ምስ ኣንስቲ ሰበስልጣን ከይተረፈ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ዝተራእየ ሓላፊ መንግስቲ የቖጥዕ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብዚ ቕነ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘዕለቕለቑ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ጾታዊ ርክባት ዝሓዙ ቪድዮታት ምዝርገሖም ስዒቡ ህዝባዊ ቁጥዐ ኣልዒሉ ይርከብ።
መንግስቲ- ኢኳቶርያል ጊኒ፡ በቲ ፍፃመ ኣዝዩ ዝተሻቐለ ዀይኑ፡ ኣብ ከምዚ ተግባራት ዝተረኽቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ "ከቢድ ስጉምትታት" ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ምክትል ፕረዚደንት እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ቴዎዶሮ ኦብያንግ ማንጉ፡ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ተንቀሳቓስቲ ምስልታት ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እዩ፤ መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ዘጠንቀቐ።
ዝበዝሑ ካብቶም ቪድዮታት፡ ብፍላይ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ባልታሳር ኢባንግ ኢንጎንጋ፡ እንተላይ ኣንስቲ ዓበይቲ ሰበስልጣን ሓዊሱ፡ ምስ ዝተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ዘርእዩ እዮም።
ሚስተር ኢንጎንጋ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ኤጀንሲ ፋይናንሳዊ መርመራ እታ ሃገር ኮይኑ፡ ዘመድ ፕረዚደንት እታ ሃገር ምዃኑ'ውን ይዝረብ።
ቢቢሲ ርእይቶኡ ክህብ ሓቲቱዎ ኣሎ።
ሚስተር ኢንጎንጋ፡ "ስድራቤት ኩሉ ነገር'ዩ" ምስ ዝብል ጽሑፍ ምስ ሓንቲ ሰበይትን ቆልዑን ኣብ ዝለጠፎ ስእሊ፡ ‘ከቢድ ሓዘን’ ከምዝተሰመዖ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ፡ ኣስፊሩ ኣሎ።
ምክትል ፕረዚደንት ቴዎዶሮ ኦብያንግ ማንጉ፡ ኣብ ስራሕ ቦታ ጾታዊ ርክብ ፡ "ዝፈጸሙ ሰበ-ስልጣን፡ 'ቅሉዕ ጥሕሰት ሕጊ ስነ-ምግባር" ስለዝኾነ ካብ ሓላፍነቶም ክእገዱ ምዃኖም እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።
ብተወሳኺ "ፅዩፍን ዘይሕጋውን ተግባራት" ንምክልኻል፡ ኣብያተ ፍርድን ሚኒስትሪታትን ካሜራታት ክተኽላ ኣዚዙ ኣሎ።
እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ምክትል ፕረዚደንት ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ድሕሪ'ቲ ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት፡ "ምስሊ እታ ሃገር ዘጸለመ" ስዒቡ ምዃኑ ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ ገበናዊ መርመራ ክጅመር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቶም ዘይግቡእ ቪድዮታት፡ ሚስተር ኢንጎንጋ ብዝተፈላለየ ክሲ ብልሽውና ድሕሪ ምእሳሩ፡ ከምዝተቓልዑ መንግስታዊ ተለቪዥን ቲቪጂኢ ሓቢራ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምክትል ፕረዚደንት ኦብያንግ፡ "ጽዩፍ ቪድዮታት" ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ኣዕለቕሊቖም" ከምዝጸንሑ ብምግላጽ፡ ኩባንያታት ቴሌኮም ነቲ ዝርገሐ ክገትእዎ ኣዚዙ ነይሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዓቕሚ ኢንተርነት ክደክም ዝተገብረ ዀይኑ፡ ብፍላይ ድማ ምስልታት ምውራድ ዳርጋ ዘይከኣል ኰይኑ ቐንዩ።
ሚስተር ኢንጎንጋ- "ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ዝተለኽፈ” ኰይኑ እንተተረኺቡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ "ጥዕና ህዝቢ" ብዝፈጸሞ ተወሳኺ ገበን ክኽሰስ ምዃኑ፡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ንመንግስታዊ ቲቪ ተዛሪቡ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







