እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብ12 ሚልዮን ዶላር ዝተሸጠ 'ኣመሪካ' ዝተሰምየ ወርቃዊ ባዞ ዓይኒ ምድሪ
ብወርቂ ዝተለበጠ ባዞ ዓይኒ ምድሪ፡ ብሓደ ሮበርት ሪፕሊ ብዝተባህለ ኣመሪካዊ ዝተመስረተ ፋውንደሽን 'ቢሊቭ ኢት ኦር ኖት' ብ12 ሚልዮን ዶላር ተዓዲጉ።
እቲ፡ ብ 18 ካራት ወርቂ ዝተሰርሐን 101.2 ኪሎግራም ዝምዘን 'ኣመሪካ' ዝብል ስም ዘተዋህቦን ባዞ፡ ብኢጣልያዊ ስነጥበባዊ ማውሪዝዮ ካቴላን ዝተነድፈ እዩ።
እቲ ናይ መጀመርታ ተመሳሳሊ ንብረት ኣብ 2016 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ጉገንሃይም ኣብ ዝርከብ ህዝባዊ ሽቓቕ ዝተተኽለ ኰይኑ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ግን ካብ ቤተ መንግስቲ ኦክስፎርድሻየር ተሰሪቑ።
ካልኣይ ወርቃዊ ባዞ ተሰሪሑ'ሎ ምስ ተባህለ፡ ብሰሉስ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሶተቢስ ንጨረታ ቀሪቡ። እቲ 101 ኪሎ ዝምዘን ባዞ ንምዕዳግ ሓደ ትካል ጥራይ ከምዝቐረበ ድማ ተፈሊጡ።
እቲ መበገሲ ዋጋ እዋናዊ ዋጋ ዕዳጋ ወርቂ ዝተመርኰነ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣስታት10 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ እቲ ሓራጅ ገሊጹ።
በዚ ድማ፡ በቲ ፍሉጥ ኣሜሪካዊ ትካል 'ሪፕሊስ ቢሊቭ ኢት ኦር ኖት' ከምዝተዓደገት ተገሊጹ። እቲ ትካል ኣብ ናይ ኢንስታግራም ገጹ ነቲ ዕድጊ ብወግዒ ብምግላጽ፡ "ብሓጐስ ክንጥቀመሉ ኢና" ክብል ጽሒፉ።
እዚ ትካል መዘናግዒ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፍሉያት ነገራትን ናይ ማይ መዘናግዒ መስሕባትን ብምቕራብ ዝፍለጥ እዩ።
ኣጋይሽ "ነቲ ወርቃዊ ሽቓቕ ክጥቀሙ" ንምፍቃድ "ኣማራጺታት ኣብ ምድህሳስ" ከምዝርከብ ድማ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ወሲኹ፡ "ከምዚ ዝበለ ፍጻመ ኵሉ ነገር ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ንክኸይድ ውጥንን ትብዓትን ይሓትት" ኢሉ።
እዚ ብኽብሪ ተዓዲጉ ዘሎ ስነጥበባዊ ስራሕ፡ ንኢጣልያዊ ስነጥበባዊ ካቴላን ካልኣይ ዝለዓለ ዋጋ ዘውጽአ ስርሑ ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ። ቅድሚ ሕጂ ኣዶልፍ ሂትለር ተንበርኪኹ እንከሎ ዝቐረጾ ቅርጻ-ቅርጹ፡ ኣብ 2016 ብ17.2 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ።
እቲ ፈላሚ ባዞ፡ ኣብ ጉገንሃይም (Guggenheim Museum) ኣብ ዝነበረሉ እዋን ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ከምዝተጠቕሙ ይግመት።
ብ14 መስከረም 2019 ሓሙሽተ ሰባት ናብ ቤተ መንግስቲ ብሌንሃይም (Blenheim Palace) ብምእታው ድማ ነቲ 4.8 ሚልዮን ፓውንድ ዝዋጋኡ ወርቃዊ ሽቓቕ ሰሪቘም ቮልክስዋገን ብዝዓይነታ መኪና ከምዝተሰወሩ ይፍለጥ።
እቲ ምዝማትን ስዒቡ ዝመጸ ፍርድን መዛረቢ እታ ከተማ እዩ ነይሩ።
ኣብ 2024 ወዲ 40 ዓመት ጀምስ ሺን፡ ብስርቂን ዝተሰርቀ ንብረት ብምሓዝን ገበኑ ተኣሚኑ። ወዲ 39 ዓመት ማይክል ጆንስ ኣብ መጋቢት ብስርቂ ገበኑ ተኣሚኑ። ክልቲኦም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
ወዲ 36 ዓመት ፍረድ ዶይ፡ ዝተሰርቀ ንብረት ንምስግጋር ብምውጣን ማእሰርቲ ተፈሪዱ።