ኢትዮጵያ፡ 56 ሚእታዊት ካብ ተመሃሮ 2ይን 3ይን ክፍሊ ፊደላት ከለልዩ ኣይክእሉን - መጽናዕቲ

ህፃናት ኣብ ክፍሊ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ኣብ ኢትዮጵያ 56 ሚኢታዊት ተመሃሮ ካልኣይን ሳልሳይን ክፍሊ ዝዀነ ይኹን ቃል ከንብቡ ከም ዘይክእሉ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ገምጋምን ፈተናን ትምህርቲ ዘካየዶ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ መፅናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ተምሃሮ ካልኣይ ክፍሊ 37 ሚኢታዊ ጥራሕ እንተወሓደ ሓንቲ ቃል ከንብቡ ከም ዝኸኣሉ ኣብቲ ኣገልግሎት ኣፈጻሚ ስራሕ ገምጋምን ምርምርን ኤፋ ጉርሙ (ዶክተር) ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቶም ዝተረፉ 63 ሚእታዊት ድማ ዋላ ሓንቲ ቃል ከንብቡ ዘይክእሉ (‘ዜሮ ረንደረርስ’) እዮም።

ብኻልእ ወገን ድማ 49 ሚኢታዊ ተመሃሮ 3ይ ክፍሊ ሓንቲ ቃል ከንብቡ ከም ዘይክእሉ እቲ መጽናዕቲ ከምዘመልክት ኤፋ ጉርሙ (ዶክተር) ሓቢሩ።

ብሓፈሻ ካብቶም ኣብቲ መፅናዕቲ ዝተሳተፉ ተምሃሮ 2ይን 3ይን ክፍሊ እቶም 56 ሚኢታዊት ብኣንጻር ካብኦም ትጽቢት ዝግበር ዋላ ሓንቲ ቃል እውን ከንብቡ ኣይክእሉን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ከም ዝተኻየደ ዘዘኻኸረ እቲ ኣፈጻሚ ስራሕ፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ መጽናዕቲ ካብ ተመሃሮ 2ይ ክፍሊ እቶም 31 ሚእታዊት ጥራይ እንተወሓደ ሓንቲ ቃል ከም ዘንበቡ ገሊጹ።

ካብ ተመሃሮ 3ይ ክፍሊ ከኣ እቶም ኣስታት 55 ሚእታዊት ምስ ዝዀነ ይኹን ፊደላት ከም ዘይፋለጡ እቲ መጽናዕቲ ኣነጺሩ።

ካብቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ተማሃሮ 2ይን 3ይን ክፍሊ ብድምር እቶም 68 ሚእታዊት ዋላ ሓንቲ ቃል ከንብቡ ተጸጊሞም።

ኣብቲ ኣብ ንባብ ዝተመርኰሰ መጽናዕቲ ካብ 9 ክልላት እታ ሃገር ዝተዋጽኡ ልዕሊ 16 ሽሕ ተመሃሮ ተሳቲፎም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ተምሃሮ ካብ 401 መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተመረፁ እዮም።

ብሃንደበታዊ ቅምሶ (Random sampling ) ዝተመልመሉ እቶም ተመሃሮ፡ ኣፎም ብዝፈትሑሎም ቋንቋታት ዝተጻሕፉ 50 ቃላት ቀሪቦም ከንብብዎም እንተኽኢሎም ተሓቲቶም።

ብደረጃ ዓለም ብዘሎ መምዘኒ፡ ሓደ ተማሃራይ ካልኣይ ክፍሊ እንተወሓደ ኣብ ደቒቕ 60፤ ሓደ ተማሃራይ 3ይ ክፍሊ ድማ 90 ቃላት ከንብብ ትጽቢት ይግበር። እዚ ዓለምለኻዊ መምዘኒ ግን ሃገራት ንዝምህራሎም ቋንቋታት መሰረት ዝገበረ ምትዕርራይ ክገብራሉ ይኽእላ እየን።

ብመሰረት እዚ ብቋንቋታት ኢትዮጵያ ዝመሃሩ ተምሃሮ 2ይ ክፍሊ ኣብ ደቒቕ እንተነኣሰ 43 ቃላት፣ ተምሃሮ 3ይ ክፍሊ ድማ ኣብ ደቒቕ 53 ቃላት ከንብቡ ትፅቢት ይግበር።

ይኹን እምበር 56 ሚእታዊት ካብ ተመሃሮ 2ይን 3ይን ክፍሊ ካብ ዝተዋህቦም 50 ቃላት ዋላ ሓደ ከንብቡ ኣይከኣሉን።

እቲ መፅናዕቲ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከቡ ተመሃሮ ዘለዎም ክእለት ንባብ ንምዕቃን ብዝተዳለወ ዓለምለኻዊ መምዘኒ ከምዝተኻየደ ኤፋ (ዶክተር) ኣመልኪቱ።

ኣብዚ መፅናዕቲ ብኣምሓርኛ፣ ኦሮሚኛ፣ ዓፋር፣ ሶማልኛ፣ ሃዲያኛ፣ ወላይትኛ፣ ሲዳምኛን ኣብ ቤንሻንጉል ዝዝረብ ቋንቋ በርታን ዝመሃሩ ተምሃሮ ተሳቲፎም ኣለዉ።

"እቶም ህጻናት ዝተሓተትዎ ፊደል ናይ ምልላይ፤ ቃላት ወይ ሓጸርቲ ዓንቀጻት ናይ ምንባብ ከምኡ'ውን ናይ ምስማዕን ምርዳእን ክእለቶም እዮም ተሓቲቶም። . . እቲ ርኽበት ድማ እቶም ተምሃሮ ትሕቲ እቲ ዝተቐመጠ ደረጃ ከምዝኾኑ የመልክት" ይብል ኣፈጻሚ።

እቲ ትካል፡ ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዘለዉ ተምሃሮ ተመሳሳሊ መፅናዕቲ ከም ዘካይድ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ “መስርሕ ትምህርቲ ብግቡእ መገዲ ድዩ ዝኸይድ ዘሎ ኣይኰነን? ዝብል ንምፍላጥ መጽናዕቲ ከም ዝተኻየደ ኣረዲዲኡ።

ካብ ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ብምብጋስ ቅልጡፍ ምትዕርራይ ንክግበር ናብ ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ኣፈጸምትን ከም ዝቐርብ ወሲኹ ገሊጹ።