ኤርትራዊ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ንኢጣልያን ተረኪቡ

እቶም ስደተኛታት ውሕስነት ብዘይብለን ጀላቡ'ዮም ንማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ብምስግጋር ደቂ ሰባት ተጠርጢሩ ንኽልተ ዓመታት ክድለ ዝጸንሐ ሓደ ኤርትራዊ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሒዙ ንመንግስቲ ኢጣልያን ከምዝተረከበ ንሚኒሰትሪ ፍትሒ ኢጣልያን ጠቒሱ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እዚ ክድለ ዝጸንሐ ጥርጡር፡ ተመስገን ገብሩ ገብረመድህን ዝበሃል ወዲ 35 ዓመት ኰይኑ፡ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ካልኦት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ናብ ኣውሮጳ ከሰጋግር ምጽንሑ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ጥርጡር፡ ኣባል ዓለምለኻዊ ውድባት ገበን ብምዃኑን ብምስግጋር ደቂ ሰባትን ብዝብል ክሲ ክድለ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ’ዩ ንመንግስቲ ኢጣልያ ተረኪቡ።

ኢጣልያ ንተመስገን ገብሩ ገብረመድህን ብዝተፈላለየ ዘይሕጋዊ ተግባራት ክሲ ብምቕራብ ብ 2020፡ ኣብ ዝተረኸቦ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈት ዝዝከር እዩ።

ተመስገን ገብሩ ገብረመድህን ብኢንተርፖል’ውን ክድለ ዝጸንሐ ኰይኑ ናብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተተሓዘ ሮይተርስ ገሊጹ።

እቲ ኣሰጋጋሪ፡ ካብ 2014 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደገኛ ኣገባብን ዓመጻት ዝበዝሖ ኵነታትን ኣሰጋጊሩ ብዝብል'ዩ ዝኽሰስ።

እቲ ብወሊድ ዝብል ስም ዝጽዋዕ ተወልደ ጐይትኦም፡ ኣብ ሰነ 2021 ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምስርጣይ ስደተኛታትን ገበነኛ ኰይኑ ብምርካቡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ን18 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ዝነበረ'ዩ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቀይዲ ሃዲሙ ዝድለ ዘሎ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝተባህለ ካልእ ዕሉል ኣሰጋጋሪ'ውን ሓደ ካብ ቀንዲ ተሓባበርቱ ምንባሩ፡ ሰብመዚ ኔዘርላንድ ይኸሱ።

ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘየለወሉ ንሕልፈት ክእሰር ዝተፈርደ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት ኣስፊርዎ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኪዳነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንሓደ ዓመት ብጉዳይ ክልተ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኰይኑ ጉዳዩ ክርአ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ለካቲት 2020 ካብ ቤት ፍርዲ ሃዲሙ ከምዝተሰወረ ይዝከር።

ምስ 'ወሊድ' ዝተሓባበር ጐደፋይ ደሞዝ ዝተባህለ ውልቀሰብ ድማ፡ ናይ 16 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒን ማእሰርቲ ከምኡ'ውን 50 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ተፈሪድዎ ነይሩ።

ተወልደ ጐይትኦም ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዝተሓሓዝ ብሓሙሽተ ክስታት'ዩ ኣብ ኢትዮጵያ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምርካብ ናይቲ ጥርጡር ንዘርኣየቶ ምትሕብባር ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም ኣለዉ።

ወዲ 53 ዓመት ዮሃንስ ሃብተ፡ ብኢንተርፖል ክድለ ድሕሪ ምጽንሑ እዩ ብምትሕብባር ፖሊስ ኬንያ ኣብ ጫፍ ከተማ ናይሮቢ ተታሒዙ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ንኣሰጋገርቲ ዘይተኣደነ ዶላራት እናኸፈሉ ውሕስነት ብዘይብለን ጀላቡ ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ኣሽሓት ካብኦም ከኣ ከምዝጠሓሉ ይፍለጥ።