ብዛዕባ ጥዕና ዝኣረገ ወዲ 91 ዓመት መራሒኣ ከይዝረብ ዝኣገደት ሃገር

ፕረዚደንት ፖል ቢያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ማዕከናት ዜና ንጥዕና ወዲ 91 ዓመት ፕረዚደንት ፖል ቢያ ዝምልከት ጸብጻባት ከየቃልሓ ሰብመዚ ካሜሩን ኣጊዶም።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፖል ኣታንጋ ንጂ፡ ብዛዕባ እቲ ኣረጊት መራሒ ዝነፍስ ዘሎ ወረታት "ንህድኣት ካሜሩናውያን የናውጾም" ኣሎ ክብል ንኣመሓደርቲ ዞባታት ተዛሪቡ።

"ስለዚ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሚዲያ ዝካየድ ዝኾነ ዘተ ብጥብቂ ተኸልኪሉ ኣሎ" ብምባል "ነዚ ዝጥሕሱ ሕጊ ከረኻኽበሎም ምዃኑ" ኣጠንቂቑ።

ብዛዕባ'ቲ እቲ ኣብ መንበረ ስልጣኑ ዝሸምገለ ፕረዚደንት ፖል ቢያ ዝምልከቱ ግምታት ኣብዚ ሰሙን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ርሱን ኣርእስቲ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም፡ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ቻይናን-ኣፍሪቃን ድሕሪ ምክፋሉ፡ ንጽባሒቱ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዘይምርካቡ እምብዛ ዝገርም ኣይነበረን።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ሰሜን ፓሪስ ካብ ዝተኻየደ ዋዕላ ተዛረብቲ ፈረንሳኛ-ሃገራት (ላ ፍራንኮፎኒ) ከይተረኽበ፡ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ድማ ካብ ገጽ ህዝቢ ምኽዋሉ ግን፡ ዝተፈላለዩ ግምታት ይወሃቡ ኣለዉ።

ኣምባሳደር ካሜሩን ኣብ ፈረንሳ፡ ፕረዚደንት ቢያ “ኣብ ጽቡቕ ጥዕና” ከም ዘሎን፡ ኣብታ ካብ ገዝኡ ወጻኢ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ብዙሕ ግዜ ዘዕርፈላ ከተማ ጀነቫን ከምዝርከብ ሓቢሩ።

ካልኦት ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሓምለን ነሓሰን፡ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ብምክያዱ ዝሰዓበ ጸቕጢ ስራሕ፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሉ ኣሎ ዝብል እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝዓበየን ኣብ ስልጣን ንዝነውሐ ግዜ ዝጸንሐ ካልኣይ ሰብን ኰይኑ ዳርጋ ክብረ ወሰን ክሕዝ ዝቐረበ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኣርእስቲ ንዝግደሱ መራኸቢ ብዙሃንን ኣፍሪቃ ግን፡ ብዛዕባ ቢያ ገና 'ኾንዶኾን' እምበር ጭቡጥ ነገር ኣይረኸቡን። ይኹን እምበር ነቲ ወረታት ዕሽሽ ንምባል፡ እቲ ዝተዋህበ መብርሂታት እኹል ኣይመስልን።

ወረታት ሞትን ደሃይን

ስለዚ፡ ኣብ መወዳእታ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ረነ ሳዲ ነቶም ወረታት ብወግዒ ብምኽሓድ፡ እቲ ፕረዚደንት "ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት" ናብ ዓዱ ክምለስ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሓላፊ ውልቃዊ-ቤት ጽሕፈት’ቲ ፕረዚደንት ድማ፡ ምስኡ ኣብ ጀነቫ፡ “ኣብ ጽቡቕ ጥዕና” ከምዘሎ ኣትሪሩ ተዛሪቡ።

ካሜሩን ከም ኣፍደገ ባሕሪ ቻድን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን (CAR)፡ ስትራተጂካዊ ቦታ ሒዛ እያ ትርከብ።

ኣብ ከባቢ ቀላይ ቻድ ንዝፍጸም ጅሃዳዊ ዓመጽ ካብ ምምካት ሓሊፋ፡ ኣብተን ቋንቋ እንግሊዝ ዝዛረባ ዞባታታ ኣፍሪቃ፡ ዝተሓላለኸን መብዛሕትኡ ግዜ ጐነጽ ዝተሓወሶን ቅልውላው’ውን ትቃለስ።

ነዞም ዞባዊ ብድሆታት ኣብ ምቅላስ መሪሕ ኮይኑ ዝረአ ፕረዚደንት ቢያ፡ ካብ’ቲ መድረኽ ክጠፍእ ዘይተለምደ ኩነት እዩ።

ርግጽ’ዩ፡ ኣብ ብዙሕ ምትእኽኻባት መራሕቲ ኣፍሪቃ ብዙሕ ኣይረአን እዩ። ግን ከኣ ከምዚ ናይ ሕጂ ኣይስወርን እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ተርእዮ ልሙድ ኣይኰነን።

ፕረዚደንት ቢያ ዋላ እውን ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ግዜ እንተጸንሐ፡ ኣብ ሃገሩ እውን ብእዱብ ዘረባኡን ጥንቁቕ ቃናኡን እዩ ዝፍለጥ።

ንመዓልታዊ መንግስታዊ ንጥፈታት ንተኸታተልቲ ቀዳማይ ሚኒስተራት ኣረኪቡ እዩ ዝንቀሳቐስ።

መግለጺ ዘይብሉ ምስዋር ግን ነዚ ኣዝዩ ምስጢራዊ ዝኾነ ፕረዚደንት እምብዛ ዘገርም ኣይኰነን።

ሕጂ፡ 'ሞይቱ እዩ' ዝብል ወረታት ይበዝሕ ኣሎ።

ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ንሱ፡ ኣብ 1982 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣንጻር እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መራሒ፡ ርኡይ ለውጢ ከምጽእን ናጽነት ከስፍንን ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣፍሪቃ፡ ተቓውሞታት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝተጓሃሃረሉ እዋን፡ ቢያ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ መራሕቲ ኮይኑ፡ ገለ ዘተኣታተዎም ጽገናታት ነቲ ዋዒ ንክዝሕል ሓጊዙ እዩ።

እንተዀነ፡ ጽኑዕ ፖለቲካዊ ቁፅፅር ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይበለን።

ብፍላይ፡ ድሕሪ እቲ ብጸቢብ ጋግ ዝተዓወተሉ ናይ 1992 ምርጫ፡ ተቓወምቲ ንንሓድሕዶም ከምዝፈናጨሉ ብምግባር፡ ነቲ ዝረአ ዝነበረ ፖለቲካዊ ረስንታት ኣህዲኡዎ እዩ።

ሕጂ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ 7 ዓመታት እብረ ኣብ ሕዳር 2025 ክዛዘም ኣብ ዝቐረበሉ ዘሎ እዋን፡ ደገፍቱ ነቲ ወዲ 91 ዓመት ኣብ ስልጣን ክቕጽል ይፅውዑ ኣለዉ።

ነቐፍቲ ሃገራዊ መሪሕነት ካሜሩን ግን ድሕሪ ሕጂ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእልን ሃገራዊ ጸገማት ክፈትሕ ዝኽእልን መንእሰይ ወለዶ ስልጣን ክርከብ ይጠልቡ ኣለዉ።

ብፍላይ ድማ እንግሊዝኛ ካብ ዝዛረባ ክልተ ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ሓያል ተቓውሞታት ይገጥሞ ኣሎ።

ወይስ ከም ናይ ጎረባብቱ ዕጫ’ዶ ይገጥሞ ይኸውን?

ኣብ ጎረቤት ሃገር ጋቦን፡ እቲ ናይ ጥዕና ጸገም ዝነበሮ ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ፡ ነቲ ኣብ 2023 ዝተኻየደ መረጻ ብምትላል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰራዊት ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣማዱ ባ ከም ተካኢኡ ምስ ኣሰለፎ፡ በቶም ኣብ ክንድኡ ነቲ መንእሰይ ተቓዋሚ ዝሓርዩ መረጽቲ ተነጺጉ።

ቢያን ውሽጣዊ ዓንኬሉን፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮታት ንምምላጥ ርእሰ ተኣማንነት ክስምዖም ይኽእል እዩ።

እዚ ግን፡ ኣብ ገለ ዓበይቲ ከተማታት ንዘለው ህዝባውን ናይ መንእሰያት ስምዒትን ምንባብን ምርዳእን ክሓቶም እዩ።