ሕቡራት ሃገራት፡ ጉዳይ'ቶም ዕርቃኖም ዝወጸ 92 ስደተኛታት ከምዘጕሃዮ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, TWITTER
ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብኵነታት'ቶም ኣብ ዶብ ግሪክን ቱርክን ዕርቃኖም ወጺኡ ዝተረኸቡ ኣስታት 100 ስደተኛታት ደቂ ተባዕትዮ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ።
ብሰንኪ'ቲ ኣብቶም 92 ስደተኛታት ዘጋጠመ ክስተት ክልቲአን ሃገራት ይካሰሳ ኣለዋ።
ግሪክ፡ ‘ተግባር ቱርኪ ንስልጣነ ዘሕፍር እዩ’ ክትብል ከላ፡ ቱርኪ ብወገና ነቲ ክሲ “ስኑዕ ዜና” ብምባል ንጐረቤታ “ብጭካነ” ትኸስስ።
ክልቲአን ሃገራት ሓድሕደን ይካሰሳ ኣብ ዘለዋሉ፡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምርመራ ክካየድ ብምጽዋዕ “በቶም ዘሰንብዱ ጸብጻባትን ኣሳእልን ኣዝየ ሓዚነ” ኢሉ።
ፖሊስ ግሪክ ብዓርቢ ምስ ቱርኪ ኣብ ዘዋስን ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ጥራሕ ዝባኖም ገሊኦም ድማ መጕዳእቲ ዘጋጠሞም 92 ሰብኡት ከምዘድሓነ ገሊጹ ኣሎ።
ምስ ኤጀንሲ ዶባት ኣውሮጳ ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ምርመራ፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ቱርኪ ብጀልባ ናብ ግሪክ ምስጋሮም ከምዘረጋገጹ ሓቢሮም።
እቶም ስደተኛታት ብቕልጡፍ ክዳን፡ ምግብን ቀዳማይ ረድኤት ሕክምናን ክረኽቡ ከምዝተገበረ እውን ሰብመዚ ግሪክ ገሊጾም።
ክዳውንቲ ናይቶም ካብ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ዝተበገሱ ስደተኛታት ንምንታይን ብኸመይን ከምዝተገፈፈ ዝተፈለጠ ነገር የለን።
እቶም ስደተኛታት ብወተሃደራውያን መካይን ቱርኪ ናብ ዶብ ግሪክ ከምዝገዓዙ ምግላጾም ዝሓበረ ሓደ በዓል ስልጣን ግሪክ፡ እታ ሃገር፡ “ዘይሕጋዊ ስደት ከም መሳርሒ ትጥቀም ኣላ” ክብል ከሲሱ።
ላዕለዋይ ሓጋዚ ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ብኣንጻሩ፡ ካብ ግሪክ ዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ በቲ “ሰብኣውነት ዝጐደሎ” ዝበሎ ተግባር ንግሪክ ወቒሱ።
ግሪክ፡ ጐረቤታ ነቲ ኣብ 2016 ዋሕዚ ስደተኛታት ክትዓግትን ብኣንጻሩ ቢልዮን ዶላራት ክኽፈላን ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ዝኣተወቶ ስምምዕ ክተኽብር ጸዊዓ ኣላ።
እታ ሃገር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምክልኻል ምስ ቱርኪ ኣብ ዘዋስና ዶብ ኣስታት 40 ኪሜ ሓጹር ከምእትሃንጽ እውን ኣፍሊጣ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







