ራያን ጊግስ፡ 'ኣዝዩ ጽዩቕን ኣሰቃቒን ባህሪ ነይርዎ' ተባሂሉ

ብደገፍቲ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ዪናይትድ ዝምለኽ ዝነበረ ኮኾብ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ራያን ጊግስ፡ ካብ ሜዳ ወጻኢ ሕማቕ ባህሪ ኣለዎ ክብሉ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም። እቲ ወዲ 48 ዓመት ጊግስ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍቃሪቱ ዝነበረት ኬት ግረቪልን ንእሽቶ ሓፍታ ኤማን ማህሰይቲን መጥቃዕቲን ብምፍጻሙ ተኸሲሱ እዩ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ።

ዓቃብ ሕጊ ፒተር ራይት፡ ጊግስ ጽቡቕ ክእለት ኵዕሶ እግሪ ከም ዝነበሮን እንተዀነ ካብ ሜዳ ወጻኢ ህይወቱ ኣዝዩ ዝተፈልየ ከምዝዀነን ገሊጹ።

"ኣዝዩ ጽዩቕን ኣሰቃቒ ባህርን ነይርዎ" ክብል ራይት ንመጋባእያ ዳያኑ ተዛሪቡ። “ኣብታ ከም ዘፍቅራ ዝኣመነላ ሰበይቲ፡ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ግህሰት ፈጺሙ እዩ።”

ይዅን እምበር ጊግስ ንዅሉ እቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።

ካብ ነሓሰ 2017 ክሳብ ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊ ኬት ግረቪል ብምቍጽጻርን ምግዳድን ከምኡ’ውን ኣካላዊ ጕድኣት ብምፍጻሙ እዩ ተኸሲሱ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሓብታ ኣብ 1 ሕዳር 2020 መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።

'ምሉእ ህይወት ሓሶት እዩ ነይሩ'

ኬት ግረቪል "ምሉእ ህይወት ሓሶት እዩ ነይሩ" ክትብል እናነብዐት ንፖሊስ ገሊጻ።

ወሲኻ’ውን፡ ሓደ እዋን ንኻልእ ጓል ኣንስተይቲ መልእኽቲ ልኢኽካ ኢላ ምስ ኣጓጠጠትሉ ካብቲ ክፍሊ ሆቴል "ከምዘባረራ" ነቶም መርመርቲ ሓቢራ።

ብኢዳ "ብሓይሊ" ሒዙ፡ ዕርቃና ወጺኣ እንከላ "መሬት ንመሬት ጎቲቱ" ኣወጺኡ ከምዝደርበያን ክዳውንታ ከምዝደርበየላን ትዛረብ።

"ውርደትን ሕፍረትን" ክስምዓ ከምዝገበር እውን ትገልጽ።

ቅድሚ እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዘጋጠማ መጥቃዕቲ ኣዋርሕ ቅድም ኢሉ፡ ጊግስ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ምስ ካልኦት ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ ርክብ ከምዝነበሮ ዘርኢ መርትዖ ረኺባ ከም ዝነበረት ገሊጻ።

'ፍጹም ዘይርትዓዊ'

ራያን ጊግስ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈላለዩ ዕረቃኑ ዘርእዩ ስእልታትን ዘናሽዉ መልእኽቲታን ይልእከላ ከምዝነበረ፡ ዓቃቢ ሕጊ ፒተር ራይት ገሊጹ። ብተወሳኺ ኣብ ሰነ 2020 ሓያል ጸርፊ ከም ኣርእስቲ ተጠቒሙ ናብ ውልቃዊ ኣካውንታ ኢመይል ከምዝለኣኸ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ።

ፒተር ራይት ሽዑ እንታይ ከምዝተስምዓ ምስ ሓተታ፡ ዘሰንብድ “ፍጹም ዘይርትዓዊ ነይሩ" ክትብል መሊሳ።

'ክልተ ዓይነት ሰብ'

ሚስ ግረቪል ንፖሊስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብቲ ዝምድና ብኣጋኡ "ምልክታት ሓደጋ" ከምዝረኣየትን "ዳርጋ ክልተ ዓይነት ሰብ ከምዝመስልን" ትገልጽ።

ምስ ጊግስ ርክብ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን ክልቲኦም ሓዳር'ኳ እንተነበሮም ሕጕሳት ከምዘይነበሩ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሓዳሮም ጽቡቕ የውግዑ ከምዝነበሩ ሓቢራ።

ከምኡ እናበለ ነገራት "ምስ ማዕበሉ" ድሕሪ ክልተ ወርሒ ሓዳራ ከምዝሓደገት እውን ገሊጻ።

"ከም ሓደ ብሉጽ ዓርከይ፡ መጻምድቲ ነፍሲ እዩ ነይሩ፡ ካብቲ ሓዳር ዘድሓነኒ ንሱ እዩ ነይሩ" ክትብል ወሲኻ ተዛሪባ።

'ኣመንዝራ ኢኺ'

ዝነበራ ርእሳ ሓዳር ምስ ሓደገት፡ ጊግስ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ከም ዝሓድጋ ቃል ይኣቱ ከምዝነበረን፡ ግን ከምዘይተፈጸመን ትዛረብ።

ኣብ ሓደ እዋን ምዝርራብ ኣቋሪጻ መልእኽቲ ክልእኽን ክድውልን እንከሎ ጻውዒታቱን ሸለል ከም ዝበለቶ ንፖሊስ ዝገለጸት ሚስ ግረቪል፡ ጊግስ ናብ ኣፓርታማኣ መጺኡ ሸለል ምስ በለቶ፡ "ኣመንዝራ ኢኺ፡ ምስ ካልእ ሰብ ዲኺ ዘለኺ?" ኢሉ ዓው ኢሉ ከምዝተዛረበ ሓቢራ።

'ዳርጋ ብእኡ ዝተወለፍኩ እየ ነይረ'

ኣብ ገለ እዋናት ቴሌፎናቱን ኢመይላቱን ሸለል'ኳ ትብል እንተነበረት፡ ርክቦም ግን እናተቛረጸ እናቐጸለ ከም ዝኸደ እቲ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ።

"ዳርጋ ብእኡ ዝተወለፍኩ እየ ነይረ። ካብ ርእሰይ ከውጽኦ ኣይከኣልኩን" ትብል።

ርክቦም እናቐጸለ ምስ ከደ፡ ነታ ሽዑ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ገዲፉ ናብ ኣደኡ ከም ዝገዓዘ ነጊርዋ።

"ደሓር ግን ከምዘይገበሮ ፈሊጠ። እዚ ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ቀጺሉ፡ ድሕሪኡ ምስ [ናይ ሽዑ በዓልቲ ቤቱ] ከምዘይፈላለ ተረዲአ" ትብል።

ኣብ መወዳእታ፡ ሚስ ግረቪል፡ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂባቶ ዋላ ሓንቲ ከይተለወጠ ምስ ተረፈ "ካብኡ ክትርሕቕ" ናብ ኣቡዳቢ ክትከድ ከም ዝወሰነትን ገሊጻ።

ጊግስ ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ግዜ ዕረፍቱ ስዒቡ፡ ኣብ ሰነ ካብ ዝነበሮ ስራሕ ኣሰልጣንነት ሃገራዊት ጋንታ ዌልስ ወሪዱ ነይሩ።

ንሱ ኣብ ኦልትራፎርድ ኣብ ዝጻወተሉ ዝነበረ እዋን፡ ማንቸስተር ዩናይትድ 13 ዋንጫ ፕረምየርሊግ፡ 2 ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ፡ 4 ዋንጫን ኤፍኤ 3 ዋንጫ ሊግን ተዓዊታ እያ።

ምስ ዌልስ 64 ዋንጫታት ዝተዓወተ ጊግስ፡ ሓባራዊ ወናኒ ክለብ ሳልፎርድ ሲቲ እዩ።

እቲ መስርሕ ፍርዲ ክቕጽል እዩ።