እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዶላር ዘላ ዓይኒ፡ ምልክት 'ኢሉምናቲ' ድያ?
ኣብ ዳሕረዋይ ገፅ ዶላር ኣሜሪካ ትርከብ ዓይኒ ኣስተውዒልኩምዋ'ዶ ትፈልጡ? እዛ ኣብ ውሽጢ ስሉስ ኩርናዕ ወይ ፒራሚድ ዝተቐመጠትን ብብርሃን ዝተኸበበትን ዓይኒ ኣብ ብዙሕ ፊልምታትን መጻሕፍቲን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ክርስትያን ሜሶኒክ ህንጻታት እውን ትርአ ምልክት እያ።
እዛ ምልክት ዓይኒ ምስቲ ኣብ ትሕቲኣ ዘሎ ፒራሚድ ተደሚሩ፡ ጥንታውን ስውርን ኣምልኾ ትሕብር ኣርማ ትመስል።
ብዙሓት ሰባት፡ ምስ ሚስጥራዊ ማሕበራትን ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባትን ከምትተኣሳሰር ይኣምኑ።
ንኣብነት ምስ ፍሪሜሶንን ከምኡ’ውን ምስ እቲ ኣጠራጣሪ ሓቅነት ዘለዎን ዓለምና ክቆጻጸሩ ዝደልዩ ሓያላት ኣባላት ኣለዎ ዝበሃል ኢሉሚናቲን ትተኣሳሰር እያ ዝብሉ ሰባት ሒደት ኣይኮኑን።
ብጭቡጥ ግን፡ እዛ ዓይኒ እንታይ ትርጉም ኣለዋ? ብድሕሪ እዛ ምልክት ናይ ብሓቂ ውዲት ኣሎ ድዩ? መበቆል እዛ ዓይኒ ስለምንታይ እዩ ክሳብ ክንድዚ ዝምስጠና?
እዛ ምልክት ዓይኒ ዝተፈላለየ ናይ እንግሊዝኛ መጸውዒ ስም ኣለዋ፤ ‘ዚ ኦል ሲይንግ ኣይ’ (the All-Seeing Eye)፣ ‘ዚ ኣይ ኦቭ ሆረስ’ (the Eye of Horus)፣ ‘ዚ ኦል ሲይንግ ኣይ ኦቭ ጋድ’ (the All-Seeing Eye of God)፡ ‘ዚ ኣይ ኦቭ ፕሮቪደንስ’ (the Eye of Providence) ገለ ካብቶም መጸውዒታት እዮም።
መበቆል እዛ ዓይኒ ፈለማ ክርስትያናዊ ምልክት እዩ ነይሩ። ካብ መበል 16 ዘመን ጀሚሩ ኣብ ሃይማኖታዊ ስነ-ጥበባት ንኣምላኽ ትውክል ምልክት ኮይና ትቐርብ ነይራ።
ካልእ እታ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1593 ዝተሓትመት 'ኢኮኖሎንጊያ' [Iconologia] እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ዳሕረዎት ሕታማታ፡ እታ ዓይኒ ከም ምልክት ባህሪ ስብእና ‘መለኮታዊ መንፈሳዊ ሓይሊ ክንክን’ (Divine Providence) ወይ ድማ ከም ምልክት ምሕረት እግዚኣብሄር ዝሓዘት ነይራ።
ከምቲ እቲ ስምን ቀዳሞት ኣጠቓቕምኣን ዝሕብርዎ፡ እታ ስእሊ ዓይኒ፡ ኣምላኽ ርህራሄ ዝመልኦ ንቑሕ ሓላዊ ደቂ ሰባት ምዃኑ ንኸተመልክት እያ ተማሂዛ።
ኣብ ሕሉፍ ዝተመርኰሰ ምዕባለ
ፈለማ መን ከም ዝመሃዛ ብርግጽ እንተዘይተፈለጠ እኳ፡ እቲ ዝመሃዛ ሰብ ግን ኣብ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ቀንዲ ሓሳባት ሃይማኖታዊ ስነጥበባት ተመርኲሱ እዩ ምሂዝዋ።
ስሉስ ኩርናዕ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምልክት ስላሴ፡ ማለት ኣብ፣ ወልድን መንፈስ ቅዱስን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ርእሱ ስሉስ ኩርናዕ ኣኽሊል ገይሩ ይስኣል ነይሩ።
እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ምልክት ዝወጽእ ጩራታት ብርሃን’ውን ኣብ ክርስትያናዊ ስእሊታት ዝነበረን ናይ ኣምላኽ ብርሃን ምልክት ተገይሩ ስሕሰብን እዩ።
ግን መበገሲ ናይዛ ካብቲ ኣካል ዝተፈልየት ዓይኒ እንታይ እዩ? ቅድሚ ሕጂ ኣምላኽ ብብዙሕ ምስጢራዊ መገድታት ተሳኢሉ እዩ። ንኣብነት ኣምላኽ ካብ ደበና ብትወጽእ ሓንቲ ኢድ ተወኪሉ ዘርእዩ ስዕልታት ኣለዉ። ብሓንቲ ዓይኒ ዝተወከለሉ ስዕሊ ግን የለን።
ብተነጽሎ ዝተወከለት ዓይኒ ናይ ገዛእ ርእሳ ባህርያዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ኣለዋ። ከምዚ ዓይነት ዓይኒ፡ ስልጣን ከምኡውን ነቲ ዝርእያ ሰብ ዝዕዘብ ረቂቕ ሓላዋይ ከምዘሎን ተመልክት እያ ምባል ፍትሓዊ’ዩ።
እዚ ጽልዋ’ዚ ኣብ ተፈጥሮ ከይተረፈ ክንርእዮ ንኽእል ኢና፣ ገለ እንስሳታት ኣብ ቆርበቶም ንሃደንቲ ዘፈራርሕሉ ‘ነጥቢ ዓይኒ’ ኣማዕቢሎም እዮም።
መበገሲ እታ ዝተነጸለት ዓይኒ ግን እቶም ከም ሓደ ዓብላሊ ጻሳብ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ዝጥቀሙላ ዝነብሩ ጥንታውያን ግብጻውያን እዮም።
ንኣብነት ምውታን ኣብ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወቶም ንኽርእዩ ንምሕጋዝ ኣብቲ ሳንዱቕ ሬሳ ክልተ ዓይኒ ይስእሉ ነይሮም። ግብጻውንያን ካብ ካብዝጥቀምሎም ኩሎም ምልክታት ግን እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ 'ዚ ኣይ ኦቭ ሆረስ’ (the Eye of Horus) እዩ።
እዚ ኣብ ሓደ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ዝርአ ዓብላሊ ሓሳብ፡ ካብ ዓይኒ ወዲ ሰብን ሽላን ዝተዳቐለ ኮይኑ ናይቲ ሽላ ሸፋሽፍቲን ምልክት ምዕጉርቲን የጠቓልል።
ብመሰረት ጽውጽዋያት ጥንታውያን ግብጻውያን፡ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ሽላ ወይ ርእሲ ሽላ ከም ዘለዎ ተገይሩ ዝሰአል ኣምላኽ-ንጉስ ሆረስ፡ ሴት ምስ ዝበሃል ኣኮኡ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ኣዒንቱ ተጎዲኡ ነይሩ።
ደሓር ቶት ዝበሃል ኣምላኽ ወርሒ ሓጊዝዎ ኣዒንቱ ሓውዩ። ስለዚ እቲ ዓይኒ ሆረስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ጁባኦም ዝሕዝዎ ንእሽቶ መከላኸሊ ምልክት ኮይኑ።
እዚን ካልኦት ናይ ግብጻውያን ዝተነጸሉ ኣዒንቲ ደቂ ሰባትን ስእላዊ ጥንታዊ ጽሑፋትን (hieroglyphs) ካብ መበል 14 ክሳብ መበል 17 ዘመን ኣብ ኣውሮጳዊ ስነ-ስእሊ ጽልዋ ኣሕዲሮም ነይሮም።
ኣብቲ እዋን ሊቃውንትን ስነ ጥበባውያንን ኣብ ግብጻዊ ጽሑፋት ተመሲጦ ነይሩዎም፤ እቲ እንኮ ጸገም ግን ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን።
ፈተነታት ትርጉማት ድማ ብዘይቅኑዕነት ዝተዓብለለ’ዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ስነጥበባት፡ ኣብቲ ኣብ 1499 ዝተጸሓፈ ‘The Dream of Poliphilo’ - ዘ ድሪም ኦቭ ፖሊፊሎ ኣብ ዝብል ፍቕራዊ ዛንታ፡ እታ ግብጻዊ ንጽል ዓይኒ ምልክት ‘ኣምላኽ’ ዝብል ትርጉም ተዋሂብዋ ይርከብ።
ኣብ ምትርጓም ዝተፈጠር ጌጋ
እዚ ድማ መበቆላዊ ኣጠቓቕማ ስእላዊ ጥንታዊ ጽሑፋት (hieroglyphs) ብቕኑዕ ካብ ዘይምርዳእ ዝነቐለ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ስእላዊ ጥንታዊ ጽሑፋት ብቐንዱ ድምጻዊ ምልክታት ዘለዎም ጽሑፋዊ ቋንቋ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና። ኣብ 1400ታትን 1500ታትን ግን ኣዝዩ ዝያዳ ምሥጢራዊ ትርጉም ከም ዘለዎም እዩ ዝእመን ነይሩ።
ከም እንስሳታት፣ ኣዕዋፍን ረቒቕ ቅርጽታትን ዝኣመሰሉ ኣብዚኦም ጽሑፋት ዝርከቡ ምልክታት ኮነ ኢሎም ምስጢራዊ ክኾኑ ከምዝተገብሩ ይሕሰብ ስለዝነበረ ነፍሲ ወከፎም ከም ኣካል ስርዓተቋንቋ ዘይኮነስ ከም ብምንቕቓሕ ተዓዛቢ ሚስጥራዊ ትርጉም ዝፈጥሩ ከም ዝኾኑ ይሕሰብ ነይሮም።
ስለዚ ድማ፡ ብዙሕ ትርጉማት ዝሓዙ ሕንቅልሕንቅሊተያት እዮም ዝብል እምነት ነይሩ እዩ።
እዚ እምነት እዚ ኣብ ስነ ጥበብ ኣውሮጳ ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ከም እዚ ዓይኒ ዝኣመሰለ ቀንዲ ሓሳባት ሃይማኖታዊ ስነጥበባት ኮነ ኢሉ ስውር ተገይሩ እዩ። ዳርጋ ብዕላማ ዝተሃንጸ ዳግማይ ክትርጎም፡ ምናልባት’ውን ብጌጋ ክትርጎም’ውን ዝኽእል ምልክት’ዩ።
እዚ ድማ ብሓቂ ኣብ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመን ፍረ ረኺቡ። ኣብ ምልክትነት እዛ ዓይኒ እናወሰኸ ዝኸደድ ዘሎ ብዙሕነት ዘርእዩ ሰለስተ ወሰንቲ ኣብነታት ኣለዉ።
ኣብ ድሕሪ ሰውራ ዝነበረት ፈረንሳ፡ ዣን-ጃክ-ፍራንሱዋ ለ ባርቢየር ኣብ 1789 ኣዋጅ መሰላት ሰብን ዜጋታትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ጽሑፍ ናይቲ ሱር በተኻዊ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ዓይኒ ፕሮቪደንስ ዝሓዘ ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ ሓድሽ ማዕርነታዊ ሃገር ዝከታተል መሳርሒ ኣቦኣዊ ምኽንያት ኮይኑ።
ኣብ ብሪጣንያ ኣብ 1794 ጀረሚ ቤንታም፡ ንነፍሲ ወከፍ ሸላ ቀጻሊ ምክትታል ንምፍቃድ ዝዓለመ ሰውራዊ ሓድሽ ቤት ማእሰርቲ ዝኸውን ኣርማ ክነድፎ ኣርኪተክተር ዊሊ ረቨሊ ትእዛዝ ሂብዎ።
እቲ ዲዛይን ብጐሊሑ ዝረአ ዓይኒ ፕሮቪደንስ ዘጠቓለለ ነይሩ። ሕጂ ብ‘ምሕረት’፡ ‘ፍትሒ’ን ‘ንቕሓት’ን ዝብሉ ቃላት ተኸቢቡ፡ ምልክት ናይቲ ዕረፍቲ ዘይገብር ምዕዛብ ቅኑዕነት ፍርዲ ኮይኑ'ሎ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ድማ፡ ኣብ 1782 ‘Great Seal’ ብዝብል ዝፍለጥ ኣርማ ኣሜሪካ ተቐልቂሉ። ቶማስ ጀፈርሰን፣ ቤንጃሚን ፍራንክሊንን ጆን ኣዳምስን ነቲ ንድፊ ዝኸውን ሓሳባት ኣቕሪቦም ነይሮም።
እንተኾነ ግን ጸሓፊ ኮንቲነንታል ኮንግረስ ዝኾነ ቻርለስ ቶምሰን ምስ ዊልያም ባርተን ዝበሃል መንእሰይ ጠበቓን ስነጥበባዊን ኮይኑ፡ እቲ ኣርማ ነቲ ፒራሚድን ዓይኒ ፕሮቪደንስን ካልኦት ምልክታትን ዝሓወሰ ንክኸውን ገይሩ።
እቲ ዘይተዛዘመ ፒራሚድ ን“ሓይልን ንውሓት ግዜን” ንምምልካት ዝዓለመ ኮይኑ፡ 13 ደረጃታት ነተን 13 መበቆላውያን ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝውክላ እየን።
እታ ዓይኒ ድማ፡ ኣምላኽ ነቲ ተገዳስነት ገይሩ ከምዝሕልዎ ዝሕብር ልሙድ ምልክት እዩ። ኣብዚ ምርጫ ምልክታት እዚ ምስ ፍሪሜሶን ዝተኣሳሰር ዝኾነ ይኹን ነገር ኣይነበረን።
እሞ ምስ ኢሉሚናቲ ይተኣሳሰር ድዩ?
ዝርዝር ናይ መጀመርታ ዓመታት ናይቲ ኣብ ባቫርያ ብ1776 ዝተመስረተን ብ1787 ዝተበታተነን መበቆላዊ ጉጅለ ብተዛማዲ ድሩት እዩ።
ስእላዊ ምልክታት ኣብቲ መበቆላዊ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ኣገደስቲ ምንባሮም’ውን ኣይንፈልጥን ኢና። ሓቂ እዩ ኢሉሚናቲ ካብቲ ኣብቲ እዋን እቲ ንዓይኒ ፕሮቪደንስ ከም ምልክት ኣምላኽ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ፍሪሜሶንሪ ተበግሶ ወሲዱ ነይሩ እዩ።
ይኹን’ምበር፡ ሜሶናውያን ምልክት ዓይኒ ፕሮቪደንስ እንተወሓደ ክሳብ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመን ብሰፊሑ ኣይጥቀሙሉን ነይሮም።
ነቶም ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባውያን ዘሕዝን ግን፡ ኣብቲ ኣብ ዶላር ዘሎ ዓይኒ ፕሮቪደንስ ብዛዕባ ስልጣን ምስጢራዊ ሰባት ካብ ዝገልጾ፡ ብዛዕባ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ስነ-ጽባቐ ዝገልጾ ኣዝዩ ይዛይድ።
ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ስልጡን እዋን ድማ፡ ማዶና፣ ጄይ-ዚን ካንያ ዌስትን ኩሎም ዓይኒ ፕሮቪደንስ ሓዊሱ ናይ ኢሉሚናቲ ስእላዊ ምልክታት ተጠቒሞም ተባሂሎም ተኸሲሶም እዮም።
ግን ምስ ኢሉሚናቲ ዝኾነ ምትእስሳር ከምዘለዎም ዘርእይ ዘይኮነስ፡ ነፍሲ ወከፎም ዘመሳስሎም ነገር፡ ከምቲ ኣብ ዜማ መስተውዐሊ ዝኾንዎ ኣብቲ ምልክት እውን ምናልባት’ውን ከምመዘራረቢ ንክኾነሎም ስለዝሓሰቡ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ንሕና’ውን ከም እቶም ፍሪሜሶን፡ ስነ-ጥበባውያን ህዳሴ ወይ ከም ማዶናን ጄይ-ዚን ተደጋጋሚ ኣጠቓቕማ ዓይኒ ፕሮቪደንስ ክንትግብር ንኽእል ኢና።
እዚ ድማ መርትዖ ዝተዋደደ ውዲት ዘይኮነስ ነባሪ ብሩህነት ወይ ድምቀት እቲ ንድፊ ኣርማ እዩ ዘመልክት።