ማንቸስተር ዩናይትድ ንተጻዋታይ ሪያል ማድሪድ ካሴሜሮ ብ70 ሚልዮን ፓዉንድ ኣፈሪማ

ማንቸስተር ዩናይትድ ንብራዚሊያዊ ናይ ማእኸል ተጻዋታይ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ካሴሜሮ ብ70 ሚልዮን ፓዉንድ ንኽተፈርሞ ተሰማሚዓ።

 እቲ ወዲ 30 ዓመት ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ካብ 2013 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ጀሚሩ ንርያል ማድሪድ ክጻወት ጸኒሑ።

ኣብ ጻኒሒቱ ድማ ጋንታ ርያል ማድሪድ ተዓዋቲት ላ ሊጋ ክትከውን እንከላ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ድማ 5 ግዜ ጽዋዕ ወሲዳ’ያ።

 ማንቸስተር ዩናይትድ ፈለማ 50 ሚልዮን ዩሮ ድሕሪ ምኽፋል፡ እቲ ዝተረፈ 10 ሚልዮን ዩሮ ከኣ እቲ ተጻዋታይ ምስፈረመ ዝኽፈል ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

 ኣብ ፕርምየር ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ተሰሪዓ እትርከብ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ድሕሪ ጽባሕ ሰኑይ ኣብ ስታድየም ኦልድ ታራፎርድ ምስ ጋንታ ሊቨርፑል ክትገጥም’ያ።

 ካሴሜሮ ካብቶም ብሉጻት ተኸፈልቲ ተጻወቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ሓደ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

 እታ ጋንታ ንኣርባዕተ ተጻወትቲ ዘፈረመት ኮይና፡ ቅድሚ ካሴሜሮ ንክርስችን ኤሪክሰን፣ ታይረል ማላስያን ሊሳንድሮ ማርቲነዝ ከምዘፈረመት ዝፍለጥ’ዩ።

 ማንቸስተር ዩናይትድ ንማእኸል ተጻዋታይ ጁቬንትስ ኤድርያን ራብዮት ክተፈርም ውጥን’ኳ እንተነበራ ቅድመ ኩነት ከማልእ ብዘይምኽኣሉ እቲ ዝውውር ኣይሰለጠን።

 ንሱ ክሽፍኖ ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ማእኸል ተጻዋታይነት ክፍተት ንምምላእ’ዩ እምበኣር ማንቸስተር ዩናይትድ ንካሴሜሮ ክተፈርም ተገዲዳ ዘላ።

 ካሴሜሮ ኣብ ዝቕጽል ሰኑይ ኣብ ዝወግበር ጸወታ ኣይክስለፍን’ዩ። ኣብታ ጋንታ ክፈጥሮ ዝኽእል ለውጢ ምግማት ግን ይከኣል’ዩ።

 ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝነበረ ጸወታ ኣብ ላ ሊጋ ካብ ዝነበሩ ናይ ማእኸል ተጻወትቲ ብንጽጽር ዝሓሸ ጸወታ ኣርእዩ’ዩ።

ብራዚሊያዊ ተጻዋታይ ካሴሜሮ ዕውት ብዝኾነ መገዲ ብምክልኻል ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘ ኮይኑ ሸርተቴ ኣቲኻ ኩዕሶ ብምሕዳግ ድማ ካብ ተጻዋታይ ባርሴሎና ሰርጅዮ ቡስኬዌትስ ቀጺሉ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

 ሪያል ማድሪድ ብዝሓሸ ኣፈጻጽማ ንኽተጥቅዕ ኣብ ማግባር’ውን እንተኾነ ግደ ካሴሜሮ ዘይተሓለለ’ዩ ነይሩ።

 ናይ ማእኸል ተጻዋታይ ካሴሜሮ፡ ካብ 2014 ክሳብ 2015 ኣብ ፖርቹጋል ጋንታ ፖርቶ ዝተጻወተ ኮይኑ ንጋንታ ርያል ማድሪድ 222 ግዜ ተሰሊፉ 24 ሸቶታት ኣእትዩ።

ማንቸስተር ዩናይትድ ንካሴሜሮ ንኣርባዕተ ዓመት ዘፈረመቶ ናይ ምጽዋት ዓቕሙ ብፍላይ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ብዘርኣዮ ብቕዓት ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።

 ካብቲ ኣብ ስፐይን ዝኽፈሎ ዝነበረ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዕጽፊ ከምዝኽፈሎ’ኳ ይውረ እንተሎ ብንጹር ዝተጠቐሰ ነገር ግን የለን። ይኹን እምበር ካብቶም ቀዳሞት ተኸፈልቲ እታ ጋንታ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 ኣልጠንቲ ዩናይትድ ንካሴሜሮ ከምዘደንቕዎን ከፈርምዎ ድልየት ከምዝነበሮሙን ይግለጽ። ንሱ’ውን እንተኾነ ናብ ኦልድ ታራፎልድ ናይ ምኻድ ድልየት ከምዝነበሮ ተዛሪቡ።

 ኣሰልጠንቲ ዩናይትድ ካሴሜሮ እታ ጋንታ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ተዓዋቲት ከምዝገብራ እምነት ኣሕዲሮም ኣለዉ።