እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢሎን መስክ፡ ምስ በዓልቲ ቤት መስራቲ ጉግል ፍቕራዊ ርክብ ከምዘይብሉ ገሊጹ
ሃብታም ዓለምና፡ ወናኒ ተስላን ካልኦት ኩባንያታትን ኢሎን መስክ፡ ምስ በዓልቲ ቤት መስራቲ ጎግል ሰርገይ ብሪን ዝዀነት ኒኮል ሻናሃን፡ ዝዀነ ፍቕራዊ ዝምድና ከምዘይብሉ ገሊጹ።
ኢሎን መስክ መልሲ ዝሃበ፡ እቲ ዕርክነት ኢሎን መስክን ሰርገይ በሪንን፡ ብሰንኪ'ቲ ኢሎን ምስ ሰይቲ ሰርገይ - ኒኮል - ግሁድ ፍቕራዊ ርክባት ብምጅማሩ ተበቲኹ'ሎ፡ ክብል ዎል ስትሪት ጆርናል ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ’ዩ።
ኢሎን፡ ነቲ ኣብ ትዊተር ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ንሱ’ውን ኣብ ትዊተር “ብፍጹም መሰረት ዘይብሉ” ዝብል መልሲ ሂብሉ።
ንሱ ምስ ሰርገይ ብሪን ክሳብ ሕጂ ጥቡቕ ዕርክነት ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ “ትማሊ’ውን ብሓደ ኢና ክንዘናጋዕ ኣምሲና” ኢሉ።
ዎል ስትሪት ጆርናል፡ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ብምርቋሕ፡ ኢሎን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ምስ ኒኮል ሻናሃን ግሉጽ ፍቕራዊ ርከባት ምጅማሩ’ዩ ኣብ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።
ሰርገይ ብሪን፡ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ምስ በዓልቲ ቤቱ ንኽፋታሕ ሕቶ ከምዝቕረበን ምስ ኢሎን መስክ ዝነበሮ ዕርከነት ከምዝበተኾን’ዩ ዝግለጽ።
ኢሎን መስክ ግን ኣብ ትዊተር፡ “ኣብዚ ዓመት ንኒኮል ክልተ ግዜ ጥራይ እየ ርእየያ፡ ክልቲኡ ኸኣ ምስ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝነበርናሉ እዩ፤ ዝዀነ ፍቕራዊ ነገራት የብላን፡” ኢሉ።
ኒኮል ሻናሃንን ሰርገይ ብሪንን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ብሰንኪ እዚ ዝተገለጸ ጉዳይ ከምዝተፈላለዩን፡ እንተዀነ ብሓደ ይነብሩ ከምዘለዉን ምስ ኒኮል ሻንሃን ጥቡቕ ርክብ ንዘለዋ ሰብ ጠቒሱ ዎል ስትሪት ጆርናል የመልክት።
ኢሎን መስክ፡ ዎል ስትሪት ጆርናል ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ተስላን ዝቐንዐ “እዚ ኢልካ ዘይግለጽ መሰረት ኣልቦ ጸብጻብ” ምውጽኣ ቍጥዐኡ ገሊጹ።
ወናኒ ተስላን ስፔስ ኤክስን ዝዀነ ኢሎን መስክ፡ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ንምግዛእ ዝነበሮ መደብ ሃንደበት ብምስራዙ ኣብ ከቢድ ሕጋዊ ምጕት’ዩ ዝርከብ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ትካል ትዊተር፡ ኢሎን መስክ ንትዊተር ንምዕዳግ ዝኣተዎ ውዕል ይሓድጎ’ሎ ብምባል ሕጋዊ ክሲ ከምዝመስረተሉ ይዝከር።
ካብ ዓለምና ቀዳማይ ሃብታም ዝዀነ ኢሎን መስክ፡ ልዕሊ 240 ቢልዮን ዶላር ከምዘለዎ ብሉምበርግ ቢልዮነርስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።
ብሉምበርግ ቢልዮነርስ፡ ሰርገይ ብሪን’ውን 95 ቢልዮን ዶላር ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ካብ ዓለምና ብሃብቲ ኣብ ሻሙናይ ደረጃ ከምዝስራዕ ይጠቅስ።