ኤሎን መስክ ንማንቸስተር ዩናይትድ ክዕድግ እየ ምባሉ ንዋዛ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ

ወናኒ ትካል መፍረዪ ኤሌክትሪክ መካይን ቴስላን ስፔስ ኤክስን ኤሎን መስክ ኣቓልቦኡ ናብ ኩዕሶ እግሪ ብምቕያር ንጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ክዕድግ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ቢልየነር ብዙሓት ኣካታዕቲ ሓሳባት ኣብ ዘካፍለሉ ትዊተር "ንማንቸስተር ዩናይትድ ክገዝኣ እየ" ዝብል ሓጺር መልእኽቲ ምጥቅዑ ንዋዛ ከምዝነበረ ፀኒሑ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ'ሎ።

ነታ እንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ "ክገዝኣ እየ" ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ዘስፈሮ ዝርዝር ነገር ኣይነበረን።

ንዩናይትድ ክዕድጋ እየ ምባሉ ግን ደገፍቲ እታ ጋንታ ሓጎስ ዝፈጠረሎም ይመስል።

ጋንትኦም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናብ ቅልውላው ውፅኢት ዝኣተወት ደገፍቲ፡ መስክ ንዩናይትድ ክሕዝ ዘለዎም ባህጊ ብማሕበራዊ ሚድያ ይገልፁ ኣለው።

ዋላ'ኳ እታ ጋንታ ንኤሪክ ቴን ሃግ ኣብዚ ዓመት ብኣሰልጣንነት እንተመዘዘት ኣብ ቀዳሞት ክልተ ጸወታታት ስዕረት ኣጋጢምዋ'ሎ።

ኣብ ቀጻሊ ሰሙን ድማ ኣብ ሜድኣ ንሊቨርፑል ከተአንግድ ኢያ።

ቢልየነር ዓለምና ኤሎን መስክ ነታ ጋንታ ክዕድጋ ምዃኑ ብትዊተር ዝገለፀ፡ ደገፍቲ ንተኸታታሊ ምንቁልቋል ውፅኢት ስዒቡ ናብ ካልእ ዓዳጊ ክትሰጋገር ኣለዋ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ወነንቲ እታ ጋንታ ዝኾኑ ስድራ ግሌዘር ድምፂ ተቓውሞ ኣብ ዘስምዑሉ ዘለዉ እዋን እዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እውን እንተኾነ እቲ ተቓውሞታት ቀፂሉ ኣሎ።

ማንቸስተር ዩናይትድ ቀዳሞት ክልተ ተኸታተልቲ ስዕረት ምእንጋዳ ስዒቡ፡ ደገፍታ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝካየድ ጸወታ ኣንጻር ወነንቲ ሰፊሕ ተቓውሞ ከስምዑ መደብ ከምዘለዎም ይግለፅ።

ናብ ሜዳ ብዘይምእታው፡ ዘለዎም ቁጥዐ ክገልፁ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጓስጓስ ኣብ ምክያድ ይርከቡ። ኣብ ሞንጎ'ዚ እዩ ኤሎን መስክ ነታ ጋንታ ናይ ምዕዳግ ድልየት ዘርኣየ።

ዩናይትድ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምስ ብሬንትፎርድ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ 4 ብ 0 ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዋ ነይሩ።

ኤሎን መስክ መን እዩ?

መስክ ኣብታ ኔልሰን ማንዴላ (ማዲባ) ዝተወልደላ ከተማ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ተወሊዱ።

ፕሪቶርያ ንኦሊቨር ታምቦ፡ ዴዝሞንድ ቱቱ፡ ኔልሰን ማንዴላ ዘፍረየት እያ።

ኣደኡ ጻዕዳ ካናዳዊት ሞዴል ኮይና ወይዘሮ "መይ" ከኣ ትበሃል። ብእንግሊዝኛ ምናልባት "ግንቦት" ክትርጐም ይኽእል እዩ።

ኣቦ ኤሎን ሓደ ካብቶም ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኰይኑ ስሙይ ነጋዳይ እዩ፤ ተራ ነጋዳይ ዘይኮነ በሊሕ ሓንጎል ዝነበሮ ፍሉይ ዝትዕድልቱ ነጋዳይ።

ኤሎን መስክ ናይ ዓለም ቁፅሪ ሓደ ሃብታም ሰብ ከምዝኾነ መጽሔት ፎርብስን ብሉምበርግን ይሕብራ።

ዝጭበጥን ዘይጭበጥን ውጹእ ሃብቱ 250 ቢሊዮን ዶላር ዝበፅሐ ኮይኑ፡ ነቲ ንዓመታት ቁጽሪ ሓደ ዝነበረ ወናኒ ኣማዞን ጄፍ ቤዞስ ብብዙሕ ሚልዮናት ሓሊፍዎ'ሎ።

መብዛሕትኡ ሃብቲ ኤሎን መስክ ካብቲ ዘይተጸበዮ ናይ ቴስላ ናይ ብርኪ ብጽሒት ዝመጽአ እዩ። ንሱ ኣብ ኩባንያ ቴስላ 17 ሚእታዊት ብጽሒት ኣለዎ።

ካብ ዕድጊት ትዊተር ምንስሓቡ

ሃብታም ዓለም ኤሎን መስክ ኣብ ናይ ትዊተር ዕድጊት ውዕሊ ዝተጠቐሱ ብዙሓት ነገራት ስለዘይተኸበሩ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ንምግዛእ ኣትይዎ ካብ ዝነበረ ውዕሊ ንገዛእ ርእሱ ከምዘንሳሕበ'ዩ ተገሊጹ። 

ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ቦርድ ትዊተር ነቲ ማሕበራዊ ሚድያ ንኤሎን መስክ፡ ብ44 ቢልዮን ዶላር፡ ንምሻጥ ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይዝከር። 

መስክ ንትዊተር ካብ ምግዛእ ዘንሳሕበ፡ እቲ ትካል ቁጽሪ ስኑዓት ገጻት ትዊተር ክንደይ ከምዝኾኑ እኹል ሓበሬታ ከቕርብ ብዘይምኽኣሉ ከምዝኾነ ሓቢሩ። 

ትዊተር ብወገኑ እቲ ናይ ዕድጊት ውዕሊ ተፈጻሚ ንክኸውን ሕጋዊ ስጉምትታት ንምውሳድ መጽናዕትታት የካይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። 

“ቦርድ ትዊተር ምስ ኤሎን መስክ ብዝተበጽሐ ዋጋን ውዕላትን መሰረት ንኽፍጸም ጽኑዕ ድልየት ኣለዎ” ክብል ኣካቢ ቦርድ ትዊተር ብሬት ተይለር ኣብ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ።