ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5500 ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይነን

ምንጪ ስእሊ, Amhara Education Bureau/FB
ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5500 ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተወልዑ ጎንጽታትን ካልኦት ምኽንያታትን ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ንጥፈታት ከካይዳ ከምዘይከኣላ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ዜጋታት እታ ሃገር ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም "ብኸቢድ ይግሃስ" ከምዘሎ ሓላፍቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ብሰንኪ ዝተፈጠሩ ጎንፅታትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ኣብያተ ትምህርቲ ይዕጸዋን ንኻልእ ዕላማታት ይውዕላ ምህላወንን እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።፥
በዚ ምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከባ 12 ክልላት ኣብተን ሸሞንተ ልዕሊ 5 ሽሕን 560 ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይነን ኣለዋ።
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት ከኣ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ተኣጓጒሎም ይብል እቲ ኮሚሽን።
እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ መሰል ምምሃር ዜጋታት ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ከምዝበጽሐ ዘመልክት ምዃኑ ኣብቲ ኮሚሽን፡ ኮሚሽነር መሰል ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናት፣ ኣረጋውያንን ጉዱኣት ኣካልን ወይዘሮ ርግበ ገብረሃዋርያ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ሰብ-ሰርሖን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ይዕጸዋ፤ ኣብ ገለ ቦታታት ድማ ከም መጽለሊ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ኮይነን የገልግላ ከምዘለዋ እታ ኮሚሽነር ሓቢራ።
"ኣብ ዕጥቃዊ ጎንጺ ዘለዉ ወገናት እውን ከም መዓስከራት [ሰራዊት] ይጥቀሙሉ ኣለዉ" ኢላ።
ኣብ ከም ትግራይ ዝበላ ካብ ኲናትን ግጭትን ዝሓውያ ዘለዋ ከባብታት ድማ ስራሓት ዳግመ ህንጸት ከምዝደንጐዩ ገሊጻ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተኻየዱን ኣብዚ እዋን ይቕጽሉ ብዘለዉን ጎንፅታት ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ዒላማ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ኮይነን’የን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ቀወት ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን መምህራን ከምዝቖሰሉን ቢቢሲ ንመሰኻኽር ዓይኒን ስድራ ግዳያትን ብምጥቃስ ጸብጺቡ ነይሩ።
ብተዛማዲ ኣብቶም ሰላማዊ ኩነታት ዘለዎም ከባቢታት እውን ክልላዊ ምምሕዳራት ንመምህራን ደሞዝ ክኸፍላ ብዘይምኽኣለን መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ይዕንቀፍ ከምዘሎ ይግለጽ።
ብፍላይ ኣብተን ሓደሽቲ ዝተጣየሻ ክልላት ደቡብ ኢትዮጵያን ማእኸላይ ኢትዮጵያን ደሞዝ ብግቡእን ብእዋኑን ይኽፈል ብዘይምህላዉ ኣብያተ ትምህርቲ ይዕጸዋ ምህላወን ኮሚሽነር ርግበ ተዛሪባ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ክንደይ ተምሃሮ ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ኮይኖም ከምዘለዉ ብንጹር ንምፍላጥ ከምዘይከኣለ ዝሕብር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እንተኾነ ዝተፈላለዩ ትካላት ንዘውጽእዎ መረዳእታ ብምጥቃስ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ተምሃሮ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ከምዘለዉ ጠቒሱ።
ዕጥቃዊ ግጭት ኣብ ዝካየደላ ዘላ ክልል ኣምሓራ ጥራይ ኣብዚ ዓመተ [2016 ግእዝ] ጥራይ ልዕሊ ክልተ ነጥቢ ሽዱሽተ ሚልዮን ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተፈልዮም ኣለዉ ይብል እቲ ኮሚሽን።
ተምሃሮ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ምዃኖም ድማ "ንብዙሕ ምግሃስ መሰላት" ከምዘቃልዖም ዝገለጸት ኮሚሽነር ርግበ “ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ኣብ ንኡስ ዕድሚአን ክምርዓዋ ይግደዳ። ህጻናትን መናእሰይን ከኣ ንጉልበት ምዝመዛን ስደትን ይሳጥሑ ኣለዉ” ክትብል ተረድእ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ’ቲ ዘሻቕል ዝበሎ መሰል ትምህርቲ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ክልላዊ ኣብያተ ዕዮ ትምህርትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ከምዝዘተየ ኣፍሊጡ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







