙሉ ነይሮም።
ብተደጋጋሚ ውዲት ዕልዋ መንግስቲ ዝብል ክስታት እውን ይቐርብ እዩ።
ሚስተር ክሩዝ ግን፡ እቶም ሰበስልጣን ነቲ ዕንደራ ከም መመኽነይታ ተጠቒሞም ንማሕበራዊ መራኸቢታት ንምጭፍላቕ ክጥቀሙሉ ከምዝደልዩ'ውን ይጥርጠር።
ኣብ ሓምለ፡ ኣብ ደሴት ኣኖቦን ተቓውሞታት ምስተላዕለ፡ ሰበስልጣን ንግዚኡ ኢንተርነት ኣቋሪጾሞ ነይሮም።
ንዕኡ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ካብ ሓዳር ወጻኢ ጾታዊ ርክብ ይፍጽም ምንባሩ፡ ኣካል ናይቲ ኣዝዩ ሕንቑቕ ዝዀነ ኣነባብራ ሰብ-ስልጣን እታ ሃገር ስለዝዀነ ዘገርም ኣይነበረን።
እቲ ንባዕሉ ኣብ ፈረንሳ ብብልሽውና ተፈሪዱ ዝጸንሐ ምክትል ፕረዚደንት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝፍጸም ብልሽውናን በደልን ዝቃለስ ሰብ ኰይኑ ክረአ ዝደለየ ይመስል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







